ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ የመን ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን፡ 'ንሓደጋ ኮሮናቫይረስ ከይሳጥሑ' ሰጊኡ

ኣብ ራጎ

ምንጪ ስእሊ, Screen grab/SM

ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ራጎ የመን፡ ኣሻሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንሕማም ኮሮናቫይረስ ከይቃልዑ ስግኣት ከምዝሓደሮ ገሊጹ።

ሓላፊት ኮሙኒኬሽንን ፡ ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት ጨንፈር የመን፡ ሄዶን ኦሊቭያ፡ በኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ መጻብብ ውሽጢ ከምዝርከቡን ኩነታቶም ዘስግእ ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊጻ።

እታ ሓላፊት ብኢመይል ኣብ ዝሃበትና ምላሽ፡ "ትካል ስደተኛታት ዓለም: ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሰሚዑ እዩ። በቲ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ሰጊኡ ኣሎ" ኢላ።

እቲ ትካል ቁጽሮም ብዕሊ ዘየረጋገጸ እንተኾነ'ኳ: ብግምት ልዕሊ 5 ሺሕ ዝኾኑ እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ግዝኣት ሰዓዳ [ምስ ስዑዲ ዝዋሰን ምምሕዳር የማን]፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ክብሉ ምስ ሕማም ኮሮናቫይረስ ብዝተፈጥረ ጥርጣረን ስግኣታትን ተኸልኪሎም ንሓደጋ ከምዝተቓልዑ ይግለጽ።

ሓደ ካብ መንጎ እቶም ስደተኛታት፡ "ጠያይቲ ብርእስና ይዘንብ ኣሎ" ኢሉ ከምዘረጋገጸሎም'ውን ሓቢራ።

ኣስታት ኣርባዕተ ሺሕ ዝኾኑ፡ቅድም ክብል ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰጊሮም ዝነበሩ ድማ፡ እቲ ዝርከብሉ ኩነታት [ዳየር ቤት ማእሰርቲ] ሕማቕ ከምዝኾነ ምንጭታትና ይገልጹ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሑትን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ የመንን፡ ሓያል ኲናት እዩ ዝካየድ።

ብሰንኪ እቲ ጎንጺ፡ ብፍላይ እዚ ግዝኣት የመን ዕጡቕ ዝበዝሖን ተኩሲ ዘይፈልየሉን ከምዝኾነ ይዝረብ።

ነቶም ስደተኛታት ዘጋፍዑ ዘለዉ ምምሕዳር እታ ግዝኣት ዝተቖጸዓጸሩ ሓይልታት ሑቲ ከምዝኾኑ ድማ ምንጭታት ይገልጹ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት፡ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ውዕል ይፈራረሙ 'ምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዘንጸላለወ ሓደጋ ግን ከምዘይንክዮ እቲ ትካል ይገልጽ።

ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ስግኣት ምስቲ ውግእ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ ምስ ፍርሒ እቲ ሕማም ብምዃኑ፡ እዩ ትብል ኦሊቭያ።

ምንጪ ስእሊ, Screen Shot/SM

እቲ ትካል እንታይ ገይሩ?

እቲ ትካል በቲ ኩነታት ኣዝዩ ስግኣት ዝሓደሮ ኾይኑ፡ ብዛዕባ ክገብሮ ዝግባእ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እናተዘራረበ ከምዝርከብ ፡ ኦሊቭያ ገሊጻ። ቀዳማይ ነገር፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንጹር ሓበሬታን ስእልን ንምርካብ ይሰርሕ ከምዘሎ እያ ትዛረብ።

ይኹን'ምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ክብልን፡ ብፍላይ ምስ ሕማም ኮሮናቫይረስ ተኣሳሲሩ፡ ዜግነቶምን ሕጋዊነቶምን ብዘየገድስ፡ ምስ ዜጋታት ማዕረ ዝግልገልሉ ናይ ጥዕና መስርሕ ክዝርጋሕ ጸዊዑ።

እንታይ ዝኣክል ጉድኣት በጺሑ?

ዛጊድ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ጥቕዓት እናገደደ ምምጽኡ እዩ ዝዝረብ። ብፍላይ ሕዚ ድማ፡ ናብቲ ከባቢ ምግቢ ኮነ ዝኾነ ምምልላስ ስለዘይከኣል ብጥሜት ከይረግፉ ዓብዪ ስግኣት ከምዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልጹ።

ገለ ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽአሉ ምንጭታትና እመንትገልጹ፡ ሄዶን ኦሊቭያ፡ ብፍላይ ጉድኣት ዝበጽሖም ብዙሓት ከምዝኾኑ ሓቢራ።

ዛጊድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።