ኢዴፓ፡ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ብዝምልከት ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ደብዳበ ክጽሕፍ'የ ኢሉ

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው

ኣባል ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ [ኢዴፓ] ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ትማሊ ንጉሆ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ።

ጉዳዩ ብቐረባ ዝከታተል ዘሎ ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ፡ ፖሊስ ተወሳኺ መረዳእታ ከም ዘይኣቕረበ ብምግላጽ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ምስ ሕማም ልቢ ኣቶ ልደቱ ብዝተሓሓዝ ናይ ሕክምና መረዳእታ ክቐርብ ብመሰረት ዝሓተቶ ነቲ መረዳእታ ከም ዘቕረበ ተዛሪቡ።

እቲ ናይ ሕክምና መረዳእታ፡ ኣቶ ልደቱ ዘለዎ ሕማም ልቢ ንህይወቱ ከም ዘስግእን ንኮሮናቫይረስ ተቓላዒ ከም ዝኾነን ከምኡ'ውን ሕክምናዊ ምክትታል ከም ዘድልዮ ዝጠቅስ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ሕክምና ቖጸራ ከም ዘለዎ ዘመላኽት መረዳእታ ከም ዘቕረበ ዝዛረብ ኣቶ ኣዳነ፡ ይኹን'ምበር እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ንምርኣይ ተወሳኺ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ቖጸራ ሂቡ ኢሉ።

ኣቶ ልደቱ ድሕሪ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ንዝተላዕለ ናዕቢ ብምትሕብባርን ብምድጋፍን ብዝብል ተጠርጢሩ'ዩ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ።

ፕረዚደንት ኢዴፓ ኣቶ ኣዳነ፡ ዳያኑ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ይቀያየሩ ብምህላዎምን እቲ ጉዳይ ሓድሽ እናኾነ ብምምጽኡን ዳግም ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ቖጸራ ከም ዝተዋህቦ ሓቢሩ።

ፖሊስ 'ኣብ መንበሪ ገዛ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ረኺበዮ ዝበሎ ብረት ብዝምልከት እቲ ሓደ ካብ ኣቡኡ ዝወረሶን ዘይሰርሕን ከም ዝኾነ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብ1998 ዓ.ም ካብ መንግስቲ ዝተቐበሎ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ብረት ከም ዝኾነ' ዘርኢ መረዳእታ ከም ዘቕረበ ኣቶ ልደቱ ነጊሩኒ ኣሎ'ውን ኢሉ።

"ኣቶ ልደቱ ጠበቓ ክረክብ ከም ዘይኽኣለ ብሜዲያ ምስ ገለጽና፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦሮሚያ ዝርከቡ ተዛረብቲ ኦሮሞ ጠበቓታት ብናጻ ጠጠው ክንብለልኻ ኢና ኢሎምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ሕጂ ምስ ዝቐረበሉ ጠበቓ ይማኸር'ዩ ዘሎ" ይብል ኣቶ ኣዳነ።

ኣቶ ልደቱ በቲ ዝወሃብ ዘሎ ተደጋጋሚ ቐጸራ ተስፋ ከም ዝስኣነ ዝገለጸ ኣቶ ኣዳነ፡ "እንተሰሊጡ ድሕሪ መረጻ ወይ ድሕሪ ክልተ ዓመት ይወጽእ ይኸውን፤ ክሳብ ክልተ ዓመት ግን ንርእሰይ ኣዳልየዮ ኣለኹ" ከም ዝበሎ ገሊጹ።

ኩነታት ጥዕንኡ ብተደጋጋሚ የጸግሞ ከም ዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ኣዳነ፡ ሕክምና ንክገብር ዘረጋግጽ እኹል መረዳእታ እንተሃለወ'ውን ቤት ፍርዲ ስለ ዘይኣፍቀደ ግን ኣቶ ልደቱ 'ዳርጋ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈረደኒ'የ ዝቖጽሮ' ከም ዝበለ ተዛሪቡ።

"ፖለቲካዊ ማእሰርቲ'ዩ" ዝበለ ኣቶ ኣዳነ እቲ ጉዳይ ብዘተ ንክፍታሕ ቅድም ኢሉ'ውን ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ቦርድ መረጻን ደብዳበ ከም ዘእተወ ብምግላጽ፤ ይኹን'ምበር ቤት ፍርዲ ዝሓዞ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ጣልቃ ክኣትው ከም ዘይኽእሉ ገሊጾምልና ኢሉ።

ሕጂ ንመወዳእታ ግዘ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ደብዳበ ከም ዝጽሕፍ ኣቶ ኣዳነ ንቢቢሲ ገሊጹ።