ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ኮንተይነር ተረኺቦም

ውደብ ዚበርጋ ኣብ ሃገረ በልጅም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ውደብ ዚበርጋ ኣብ ሃገረ በልጅም

ብሰሉስ 10 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ንብረት መጎዓዓዚ ኮንተይነር ከምዝተረኽቡ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት፡ 7 ሰብኡት፤ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮን ሓደ ቆልዓ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ዋና ኣብ ዘይብሉ ኮንነተይነር፡ ዚበርጋ ካብ ዝበሃል ወደብ ቤልጁም እዮም መጺኦም።

ወደብ ዚበርጋ ኣብ ሃገረ በልጅም እትርከብ ኮይና፡ ቀንዲ መተሓላለፊት ንግዳዊ መራኽብን መዐሸጊ መራኽብን እያ።

ካብቶም ስደተኛታት ሓደ ወዲ-ተባዕታይን ሓንቲ ጓል-ኣንስተይትን ንሕከምናዊ ኣገልግሎት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ ንህይወቶም ዘስግእ ዝኾነ ጸገም ከምዘይብሎምን ተገሊጹ።

እቶም ዝተረፈ ስደተኛታት ድማ፡ ኣብቲ ዝተረኽብዎ ቦታ ብሰብ ሞይ ሕከምና ተመርሚሮም።

እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ብሪጣንያ 'ሃል' ኣብ ዝተባህለ መዐሸጊ መራኽብ እዮም ተረኺቦም።

ኣፈኛ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝሓበሮ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ንክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ ሓቢሩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ንዝያዳ መርመራ ከምዝድለዩ ሓቢሩ።

ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ናይ ጽዕነት መኻይንን ኮንተይነራትን ተሓቢኦም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእታው ከም ዝፍትኑ ይግለጽ።

ካብኣቶም፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክኣትው ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት ውሑዳት ኣይኮኑን።