ኮሮናቫይረስ፡ ጋና፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ዘንበረቶ እገዳ ኣልዒላ

ኣብ ገዛ ኮይኑ ዝሰግድ ዘሎ ኣስላማይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕሬዝደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተነቢሮም ዝነበሩ እገዳታት ምትእኽኻብ ሰባት ከም ዝለዓሉ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብያተ ክርስቲያንን መሳጊድን፡ ንሓደ ሰዓት ኣብ መዓልቲ ክሳብ 100 ሰባት ዝካፈልሉ ስርዓት ጸሎት ክፍጽማ ይኽእላ።

መምርሒታት ኣካላዊ ርሕቐትካ ምሕላውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባርን ከኣ ኣገደስቲ ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም።

እዚ ውሳነ፡ ካብ መጻኢ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ጋና፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ነዚ ስጉምቲ ወሲዳ ጸኒሓ።

ፕሬዝደንት ኣኩፎ-ኣዶ፡ እቲ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ዝተገበረሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ እዞም ቦታታት ነዚ ለበዳ ናይ ምቅላዕ ዘለዎም ተኽእሎ፣ ማሕበረ ቑጠባዊ ጽልዋን እታ ሃገር ነዚ ለበዳ ንምቅላስ ዘለዋ ዓቕምን ኣብ ግምት ብምእታው'ዩ ኢሉ።

ኣብያተ ትምህርቲ ናይ መወዳእታ ዓመት ተመሃሮ ንዝኾኑ ጥራሕ ክኽፈታ ከለዋ፡ ክሳብ 100 ሰብ ዝሳተፈሎም ኣኼባታት፣ መርዓ፣ ምትንኻፍ ኢድ ዘይብሎም ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ክፍቀዱ'ዮም።

ይኹን'ምበር፡ ፌስቲቫላት፣ ስፖርታዊ ፍጻሜታት፣ ለይታዊ ተልሂት፣ ሲነማን ፖለቲካዊ ሰልፍን ክልኩል ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ ሃገሮም ክመጽኡ ዘይኽኣሉ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ጋናውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ከም ዝግበርን፡ ን14 መዓልታት ተወሺቦም ከም ዝጸንሑ'ውን እቲ ፕሬዝደንት ኣብሪሁ።

ኣብ ጋና፡ 8060 ሰባት በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ 36 ሰባት ድማ ሞይቶም።