ፖሊስ ብዘቕረቦ ሓድሽ ክሲ ሽበራ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ያየሰው 'ብቕልጡፍ ክፍታሕ' ሲፒጄ ሓቲቱ

ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ

ምንጪ ስእሊ, Tmh/screen

ንመሰላት ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ - ሲፒጂ - ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ንዝቐረበ ሓድሽ ክስታት ሽበራ ተቓዊሙ።

እቲ ኮሚቴ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ፖሊስ ኢትዯጵያ ቀደሙ'ውን ንጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ኣብ ቀይዲ ዘውዕለሉ ምኽንያት ኣይነበሮን" ኢሉ።

ሕዚ ድማ ካልእ "ዘይእመን ክስታት" ብምቕራብ ኣብ ማእሰርቲ ከጽንሕዎ ከምዝደለዩ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ተወካሊት ሲፒጄ ሙቶኪ ሙሞ "ያየሰው ብቕልጡፍን ብዘይገለ ቅድመ ኩነትን ክፍታሕ ኣለዎ። ሰበስልጣን እውን ንሕጋዊ መስርሕ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ሕነ ዝፈድዩሉ መሳርሒ ገይሮም ምጥቃም ደው ከብሉ ኣለዎም" ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ፖሊስ፡ ብመጋቢት 26 ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሓደ ጸብጻብ ምስኣቕረበ እዩ ነቲ ጋዜጠኛ ኣሲርዎ።

ሕዚ ድማ ጋዜጠኛ ያየሰው ብዋሕስ ንኽፍታሕ ቤት ፍርዲ እንተወሰነ'ኳ ፖሊስ ግን ሕጊ ሽበራ ብምጥሓስ ክሲ ኣቕሪቡሉ'ሎ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ከምዝተገደደ ንጠበቕኡ ታደለ ገብረመድህን ዘዘራረበ ሲፒጂ ሓበሩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ድማ ያየሰው ክሳብ 20 ሚያዝያ [ኣ.ኣ] ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ውሳነ ኣሕሊፉ'ዩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ያየሰው ንዝሃለፉ ሰለስተ ሰሙናት ጸገማት ጥዕና ከምዘጋጠሞ ጠበቕኡ ንሲፒጄ ገሊጹ።