'ትራምፕ ናይ ሃገርና መራሒ ክኸውን ዘይግብኦ ሰብ እዩ'- ሚሸል ኦባማ

Michelle Obama

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ሚሸል ኦባማ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ 'ናይ ሃገርና መራሒ ክኸውን ዘይግብኦ ሰብ እዩ' ክትብል ድሂላቶ፡፡

እታ ቀዳማዊት እመቤት ነበር፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰብ ዘይተረኽቦ ዋዕላ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓለፈቶ መደረ'ያ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ሃገርና ክኸውን ዘይግብኦ ሰብ እዩ ኢላ ዝተዛረበት፡፡

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ሕዳር 3 ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራቲክ ነቲ ኣብ እኩብ ህዝቢ ከቕርብዎ ዝነበሮም መደባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሰሪዞምዎ ኣለዉ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ብሚድያ ዘቕርብዎ መደረታት ምስቲ ቅድሚ ኮሮና ዝነበረ ኣኼባታት ኣነጻጺርካ ማዕረ ክንደይ ሰሓቢ ይኸውን ዝብል ነጹር ኣይኮነን ዘሎ፡፡

ሪፖብሊካን፡ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ንምጽናሕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከቢድ ከም ዝኸውን እዩ ዝግለጽ፡፡

ሚሸል ኦባማ እንታይ እያ ተዛሪባ?

ሚሸል ኦባማ፡ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምክትሉ ዝኾነት ካላማ ሃሪስ ቅድሚ ዕላዊ ምግባሩ እያ ንዶናልድ ትራምፕ ዝድህል ዘየናሕሲ መደረ ኣስሚዓ፡፡

ኣብዚ ስራሕ እዚ ኣምሲልካ ክትሓልፍ ኣይትኽእልን ዝበለት ሚሸል ኦባማ፡ ቁጠባና በቲ እቲ ፕረዚደንት ከነኣእሶ ዝጸንሐ ቫይረስ ዓንዩ እዩ ብምባል ተዛሪባ፡፡

"ህይወት ጸለምቲ ኣገዳሲ እዩ" ዝብል ጎስጓስ፡ ላግጺ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ብዘየገድስ ከም ዝተዓወተ ዝገለጸት ሚሸል ኦባማ፡ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ናይ መሪሕነት ወይ ምትብባዕን እናተጸበኻ፡ ዕግርግርን ምክፍፋልን ኢኻ እትረክብ ኢላ፡፡

ብተወሳኺ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ንህጻናት ኣመሪካ ክተረደኦም ከቢድ ምዃኑ ተዛሪባ፡፡

ዜጋታትና ጸላእቲ እታ ሃገር ተባሂሎም ክጥቀኑን ልዕልና ጸዓዱ ዝሰብኩ ሰባት ድማ ክበረታትዑን ትርኢ ኢላ ዝገለጸት ሚሸል ኦባማ፡ ህጻናት ምስ ስድረኦም ክፈላለዩ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት መንብዕን ጠያይቲ ጎማን ክትኮስ ከም ዝተዓዘበት ኣረዲኣ፡፡

"ዶናልድ ትራምፕ ናይ ሃገርና ፕረዚደንት ክኸውን ዘይግበእ ሰብ እዩ፡፡ ነቲ ሓላፍነት ዝኽእሎ ምዃኑ ከርእይ እኹል ግዘ ነይሩዎ፤ ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ግልጺ እዩ" ክትብል እውን ወሲኻ፡፡

"ብቐሊሉ ከምቲ ንሕና እንደልዮ ክኸውን ኣይኽእልን፤ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ" ብምባል ዝቐጸለት ሚሸል ኦባማ፡ ብኣንጻሩ ዜጋታት "ውርዙይ" ንዝበለቶ ሕጹይ ዲሞክራት ክመርጹ ጸዊዓ፡፡

ህይወትና ኣብኡ ከም ዝምርኮስ ሓሲብና ንጆ ባይደን ክንመርጾ ኣለና ኢላ፡፡