ኮሮናቫይረስ፡ ‘ኣሜሪካ ኣቐዲማ ስጉምቲ ምወሰደት ህይወት ሰባት ከተድሕን ምኸኣለት’

ኣብ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ኣሜሪካ፡ እታ ሃገር ኣቐዲማ ስጉምቲ እንተትወስድ ነይራ፡ "ህይወት ብዙሓት ከተድሕን ምኸኣለት" ኢሉ።

"ካብ መጀመርትኡ ኩሉ ነገር እንተዝዕጾ ነይሩ፡ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ካልእ መልክዕ ምሃለዎ ነይሩ" ኢሉ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውሲ።

እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳድ ዝተሓላለኸ'ዩ ነይሩ ኢሉ።

ኣብ ኣሜሪካ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 550 ሽሕ እንትበጽሕ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ኒውዮርክ ዝኾኑ 22 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

ዶክተር ፋውሲ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ገለ ክፋል ኣሜሪካ ናብ ንቡር ክምለስ ከም ዝኽእል'ውን ተዛሪቡ።

ብ16 መጋቢት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ክሳብ ሚያዚያ ዝዘለቐ ደንቢ ኣካለዊ ርሕቐት ኣውጺኡ።

ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ዝግሐ ኮሮናቫይረስ አሜሪካ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ፋውሲ፡ ኣቐዲምካ ዝግበር ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ህይወት ከድሕን ከም ዝኽእል "ማንም ዘይክሕዶ" ሓቂ እዩ ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ "ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋናት ኩሉ ነገር ናይ ምዕጻው ውሳነ ንከይውሰድ ብዙሓት ዝተሓላለኹ ደፋእቲ ምኽንያታት ነይሮም" ክብል ንሲኤንኤን ተዛሪቡ።

ዶክተር ፋውሲ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብዙሕነትን ብዝሒ ህዝብን'ውን ናይ ባዕሉ ጸላዊ ተራ ከም ዝነበሮ ብምእማን፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ደው ንምባል ዝውሰድ ናይ ታህዋኽ ስጉምቲ ግን ሕጂ'ውን ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል'ዩ ኢሉ።

ኒውዯርክ እታ ዝለዓለ ቑጽሪ ሞት ግዳያት ኮሮናቫይረስ እትርኢ ዘላ ግዝኣት ኮይና፡ ልዕሊ 174 ሽሕ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት አለውዋ። በዚ ምኽንያት ድማ 9385 ሰባት ሞይቶም። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራሕ፡ 758 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ገሊጹ።