ኢትዮጵያ፡ ሓድሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ ዘልዐሎ ህዝባዊ ጥርዓንን ኣፈታትሕኡን

ፈላሚ ተቓውሞ ህዝቢ እምባስነይቲ
መግለጺ ስእሊ,

ፈላሚ ተቓውሞ ህዝቢ እምባስነይቲ

መንግስታት ስምን ኣወዳድባን ወረዳታት ቅድሚ ምሃቦም፡ ህዝቢ ንዘበናት ብዝነበሮ ኣነባብራ ከባቢኡ ዝስይመሉ መልዐሊ ኣለዎ። ነዚ ድማ ፍሉይ ትርጉም ይህቦ። ነቲ ክመሓደረሉ ዝደሊ ኣካልላን ስያመ ዓዲ'ቦን ዝትንክፈሉ እንትርከብ ምስቲ ቆፍኡ ዝተነኸኦ ንህቢ ማዕረ ይኸውን።

ኣብ ትግራይ ከምኡ እዩ ኾይኑ።

ህዝቢ ብኸመይ ክመሓደር ከምዝደሊ ነቲ ከመሓድሮ ውዕሊ ዝኣሰረ መንግስቲ እንትሓትት 'ኣይይ ኣነ እየ ዝፈልጠልካ' እንተተባሂሉ ፀገም እዩ። ኣብ ትግራይ ኣካልላ ወረዳታት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ኣዛራቢ ርእሰ ነገር ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቝፂሩ።

ርሑቕ እንተይከድና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዘጋጠመን ማእኸል ስሕበት ኣዛራቢ ጉዳይ ንዝዀነን ጉዳይ ህዝቢ እምባስነይቲ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

እምባስነይቲ ኣብ ማእኸላይ ዞባ ትግራይ ዝርከብ ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ሰፊሕ ከባቢ እዩ። ማእኸሉ ነበለት ገይሩ ከም ሓደ ወረዳ ክካለል ንመንግስቲ ዘቕረቦ ሕቶ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን።

ህዝቢ ቅርታኡ ብሰላማዊ ሰልፊ ክገልፅ ሓቲቱ እውን ኣይተፈቕደሉን። ኣማራፂ ስኢኑ ምሒር ተፀሚሙ ምኽኣል ዝኣበዮ ህዝቢ፡ ብዝመረፆም ወከልቱ ኣቢሉ ሚድያታት ፀዊዑ ብኢደ ወነኑ ኣብ ጐልጐል ነበለት ወፂኡ "ሕቶ ህዝቢ ዘይምልስ ውድብ ዝበስበሰ እዩ" እንትብል ተጠሊዑ ጨረሐ።

ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት 'ተደፊረ' ብዝብል ስምዒት በቲ ተግባር ኣይተሓጎሰን። ትግራይ ብምልእታ "ዘይ እምባስነይቲ መን ደፊሩዎም፤ ፅቡቕ ገበሩ" ተባሂሉ ኣርእስቲ ወግዒ ስዋ በዓል ኰነ። ኣመራርሓ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት፡ ናብ ነበለት ወሪዶም፤ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን ኣብ ክንዲ ክንሰምዐኩም ኢና ምባል 'ኣበይ ከምትበፅሑ ክንርእየኩም ኢና' ክብሉ፡ ፈኪሮሙሎም ተመልሱ።

'ክንስማዕ ኣሎና' ዝበለ ህዝቢ፡ ልዕሊ 30 ኪሎሜትሮ ከይድና ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ኣይንመሓደርን ኢሉ ኣቕበፀ። "እሞ ክንርኢ እንዶ" በለ መንግስቲ።

ህዝቢ እምባስነይቲ ድማ ብህልኽ መሪር ስጉምቲ ኣሕለፈ። "ንዓና ክውክል መሪፅና ናብ ሃገራዊ ባይቶ ዝለኣኽናዮ ሰብ፡ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣትሒዙ ንዓና ከምዘይውክለና ኣግሂድና ወሲንና ኣለና ህዝቢ ዓለም ፍለጠልና" በለ። በዚን ክንዲ'ዚን ኣብ ማእኸል ነበለት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ፍትሕን ምምሕዳርን ሓሪምዎ ተዓፅዩ ኮፍ በለ።

እምቢታ ህዝቢ እምባስነይቲ ተደጕሉ ኣይተረፈን። ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ሓደ ኣካታዒ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ኣባላት መሪሕነት ቀቅዋሞ ሒዞምሉ ወፅኡ። ክሳብ ኣብ ጉባኤ ህወሓት እውን ተላዒሉ 'እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና' ብዝብል ተዘትይሉ።

ህወሓት ተሃዲሰ ኢየ ኢላ ምስ መጽአት፡ ንህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣቢላ ከምተመሓድሮ ዳግመ ኣወዳድባ ንኽትገብር፡ መፅናዕቲ ከምዘድልያ ደንጕዩ እውን እንተዀነ ተረዲእዋ። እምባስነይቲ ነቑጣ መቐይሮ ኰይና ንመንግስቲ ናብ ለውጥን ምምሕያሽን ኣእተወቶ።

ሓድሽ ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ፡ ልዕሊ ኹሉ ቀዳምነት ሂቡ ለውጢ ከካይድ እየ ብምባል ዳግመ ኣወድዳባ ወረዳታት ትግራይ ጀመረ።

መፅናዕቲ ንዳግመ ውደባ ወረዳታት ትግራይ ከመይ ነበረ?

መንግስቲ ትግራይ ንምሁራት እንተይኣማኸረ ገዛ ብውሽጢ ሃርሂሩ ባዕሉ ኣፅኒዑ ባዕሉ ዝውስን ተባሂሉ ይሕመ ስለዝነበረ፡ ካብዚ ሓራ ንምውፃእ፡ ተጋሩ ምሁራት ካብ መላእ ዓለም ፀዊዑ ሓደ ቅንያት ዋዕላ ኣካየደ። ካብቶም ንመፅናዕቲ ዝተሓረዩ ኣስትታ 15 ዝዀኑ ጭብጥታት፡ እቲ ሓደ ጉዳይ ኣወዳድባ ወረዳታት እዩ ነይሩ።

ሽዱሽተ ምሁራት ብሰናይ ፍቕዶም ክነፅንዖ ኢና በሉ። እቶም ክልተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቶም ኣርባዕተ ድማ ኣብ ባይታ ኣብ ትግራይ ኰይኖም መፅናዕቲ ጀሚሮም፤ ሓደ ዓመት ወዲኡሎም። ነቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ብላዕለዋይነት ዝመርሕዎ ኣብ ዩኒቭርሲቲ መቐለ ክኢላ ክፍሊ ትምህርቲ ኣመራርሓ ስራሕ ዶ/ር ተኽላይ ተስፋይ እዮም።

ቅድሚ ናብቲ ናይ ትግራይ ጉዳይ ምእታዎም ተመክሮን ልምዲን ሃገራት እንታይ ይመስል? ዝብል ከምዝተዳህስሰስ ዶ/ር ተኽላይ ይዛረቡ። ሓደ ከብቢ ብደረጃ ወረዳ ብኸመይ ክውደብ ኣለዎ ዝብል ካብተን ፌደራል ስርዓት ዝተኸላ ሃገራት ናይጀርያ፣ ህንድን ካልኦትን ከምኡ እውን ልምዓታዊ መንግስቲ ዝወነና ሃገራት ቬትናም፣ ደቡብ ኮርያን ካልኦትን ተመክሮ ብምውሳድ እቲ መፅናዕቲ ተመሲሱ።

"ቅድሚ ኹሉ፡ መመዘኒ ረቛሒታት ኢና ኣቐሚጥና። ንበዝሒ ህዝቢ 60 ሚኢታዊ፣ ጣብያታት ካብ ማእኸል ከተማ ዘለወን ርሕቐት 20 ሚኢታዊ፣ ምድራዊ ስፍሓት ክሳብ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል 20 ሚኢታዊ ተዋሂብዎ። ብቐንዱ ድማ ህዝቢ ድልየቱ ተሓቲቱ እዩ" ብምባል የብርሁ።

እቲ ህዝቢ ንዓመታት ዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶ ወረዳነት፡ ነቲ ሳይንሳዊ መመዘኒታት ብዘይፃባእ ግምት ክወሃቦ ተወሲኑ። እቶም ሊቃውንቲ ነቲ መፅናዕቲ ዛዚሞም ንመንግስቲ ኣረኪቦምዎ።

"እቲ መፅናዕቲ ኣብ ባይቶ ክልል ትግራይ ቀሪቡ ቅድሚ ምጽዳቑ፤ መሪሕነት ክልል ትግራይ ነቲ ውፅኢት መፅናዕቲ ሒዙ ናብ ህዝቢ ብምኻድ ተመያይጥሉ። ስምን ማእከል ወረዳን ከመይ ይኹን ኣብ ዝብል ብባይቶ ወረዳታት ይወሰን ኢልና ገዲፍናዮ። ብድምር ክረአ እንከሎ ህዝቢ ሕጉስ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብዘይካ ኣብ ውሱን ከባቢታት፡ ህዝቢ ነቲ ዘካየድናዮ መፅናዕቲ ተቐቢልዎ እዩ" ይብሉ ዶ/ር ተኽላይ።

ምንጪ ስእሊ, Daniel

ቁጥዐ ህዝቢ ብኸመይ ተኣልዩ?

ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ህዝቢ ወረዳ ብዘት ንዓመታት ዘልዕሎ ዝነበረ ሕትኡ ኣብቲ መፅናዕቲ ስለዘይተመለሰ ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ ምንባሩ ይዝከር። ካብ ብዘት እናተበገስካ ኣብ ጋንታ ኣፈሹም ዓዲግራት ከይድካ ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ምሕታት ንህዝቢ ከምዘፀግመሉ ቅድሚ 10 ዓመት ኣትሒዙ ዘልዕሎ ዝነበረ ጥርዓን ሎሚ እውን ደገሞ። ወከልቱ ናብ ክልል ምምሕዳር ብምልኣኽ እውን ጥርዓኑ ኣስመዐ። ኣብ መወዳእታ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ሕቶ ህዝቢ ብዘት ክምልሱ ተገዲዶም እዮም።

ኣብ ከይዲ እቲ መፅናዕቲ ንኣወዳድባ ዘፅግሙ ከባቢ ክርከቡ እንከለዉ መንግስቲ ባዕሉ ፖለቲካዊ ውሳነ ይሃበሉ ተባሂሉ ዝተገደፈ ምንባሩ መራሒ እታ ጉጅለ መፅናዕቲ ይገልፅ። ኣብ መወዳእታ ትግራይ ብመሰረት መፅናዕቲ እቶም ምሁራት 49 ወረዳታት ክህልዋ ኣለዎ ተባሂሉ ተፀኒዑ፤ ኰይኑ ግና ሕቶ ህዝቢ ስለዝበርተዐ፡ መንግስቲ 8 ወሲኹ 57 ወረዳታት ክዀና ኣለወን እንትብል ወሲኑ።

ምንጪ ስእሊ, FB

እቶም ምሁራት ንመፅናዕቲ ንኽጥዕሞም ግዚያዊ ስያመ እተን ወረዳታት ኣብ ዝህብሉ እዋን፡ ወረዳ ኣስገደፅምብላ ኣብ ክልተ ክውደባ እንተፅንዑ፡ ንወረዳ ኣስገደ ማይሓንሰ እናበሉ ከምዝፀሓፍዎ ዶ/ር ተኽላይ ተስፋይ ይገልፅ። ደሓር ህዝቢ ጣብያ ማይሓንሰ ካብ ብቐደሙ እውን ኣብቲ መፅናዕቲ ስም ጣብያና እዩ ተፀሪሑ ነይሩ ብምባል ሕቶ ንኸልዕል ደሪኽዎ እዩ።

መንግስቲ ምስ ህዝቢ ምስዘተየ ነቲ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ መፈፀሚ ዝኸውን ሕጊ ኣርቂቑ። ነቲ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ረቂቕ ሕጊ ተዳልዩ ድማ ናብ ዘተ ቀረበ።

ኣብ ባይቶ ክልል ትግራይ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ምምሕዳር ጉዳያት ሕግን ምምሕዳርን ኣይተ መጐስ ታፈረ ብዛዕባ'ዚ ንቢቢሲ እንትገልፁ "ህዝቢ ይሓትት ስለዝነበረ፣ መንግስቲ ድማ ስለዝኣመነሉ፣ መፅናዕቲ ተኻይዱ፤ እቲ መፅናዕቲ ናብ ዋዕላ ቀሪቡ፣ ህዝቢ ርእይቶ ሂብሉ ክህፍትም ምስተገብረ፡ ረቂቕ ኣዋጅ ተዳልዩ፤ እቲ ረቂቕ ቅድሚ ምጽዳቑ ድማ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ሓሳብ ተዋሂብሉ እዩ" ኢሎም።

እቲ ነዊሕ መስርሕ ሓሊፉ ሕጊ ኰይኑ ዝፀደቐ ረቂቕ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ባይቶ ክልል ትግራይ ተዘትይሉ ኣዋጅ 367/2012 ተባሂሉ ፀዲቑ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ 34 ዝነበራ ወረዳታት ትግራይ 57 ኰይነን። ከምኡ'ውን 19 ዝነበራ ምምሕዳር ከተማታት፡ 37 ኰይነን ብድማር 94 ወረዳታትን ምምሕዳር ከተማታትን ክዀና ክኢለን።

"እዚ ብርክት ዝበለ ሓይሊ ሰብን ገንዘብን ይሓትት እዩ። ግን ከም ውፅኢቱ ቅልጡፍ ልምዓትን ስሉጥ ምምሕዳራዊ ኣገልግሎትን ከምፅእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተኣሚንሉ ዝተኻየደ ኣወዳድባ እዩ፤ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ መፅናዕቲ ተመስሪቱ እሞ ድማ መንግስቲ ቁርፀኛ ውሳነ ዝሃበሉ ስራሕ ኣወዳድባ እዩ" ይብሉ ኣይተ መጐስ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ህዝቢ ሕቶታት ምልዓልን ምስ ምምሕዳር እቲ ከብቢን ምግጫዉን ቀፀለ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ህዝቢ ከተማ ዓዲነብርእድ ጣብያና ማእኸል ከተማ እቲ ወረዳ ክትከውን ኣለዋ ብዝብል ቁጠዐኡ ብሰልፊ ጥራይ እንተይኰነስ መንገዲ ብምዕፃው ከይተረፈ ገሊፁ'ዩ።

ኣብ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ህዝቢ ደንጐላት፡ ባዕላ ደንጐላት ርእሳ ኽኢላ ወረዳ ክትከውን ኣለዋ ዝብል ተሪር ሕቶ ኣልዒሉ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ሕቶና እንተዘይተመሊሱ መካይን ከተማና ረጊፀን ኣይሓልፋን ብምባል ካብን ናብን መቐለ ሳምረ ዝመሓለፋ መካይን ንሸውዓተ መዓልታት ዝኣክል ዓፅዩ ደው በለ።

ኣይተ መጐስ "ህዝቢ ድንጐላት ካብ እንደርታ፣ ሳምረን ሕንጣሎን ጣብያታት ብምእካብ ወረዳ ንምምስራት እዩ ደልዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ህዝቢ እተን ጣብያታት ናበይ ክመሓደር ይደሊ ዝብል ተባሂሉ ተሓቲቱ። ብዘይካ ሰለስተ ጣብያታት ህዝቢ ኣብ ወወረዳኡ ክፀንሕ ስለዝመረፀ ክነገድዶ ኣይከኣልናን። ስለስተ ጣብያታት ሒዝና ድማ ሓድሽ ወረዳ ደንጐላት ክንምስርት ኣይከኣልን" ዝብል ምላሽ ሂቦም።

"ብዙኃን ይመውኡ"

እቲ ኣብ መፅናዕቲ ተደሪኹ ዝፀደቐ ሕጊ፡ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ንዓመታት ዝፀንሐ ንሕና ኢና ንፈልጠልኩም ዝብል ኣባታዊ ምልክነት ምላሽ ክህብ ጀመረ። ኣወዳድባ ወረዳታት ምስተወደአ ስም እተን ሓደሽቲ ወረዳታት ብኸመይ ይወሰን? ዝብል ከምኡ እውን ኣየነይቲ ጣብያ ማእከል እቲ ወረዳ ትኹን? ዝብል በቲ ሉኣላዊ ስልጣን ዘለዎ ባይቶ ወረዳታት ይወሰን ተብሃለ።

ኰይኑ ግና፡ ሕዚ እውን እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ተቓውሞ ገጠሞ። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሓድሽ ወረዳ ኣስገደ ማእኸሉ ኣበይ ይኹን ኣብ ዝብል፡ ባይቶ እቲ ወረዳ ተኻቲዑ ድማፂ ሃበ። ቀዳመይቲ ክሳድ ጋባ፣ ካልአይቲ ዕዳጋ ሕብረት፣ ሳልሰይቲ ማይሓንሰ፣ ራብዐይቲ ድማ ሕፃፅ ኰይነን።

ኣብቲ እዋን መፅናዕቲ፡ ኣሽንኳይ ዶ ማእከል ወረዳስ፡ ስም እቲ ሓድሽ ወረዳ እውን ማይሓንሰ እዩ ተፃሓፉ ነይሩ ዝበለ ህዝቢ ጣብያ ማይሓንሰ ኰረየ። መናእሰይ ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ድምፂ ተቓውሞ ኣስምዑ። ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ደንጐላን ጉዕርን ተሰኪሙ ዋና መንገዲ ሽረ-ዳንሻ ንሸሞንተ መዓልታት ዓፀወ።

ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ መናእሰይ፡ እንተነኣሰ ማእከል እታ ወረዳ ማይሓንሰ ክኸውን እናተገበኣ ምምሕዳር ወረዳ ግን ዘርዩና እዩ። ብስሩ መሪሕነት እቲ ወረዳ ማይሓንሰ ቆላ ምስ ምዃኑ ዋዒ ስለዝበዝሕ ኣብኡ ኰይኖም ከመሓድሩ ኣይደልዩን። ኣቐዲሙ ብክልል ዝተወሰነ ሕቶና ይዕምፅፁዎ ኣለዉ ብምባል መሪር ቁጥዐን ተቓውሞን ኣስሚዖም።

እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀነየ። ሚድያታት መንግስቲ ፌዴራል "ኣብ ትግራይ ሓያል ህዝባዊ ዓመፅን ነውፅን ተወሊዑ" ዝብል ፀብፃባት ዘርግሓ።

ኣመሓዳሪ ሓድሽ ወረዳ ኣስገደ ኣይተ ሃብቶም ኣበራ፡ "ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ ማእከል እቲ ወረዳ ብድምፂ ኣባላት ባይቶ ወረዳ ኣስገደ እዩ ክውሰን ነይሩዎ፤ ከምውፅኢቱ ድማ ኣባላት ባይቶ ወሲኖም። ነዚ ውሳነ ዘይተቐበሉ ናብቲ ዝለዓለ ባይቶ ክልል ትግራይ ከይዶም ክጠርዑ መሰሎም እዩ" ብምባል ምላሽ ሃቡ።

ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት፡ ሽማግለታት ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ምስቶም መናእሰይ ብምዝታይ 14 ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ጥርዓን ኣቕረብቲ ብምምራፅ፡ ሕቶኦም ናብ ክልል ከቕርቡ መንገዲ ክኽፈት ተሰስማሚዖም።

እቶም ወከልቲ ናብ መቐለ ብምኻድ፡ ጥርዓኖም ናብ ባይቶ ክልል ትግራይ ብፅሑፍ ኣቕሪቦም። ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ መጐስ ታፈረ ኣብ ዝሃብዎም ምላሽ "ዝዀነ ውሳነ ወላ ኣፈላላይ ይሃሉ እቲ ኣብዝሓ ድምፂ እዩ ዝገዝእ። ወላ እውን ብደረጃ ዓለምለኸ ተቐባልነት ዘለዎ 50 ክድመሮ ሓደ ዝብል መስርሕ እዩ። 100 ሚኢታዊ ዝበሃል የለን፤ ኣብዝሓ እዩ ዝውስን። ዝበልናዮ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ኣይበሃልን። እዚ ዴሞክራስያዊ ኣካይዳ ካብ ዘይምፍላጥን ብኣብዝሓ ተገዚእኻ ንምኻድ ካብ ዘይምልማድን ዝመፅእ ፀገም እዩ። እምበር ብዙኃን ይመውኡ እኳ ዝበሃል። ኣብ ማይሓንሰ እዚ መትከል እዚ እዩ ተቐባልነት ዘይረኸበ" ብምባል ነቶም ተወከልቲ ዝተውሃቦም ምላሽ ኣቕሪቦም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ እውን ቅድሚ ሎሚ ሕንጣሎ ወጀራት ዝበሃል ዝነበረ ሓደ ወረዳ፡ ኣብቲ ዳግመ ምትዕርራይ ሕንጣሎን ወጀራትን ክልተ ወረዳ ኰይነን ቈይመን እየን። ኰይኑ ግና ኣብ ወጀራት ማእከል እቲ ወረዳ መን ትኹን ኣብ ዝብል ቅድሚ ባይቶ እቲ ወረዳ ምውሳኑ ተቓውሞ ተሰሚዑ። ህዝቢ ባሕሪ ፀባ ንሕና ማእኸል እቲ ነባር ወረዳ ወጀራት ስለዝዀንና ምስ ዓዲቀይሕ ክተወዳድሩና ኣይግባእን ይብሉ። ብተወሳኺ እውን "ገለ ኣባላት ባይቶ እቲ ወረዳ ብገንዘብ ተገዚኦም፡ ማእኸል እቲ ወረዳ ዓዲቐይሕ ክኸውን ክገብርዎ ይፅዕሩ ምህላዎም እማኝ ስለዘለና ኣፃርዩልና" እንትብል ጥርዓን ከምዘስምዐ ተወላዲ ወጀራት ኣይተ ደጋፊ ይዛረብ።

መግለጺ ስእሊ,

ያታዊ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ወጀራት

ኣመሓዳሪ ወረዳ ወጀራት ኣይተ ዳርጌ ፀጋይ ብወገኖም "ብገንዘብ ዝተዓደጉ ኣባላት ባይቶ ወረዳ ወጀራት እንተሃልዮም ኣፃሪና ሕጋዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና፤ እንተዘይኰይኑ ግና ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ማእከል እቲ ወረዳ እቲ ባይቶ እዩ ዝውስን። እዚ ንምግባር ድማ ቅድሚ ኹሉ ምስቲ ህዝቢ ንዛተየሉ ኣለና" እንትብሉ ንቢቢሲ ገሊፆም እዮም።

ብድሕሪኡ ምስቶም ሕቶኦም ዘቕረቡ መናእሰይ ንምርድዳእ ካብ ክልልን ዞባን ሓለፍቲ ምምሕዳርን ፀጥታን ናብ ባሕሪፀባ ብምኻድ ዘተ ኣካይዶም። እቲ ህዝቢ ዘቕረቦ ክሲ ክፃረ፣ እቲ ሓድሽ ወረዳ ምምሕዳራዊ ቅርፂ ክሕዝ ኣብ መወዳእታ ድማ ማእኸል እታ ወረዳ ኣበይ ይኹን ዝብል ብባይቶ ክውሰን ንሰነ 10 ቈፀራ ብምሓዝ ተፈላልዮም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘተግብሮ ዘሎ ለውጢ ኣወዳድባ ምሕደራን ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታትን ተቓውሞን ከብለል እናበለ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ቆራሪት በፅሐ።

ሕቶ ህዝቢ ቆራሪት ቁሩብ ፍልይ ዝበለ እዩ። መንግስቲ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ንምትካል፡ ንቃንጫ ሽኮር ዝኸውን ሰፊሕ መሬት ከልምዕ ስለዝነበሮ ሓረስቶት ተፈናቒሎም። ናብ ሓደ ማእከል ተወሲዶም ክሰፍሩ ብምግባር ድማ ኣባይቲ ተሃኒፁሎም ተጣይሾም፤ ኣብ ከተማ ቆራሪት።

ምንጪ ስእሊ, FB

ተቐማጦ እታ ከተማ ኣይተ ደስታ ሓጐስን መምህር ገብረዋህድን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ እቲ ህዝቢ ናብ ከተማ ስለዝኣተወ ኣብ ገጠር ዘሎ መሬቱ ከይምንጠል ሰጊኡ። መሬት ናብ ደቂ ደቁ ብውርሲ ክመሓለፈሉ እውን ሓቲቱ። ክሳብ ሕዚ ናብራ ገጠር ይመርሕ ስለዘሎ፡ ከተማነትን ንግድን እንተይኰነስ ማሕረስ ስለዘቐድም ዘሎ መውዐሊ ጥሪት እውን ሓቲቱ።

ልዕሊ ኹሉ ግን ካብ ተሓራሲ መሬቶም ክለዓሉ እንከለዉ ንህዝቢ ካሕሳ እንትወሃብ ዛጊድ ንሸውዓተ ዓመታት ብሎሚ ፅባሕ ካሕሳ ዘይረኸቡ ሰባት ምሒር ከምዝተፀገሙ እውን ብዝርዝር ገሊፆም።

ይኹን እምበር ይብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ህዝቢ ሕቶኡ ብሰለማዊ ተቓውሞ ናብቲ ምምሕዳር ኣብ ዘቕርበሉ እዋን እቲ ኩነታት ኣንፈቱ ስሒቱ ናብ መንገዲ ምዕፃውን ምስ ፖሊስ ምጉናጽን ኣጋጢሙ። በዚን ክንድዚን ድማ፡ መንገዲ ንክልተ መዓልታት ተዓፅዩ።

ብድሕሪኡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብምምፃእ ነቶም ተወሳኺ መንገዲ ክዓፅዉ ካብታ ከተማ ዝወፅኡ መናእሰይ ብምሓዝ "ብድሕሪት ኰይኖም ይመርሑ ነይሮም" ዝበልዎም ድማ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ማይጋባን ዓዲ ረመፅን ኣእትዮምዎም። ብድሕሪኡ፡ ነብሲወከፎም 800 ብር ብምኽፋል ወሓስ ኣትሒዞም ክወፅኡ ከምዝተገብረ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ኣረጋጊፆም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከተማ ቆራሪት ኣይተ ኪዳነማርያም ኣባይ "ህዝቢ ዘልዐሎም ሕቶታት ኣገዳሲን ቅቡልን እዩ። ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣትዉ ሓረስቶት ብዝምልከት ንቆራሪት ጥራይ እንተይኰነስ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ምዕራብ ዘጓነፈ ጉዳይ ስለዝዀነ፡ መንግስቲ ድማ መሬቶም ክውንኑን ናብ ደቆም እውን ከሕልፉን ከምዝኽእሉ ወሲኑ እዩ። ቅያር ናይቲ ሰብ ሃብቲ ከልምዕዎ ዝተወሃበ መውዐሊ ጥሪት ይወሃበና ዝብል እውን ቅቡል እዩ ክወሃቦም እዩ። ካሕሳ መሬት ዘይወሰዱ ሓረስቶት እውን ጥርዓኖም ነዊሑና ዝብል ሓቆም እዮም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን 100 ሚልዮን ብር ተመዲቡ ኣሎ" ዝብል መልሲ ሂቦም።

ወረዳና ይመለሰልና ዝብል ጥርዓን ህዝቢ፡ ሱር ዝሰደደን መንግስቲን ህዝቢን ኣቀሓሒሩ ዝፀንሐን ጉዳይ እዩ። ወላ እኳ ብወሳናይ መልክዑ ዕልባት እንተረኸበ፡ ሕዚ እውን ግና ኣብ ገለ ከባቢታት ዘይረግአ ጥርዓን ምህላዉ ይዝረብ። ብኻልእ ገፅ፡ ጣብያና ማእከል ወረዳ ትኹን ብዝብል ኣብ ዝለዓል ሕቶን ተቓውሞን እውን፡ ኣብ ኣተኣላልያ ሕዚ እውን መንግስቲ ክሓስበሉ ከምዝግባእ ተዓዘብቲ ይገልፁ።