ሰንደቕ ጥበብ ድምጻዊት ኣብርሀት ኣንከረ

ኣብረሀት ኣንከረ

ምንጪ ስእሊ, Abrhet Ankere

በዓል ናጽነት ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ፍሉይ ዝኽርን ጦብላሕታን ኣለዋ።

እቲ ዝኽሪ ምስ ዝተፈላለየ ውልቃውን ሓባራውን መግዛእታዊ ግፍዕን በደልን፡ ነቲ ዓመጽን ጭቆናን ንምምካት ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ክዓሙቕን ክደምቕን ይኽእል።

ኣብ ቃልሲ ሓርነት ኣብ በረኻን ኣብ ዓድን፡ ኣብ ስደትን ሕምብርቲ መግዛእትን ኮይኑ በብዝኽእሎን ብዓቕሙን ዝተሳተፈን ናጽነት ክትጽምበል ዝመስከረ፡ ኣብ ዓድን በረኻ ብክእለትን ፍልጠትን፡ ብጥበብን ብረትን፡ ኣብ ስደት ብሓበሬታን ንዋትን ዝተቓለሰ ኩሉ ኣብ ነብሲ ወከፍ ግንቦት ጽንብል ናጽነት ፍሉይ ዝኽሪ ኣለዎ።

ኣብ ዝባን ከበሳ፡ ኣብ ዛግር ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ምስ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓይልታት ናብቲ ኸባቢ፡ ብንእስነታ ብሃገራዊ ስምዒትን ፍቕርን ዝተጸልወት፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ ተወሊዳ ስምይቲ ሃገራዊት ሰንደቕ ጥበብ ክትከውን ዝበቕዐት ኣብርሀት ኣንከረ፡ በቲ ነጎድጓዳዊ ድምጻን፡ መድርኽ ናይ ምቁጽጻር ብቕዓታን ነብሰ ተኣማንነነታን እዮም ዝዝክሩዋ ብዙሓት።

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታ ናብ ቃልሲ ሓርነት ዝተሰለፈት ትዕግስቲ ሃይለ ንኹሉ ደርፍታት ኣብርሀት ኣንከረ እያ ትፈትዎን ትደርፎን።

ብሰንኪ ጽልዋ ደርፍታታ ጥራሕ ከኣ ብማዕዶን ኣብ መድረኽን ጥራሕ ንእትፈልጣ ድምጻዊት ጓል ኣንከረ ብልዑል ኣድናቖት ከም ቀረብኣ ትቖጽራ።

ኣብ ዝኾነ ዕላላት ስማ እናኽለዓል ከኣ ብምሒር ተምሳጣ "እቲ ድምጻ እኳ ነጎድጓድ'ዩ" ብምባል ንገለ ካብ ደርፍታታ ክትደግሞ ብምፍታን ኣድናቖታ ትገልጽ።

ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ባህሊ ውድብ ምስ ቆመ ኣብ ሰናጭሮ ዓራግ እትዝክራ ተጋዳሊት ገነት፡ ንጓል ኣንከረ ንትምህርቲ ብዝነበራ ክቱር ጽምእን ናይ ምፍላጥ ድሌትን እያ ትዝክራ።

ኣብርሀት፡ ኣብታ ንኽትመሃር ዕድል እትረኽበላ እዋን ምስ መጽሓፍያ ቅኒን ክትብል ግዜኣ ተሕልፎ።

ንዝኾነ ይፈልጥ እዩ እትብሎ ክምህራን ከረድኣን ዓቕሚ ንዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ 'ኣረድኣኒ' ብምባል ነብሳን ዓቕማን ከተማዕብል እትጽዕር ህርኩትቲ ተጋዳሊት ምንባራ ትዝክር ገነት።

ምንጪ ስእሊ, Abrhet Ankere

ኣብርሀት ኣንከረ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሚድያ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ብምቕሉል ትሕትና፡ 'ኣነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር'የ ተወሊደን ዓብየን' ብምባል፡ ከም ሰብ ኣብቲ ሓርነታዊ ውድብ ከም እተቐርጸት ብምግላጽ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ስነ-ጥበብን ኣካዳምን ንኽትመሃር ዝሓገዙዋ ብጾታ ልዑል ምስጋናን ክብርን ኣቕሪባትሎም ነይራ።

ብኡ መጠን ከኣ ሰማዕታን ሰዓብታን ብትሕትናኣን ክእለታን የድንቑዋን የመስግኑዋን።

ትዕግስቲ፡ ነታ "ኣላሽ ኣበልናዮም" እትብል፡ ንሕቶ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራን ንጽንዓትን መኸተን ተቓለስቲ ሓይልታትን እትጉልሕን ንፖለቲካዊ መስመር ስርዓት ደርግ እተቃልዕ ደርፊ ኣብርሀት ኣንከረ ዳርጋ ከምዘላታ እያ ትደግማ።

ነቲ ዝተሓልፈ ጽንኩር ግዜን መስርሕን ንኽትዝክር ብትሑት ድምጺ፦

ኣላሽ ኣበልናዮም ኣብ ጸጣሕ ጎንጎል

ሕጂ'ዶ ይሓይሽ ዕጽድጽድ ምንጥል

ነዊሕ'ዩ ሴፍና ዕጽፍ ዘይብል

ወይልኹም እክብካብ ገስገስቲ መሰል . . . " እናበለት ተዚማ።

እዛ ኣብ 1977 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተወዲባ፡ ኣብ ኩናት ሰምሃርን ኳዜንን ከም ሓፋሽ ውድባት ኣገልጊላ፡ ኣብ 1978 ምስ ካምቦድያ ተዓሊማ ኣብ ብርጌድ 51 ዝተመደበት ድምጻዊት ተጋዳሊት ኣብ ቅድመ ግንባር እውን እጃማ ኣበርኪታ እያ።

እቲ ድሕሪ 30 ዓመት ብረታዊ ህልኽን መኸተን ንሰራዊት ደርግ ስዒሩ ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግንባራት ዓሪዱ ጥራሕ ይዋጋእ ኣይነበረን።

ነቲ ተዋጋኢ ሓይሊ ዝድግፉ ከም ክፍሊ ህንጻን መጓዓዝያን፡ ዕጥቅን ስንቅን፡ ንግድን ሕርሻን፡ ክፍሊ ትምህርትን ምርምርን፡ ዜናን ባህልን፡ ምንቕቓሕን መጽናዕትን ዝኣመሰሉ ትካላቱ፡ ንመንኮርኮር እቲ ቓልሲ ንቕድሚት ዝወንጨፉ ዘደንቑ ትካላት ምንባሩ ገዳይም ተጋደልቱ የረድኡ።

ንጥፈታት እቲ ኣብረሀት ኣንከረ እትዋስኣሉ ዝነበረት ባህሊ ውድብ ከኣ ኪኖ እቲ መዳፍዕን ተወንጫፊ ሮኬታትን ዝበጽሐ ኣርያም እናነጎደ ሞራል ህዝብን ተጋደልትን የበርኽን ንመንፈስ ጸላእቱ ኣብ ምድኻም ልዑል ተራ እዩ ነይሩዎ።

ኣብርሀት እውን " ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ግንባራት፡ ሓፋሽ ውድባት ኣብ ውሽጢ ሰራዊት፡ መሃንድሳት ኣብ ምስራሕ ጽርግያ ኮታ ኩሉ'ቲ ኣብቲ ቃልሲ ዝተሰለፈ በብዓቕሙ ስለዝተወፈየ እዩ ናጽነት መጺኡ" ብምባል ባህላዊ ጎስጓሳት ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዝነበሮ ኣበርክቶ ቀሊል ዘይምንባሩ ተረድእ።

ሰውራ ኤርትራ ኣብ 1978 ብምትእትታው ሕብረት ሶቬት ሒዙዎ ካብ ዝነበረ ከተማታት ኣዝሊቑ ናብ ሳሕልን ባርካን ምስ ተመልሰ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ነቲ፡ 'ኣሎና ሎሚ እንተረሓቕና ጽባሕ ሰዊድና ክንምለስ ኢና' ዝብል ደሃይ መኸተ ዘንጸባርቕ ደርፍታት ድምጻውያን ብማዕበል ተሰኪማ ናብ ህዝቢ ብምብጻሕ ዝተጻወተቶ ተራ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ኣብርሀት ኣንከረን ብጾታን ካብ ከበሳታት ኤርትራ እኳ እንተረሓቑ ድምጾምን መልእኽቲ መኸተኦምን ግን ኣብ ነብሲ ወከፍ ሬድዮ ዝወለዐት ገዛ የቃልሕ ምንባሩ፡ ኣብርሀት ብነጎድጓዳዊ ድምጻ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት እያ ትዝከርን ትኽበርን።

ብዙሓት መንእሰያት ከኣ ብመልእኽቲ ዜማታታ ናብ ቃልሳ ከምዝተጸምበሩ ርግጸኛ እየ ትብል ትዕግስቲ ማዕረ እቲ ንሳ ተኽብራን ተፍቅራን ዘኽብሩዋ ኣሽሓት ከምዘለው ብምግላጽ።

ነብሲ ወከፍ ድምጻዊ/ት ካብ ደርፍታትካ/ኪ ነየነይቲ ተድንቕ ወይ ተፍቅር ተባሂሉ ክሕተት እንከሎ፡ ካብ ደቅኺ ንመኖም ትፈትዊ ተባሂላ እትሕተት፡ ዝበዝሕ ግዜ ንኹሎም ደርፍታቱ ብማዕረ ከምዝርእዮም እዩ ዝዛረብ፤ ኣብርሀት ኣንከረ እውን ተመሳሳሊ ምላሽ እዩ ዘለዋ።

ዝደረፈቶም ደርፍታት ገሊኦም ድሕሪ ምዝላቕ 'ኣሎና' ንምባል፡ ገሊኦም ንመኸተ መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ህዝባዊ ሰራዊት ንምምጓስ ዝተሓሓዝ እዩ።

ብድሕሪ እታ ኣላሽ ኣበልናዮም እትብል ደርፋ ከኣ ንተካእትን ተረከብቲ ሕድርን ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ዝደረፈታ ደርፊ ትዝክር። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣስታት 130 ዝኾኑ ደርፍታት ኣፍርያ ኣላ።

ሓደ ካብ ኣድነቕታ ዮውሃንስ ዑቕባይ ከኣ ኮኾብ ድምጻዊት ጓለንስተይቲ ሰውራ እያ ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነቲ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ዝደረፈታ "ፋኖ ኣምበላይ" እትብል ደርፋ ኣብ ዘላ፦

"ሰብ እዩ እምበር'ታ በዓል ነብሲ

መዓስ ተደሪዑ ሓጺን ልብሲ

ሳላ ጽንዓት ሳላ እታ መትከሉ

በዓል ታንኪ መከናይዝድ ኮይኑ" እትብል ንጽንዓት መኸተን እቲ ሓደ ምስ ዓርስተ እናገጠመ ካብ ዜሮ ተበጊሱ ብመስዋእቱን ቃልሱን ብሓይልን ዓመጽን ዝተጓዕጸጸ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ዘረጋገጸ ህዝበዊ ሓይሊ ከምእተዘኻኽሮ ይሕብር።

እቲ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ዝተራእየ ኣብ ዝኾነ እዋን ክድገም እዩ ኢልካ ዘይትጽበዮ ሃገራዊ ተወፋይነት ምንጭን ሓይልን ኩሉ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ምንባሩ እትገልጽ ድምጻዊት ኣብርሀት፡ እቲ ውድብ መን ኣበይ የድምዕ ኣጽኒዑ ንሰብ ኣኣብ ዘድምዓሉ የሳትፎ ምንባሩ ትሕብር።

የውሃንስ ብወገኑ እቲ ኣብ ሳሕል ብፍቕሪ ሃገር ዝነደደ ሰብ ፍጡር ክነሱ ድርዒ ሓጺን ከምዝለበሰ ምስ ታንክታት እናተራጸመ ዝስዋእን ዝውፈን ዝነበረ መድሕን ሃገር ኣኣብ ዝኣተዎ ከድምዕ ነብሱን ሕልንኡን ይሰርዕ ብምንባሩ እቲ ዘደንቕ ተኣምር ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ከም ትዕግስቲ ንደርፍታት ድምጻዊት ኣብረሀት ኣንከረ ወትሩ ከምዘይርስዖ የረድእ።