ኮሮና-ቫይረስ፡ ዕለታዊ ምዕባለታት 5 መጋቢት

ጥርሑ ዝተርፍ ዘሎ ደኳኩን ዓዲ እንግሊዝ

ምንጪ ስእሊ, JUSTIN TALLIS/AFP via Getty Images

ዝተፈላለያ ሃገራት ነቲ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ተላቢዑ ዘሎ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ ንምግታእ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ።

ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 92000 ክበጽሕ እንከሎ፡ እቶም 80 ሽሕ ኣብ ቻይና ዝተለኽፉ'ዮም።

ካብቶም ድሮ ሞይቶም ዘለዉ'ውን ልዕሊ 3000 ግዳያት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ቻይና'ዮም።

ብሪጣንያ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 215 በጺሑ፡ 25 ካብኣቶም ኣብ ከተማ ለንደን። ነቲ ለበዳ ንምግታእ እታ ሃገር ናብ ካልኣይ ደረጃ ውጥን ምክልኻል ሰጊራ ከም ዘለ ሰብመዚ ገሊጾም። ገለ ካብዚኣቶም፡ ናብተን እቲ ቫይረስ ዝተራእየለን ሃገራት ዘይተጓዕዙ ብምዃኖም፡ እቲ ለበዳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ ምህላዉ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ። በቲ ሓደጋ ዝተሻቐለ ህዝቢ፡ ከም መድሃኒታት፡ ዕሹግ ማይ፡ ፓስታን ባኒን ዝበሉ ሃለኽቲን ናይ ጽሬት ነገራትን ንምሽማት ክጓየ ጀሚሩ'ሎ፡ ገለ ድኳናት ጥርሑ ክተርፍ ጀሚሩ'ሎ።

ኢራን፡ ኩለን ኣብያተ-ትምህርትን ዩኒቨርሲታታትን ተዓጽየን። ቀጽሪ ምውታት ብ15 ወሲኹ፡ 107 በጺሑ። ቁጽሪ ዝተለኽፉ ድማ ብ591 ወሲኹ፡ 3513 በጺሑ።

ፈረንሳ፡ ቁጽሪ ምውታት ብ2 ድሕሪ ምውሳኹ፡ 6 በጺሑ። ቁጽሪ ዝተለኽፉ፡ ሎሚ ዝተወሰኹ 92 ሓዊሱ፡ 377 በጺሑ።

ኣፍሪቃ፡ ቀጽሪ ዝተለኽፉ ይውስኽ- ኣልጀርያ (17)፡ ሰኔጋል (4)፡ ግብጺ (2)፡ ሞሮኮ (1)፡ ናይጀርያ (1)፡ ቱኒዝያ (1)።

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO): እቲ ኩነታት ኣብ ወሳኒ መደረኽ በጺሑ ከም ዘሎን፡ ሃገራት ነቲ ናይ ምክልኻልን ምጉዳልን ሓላፍነት ንሚኒስትሪታት ጥዕና ጥራይ ክገድፍኦ ከምዘይብለን፡ ኩሉ መንግስታዊ ኣካላት ክሳተፍ ከም ዘለዎን ዳይረክተር ናይቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣጠንቂቑ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንፈለማ እዋን ሓደ ወዲ 38 ዓመት ዝተለኽፈ ሰብ ተረኺቡ። ክሳብ ሕጂ እቲ ቫይረስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ ከይተራእየ'ዩ ጸኒሑ። ክልተ ምስ ሓንቲ 'ዳያሞንድ ፕሪንሰስ' ዝተባህለት ናይ ዙረት መርከብ ዝሰርሑ ዝነበሩ ክልተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድማ፡ ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ኣለዉ ተባሂሉ።

ሆላንድ (ነዘርላንድ)፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ። እቲ 38 በጺሑ ዝነበረ ሎሚ 82 በጺሑ'ሎ። ኣብ ኢጣልያ ኣብ ናይ ምንሽርታት በረድ ክዘናግዑ ዝጸንሑ 900 ተምሃሮ ንምቕባል ምድላዋት እናተገብረ እንከሎ'ዩ፡ ሓደስቲ ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም።

ኣመሪካ፡ ሓንቲ ኣስታት 3500 ሰባት ሒዛ ዘላ ናይ ዙረት መርከብ፡ ኣብ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ ካብ ወደብ ርሕቕ ኢላ ደው ክትብል ተገዲዳ'ላ። ሓደ ተጓዓዛይን፡ 10 ኣባላትን ተለኺፍኦም ከም ዝኽእሉ ይግመት። ካሊፎርንያ፡ ገለ ሰባት ድሕሪ ምልካፎም ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጃ። ኣብታ ሃገር ዛጊት፡ 11 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 150 ተለኺፎም ኣለዉ።

ኢጣልያ፡ ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲን ዩኒቨርሲታትን ን10 መዓልታት ክዕጸዋ'የን። ድሮ፡ ሲነማታት፡ ኣብያተ-መዘክር (ሙዝየማት)፡ ትያትራትን ዝበሉ ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት ኣብ ምሉእ ሃገር ተዓጽዮም ኣለዉ። ግጥማት ኩዕሶ እግሪ'ውን ኣብ ዕጹው ሜዳ ክካየዱ ተወሲኑ'ሎ።

ዒራቕ፡ ንፈለማ እዋን ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ ሓቢሮም። እቶም ግዳያት፡ ሓንቲ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነበራን፡ ሓደ ወዲ 65 ዓመት ምዃኖም ተፈሊጡ። ዛጊት ቀጽሪ ዝተለኽፉ 34 በጺሑ'ሎ።

ህንዲ፡ ሓደ ሓዱሽ ሰብ ተለኺፉ። ክሳብ ሕጂ 30 ተለኺፎም ኣለዉ። ካብዚኣቶም 16 ኢጣልያውያን በጻሕቲ ይርከብዎም።

ውድድራት ስፖርት፡ ክናዉሑን ክስረዙን ጀሚሮም። ኣብ ኢጣልያ ዝካየዱ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሰሪ-ኣ ኣብ ዕጹው ሜዳታት ክካየዱ'ዮም። ኣብ መንጎ 6 ሃገራት ኣብ ኢጣልያ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ግጥማት ጸወታ ራግቢ ተናዊሑ'ሎ። ደሓን ምስ ኮነ ክካየድ ምዃኑ ግን ሰብመዚ ተዛሪቦም። ሰብመዚ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብወገኖም፡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ እንተኸይዱ ተመሳሳሊ ስጉምትታት ዝወስድሉ ውጥን ኣዳልዮም ክጸንሑ ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ። ክሳብ ሽዑ ግን፡ ጸወታታት ከም ቀደሙ ክቕጽል'ዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሕጂ'ውን ናብ ቻይና እትገብሮ በረራታት ከም ዘይተቋርጾ ዋና ኣካያዲ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ተዛሪቡ። ንሱ፡ በረራታት ብምቁራጽ ነቲ ቫይረስ ምግታእ ከም ዘይከኣል ብምግላጽ፡ ነታ ምንጪ ናይቲ ቫይረስ ዝኾነት ቻይና ምግላል ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሉ።

ዓለምለኻዊ ማዕገን ገንዘብ (IMF): ነተን በቲ ለበዳ ዝተጸልዋ ሃገራት ንምድጋፍ 50 ቢልዮን ዶላር ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ግጥማት ስፖርት ኣብ ዕጹው ሜዳ ክካየድ ተወሲኑ