ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

ለማ መገርሳ

ምንጪ ስእሊ, EPRDF OFFICIAL

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣልየ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ።

ኣብ ቦታ ለማ መገርሳ፡ ዶ/ር ቀንዓ ያደታ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዝተሾመ'ውን እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሚያ፡ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝርከቦም ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓን ብግዝያውነት ከም ዝኣገዶም ይፍለጥ።

ኣቶ ለማ፡ ምስ ምፍራስ ኢህወዴግን ውህደት ሰልፊ ብልጽግናን ብዝተኣሳሰር ሕቶ ከም ዝጸንሖን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምቅዳው ከም ዘይነበሮን ክዝረብ ጸኒሑ እዩ።

ብተወሳኺ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ታከለ ኡማ፡ ሚኒስተር መዓድንን ነዳድን፣ ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታርያት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ንጉሱ ጥላሁን ኮሚሽነር ኮሚሽን ስራሕ ፈጠራ፣ ዮውሃንስ ቧያሌው ዋና ዳይረክተር ጉዳያት ወጻእን ስትራተጂካዊ መጽናዕትን ኢትዮጵያ፣ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቴዎስ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኮይኖም ዝተሾሙ ኮይኑ ናይ ካልኦት ሚኒስተራት ስም ዝርዝር እውን ዕላዊ ተገይሩ ኣሎ፡፡