ናይጀርያ፡ ኣብ ሓደ ዓመት 40 ደቂ-ኣንስትዮ ዝዓመጸ ወልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ሓደ ዓመት 40 ደቂ-ኣንስትዮ ዝዓመጸ ወልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ፖሊስ ናይጀርያ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 40 ደቂ-ኣንስትዮ ዓሚጹ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓንቲ ኣደ ነቲ ሰብ ኣብ ክፍሊ መደቀሲ ደቃ ኣቲዩ ከምዝረኸበቶ ድሕሪ መግላጽ፡ ክሃድም ፈቲኑ ጐረባብቲ ኣርኪቦም ከምዝሓዝዎ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እቲ ውልቀሰብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዳንጎራ ዝተባህለ ከተማ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ንሱ፡ ካብ 80 ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድሚአን ግዳያት ከምዝዓመጸ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ናይጀርያ ሓያል ማዕበል ጾታዊ ዓመጽን መቕተልትን ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ሓንቲ ጓለኣንስተይቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ሕጂ ዓይንና ዓሚትና ክንድቅስ ንኽእል" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንናይጀርያውያን ካብ ዘሰንበዱ ፍጻሜታት፡

  • ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኦሞዙዋ፡ ተዓሚጻ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ርእሳ ተጨፍሊቑ ሞይታ ተረኺባ። እቲ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ
  • ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ጓል 12 ዓመት ተዓሚጻ ተረኺባ። 11 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም
  • ቲና ኢዚኪወ ዝተባህለት ብፖሊስ ተቐቲላ፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም
  • ባራካት በላ፡ ብዕስለ ድሕሪ ምዕማጻ ተቐቲላ ተረኺባ፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሰብ ኣይተኣስረን