ጥዕና፡ ኣብ ትግራይ 48 ሰባት ብሕማም ንፍዮ ተጠቒዖም

ክታበት ንፍዮ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ክታበት ንፍዮ

ኣብ ትግራይ ኣብ ወረዳ ኣስገደ-ፅምብላ ሕማም ንፍዮ ተራእዩ ኣሎ።

በቲ ሕማም 5 ህፃውንቲ ዝርከብዎም 48 ሰባት ብንፍዮ ከም ዝተጠቕዑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ንቢቢሲ ገሊፁ። ዛጊድ ግን በቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ የለን።

ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ፡ ሓላፊ ክፍሊ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣይተ ሳሙኤል ኣረጋይ፡ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሕማም ንፍዮ ተራእዩ ከም ዝነበረን ብእዋኑ ምክልኻል ከም ዝተኻኣለን ገሊፆም።

ኣብ ተምሃሮ ዩኒቨርሲታት ኣኽሱምን መቐለን ስለ ዝተርኣየ እኹል ክታበት ከም ዝተወሃበ እቶም ሓላፊ ይገልፁ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም 8000 ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካምፓስ መለስ ዜናዊ ድማ 5000 ተምሃሮ ተኸቲቦም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድማ ምልክታት ለበዳ ንፍዮ ኣብ ኣርባዕተ ጣብያታት ወረዳ ኣስገደ-ፅምብላ ከምተራኣየን ን5 ህፃውንቲ ሓዊሱ 48 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑን ኣይተ ሳሙኤል ተዛሪቦም።

"ብዝተማለአ ሽፋን ክታበት: ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ቀጺላ ከም ትርከብ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ እዩ። እቲ ሕማም ብብዝሒ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዝተርኣየሉ ምኽንያት ድማ፡ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ዝተውሃበ ሽፋን ክታበት ክፍተት ምንባሩ ዘመላኽት እዩ። ኣብ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመ ህጻናት እንድሕር ተራእዩ ድኽመት ሽፋን ክታበት ከም ዘለና እዩ ዘረድአና" ኢሎም ኣይተ ሳሙኤል ኣረጋይ።

ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር፡ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ኣስገደ-ፅምብላ ዝተማለአ ክታበት ንምሃብ ምስንዳእ ከም ዝተወገነ ድማ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ