ኮሮናቫይረስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንኣርባዕተ መዓልቲ ጥራሕ ኣልኮላዊ መስተ ክዕድጉ ተፈቒዱሎም

ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ንፈለማ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ክዕድጉ ክፍቀደሎም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ንፈለማ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ክዕድጉ ክፍቀደሎም እዩ

ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ንፈለማ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ክዕድጉ ክፍቀደሎም እዩ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ዓለም ተወሲዶም ካብ ዝተብሃለ እቲ ዝኸበደ ስጉምቲ ዕጽዋ ከም ዝወሰደ እዩ ዝእመን።

መሸጣ ኾነ መስተ ኣልኮላዊ መስተታት ዝኽልኽል ስጉምቲ ክውሰድ እንከሎ፡ ፖሊስን ሆስፒታላትን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ክሕግዞም'ዩ ብዝብልን ዘቤታዊ ዓመጻት ንምንካይን እዩ ነይሩ።

ደቡብ ኣፍሪቃውያን እምበኣር፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዘለዋ መዓልታት መስተ ዓዲጎም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰትዩ ተፈቒዱሎም ኣሎ።

ፖሊስን ሓካይምን ኣብ ዝሃቡዎ ርኢይቶ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣልኮላዊ መስተታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ፡ ብዝተፈላለየ መጉዳእቲ ቑጽሪ ናብ ሕክምና ዝመጽኡ ሰባት ኮነ ገበን ዝፍጽሙ ክንኪ ብምግባር ዓብዪ ሓገዝ ከም ዝነበሮ ገሊጾም።

ፋብሪካታት ቢራ፣ ጸሞቕትን ነጋዶ ዊስኪን ዋይንን እታ ሃገር ግን፡ እዚ እገዳ ካብ ዕዳጋ ወጻእ ይገብረና ኣሎ፣ ንኸስር ኣለና ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ይቃወሙዎ ነይሮም።

መንግስቲ ብወገኑ፡ ኣነ'ውን ካብዚ ዓውዲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ እቶት ጎዲሉኒ እዩ ዝብል ምላሽ ሂቡዎም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 31 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ሓሚሞም'ዮም።