ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ስርሑ ደው ከምዘበለ ተገሊጹ

ኣርማ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN EMBASSY IN LONDON

መግለጺ ስእሊ,

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ስርሑ ደው ከምዘበለ ተገሊጹ

ኣብ ሎንዶን ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብቲ ኤምባሲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዩጵያውያን ስርሑ ደው ከምዝበለ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኢምባሲ ኢትዩጵያ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ሎሚ ኣብ ትዊተር ከምዝጸሓፎ፡ እቶም ኣብ ኤምባሲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል እቲ ኤምባሲ ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘብጽሑን ተገልገልቲ ናብቲ ኤምባሲ ንከይኣትዉ ከምዝኸልከሉን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ኣባል ኤምባሲ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎን ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ብምሕባር እቲ ኤምባሲ ነቶም ሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ፖሊስ ምዝርራብ ከምዝጀመረ ሓቢሩ ኣሎ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ዲፕሎማት'ውን እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዮጰውያውያን ካብ 20 ነሓሰ ጀሚሮም ንሓሙሽተ መዓልታት ነቲ ኤምባሲ ከቢቦሞ ከምዘለዉን ኣብቲ ቀጽሪ ተሰቒላ ንዝነበረት ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምውራድ ባንዴራ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምዝሰቐሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ ዲፕሎማት እቲ ኤምባሲ ስርሑ ደው ከምዘበለን ዝበዝሑ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ከምዝተገደዱን ሓቢሩ።

እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዩጵያውያን ፡ ናይ ፖሎቲካ እሱራት ክፍትሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ምቅትታል ደው ክብልን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘለዉ ሰራዊት ፈዴራል ካብቲ ክልል ክወጽኡን ይጠልቡ ከምዘለዉ ኣብቲ ተቓውሞ ዝሳተፍ ዘሎ ስነ ጥበባዊ ሽኩሪ ጀማል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሽኩሪ ጀማል ዘቕርቡዎ ዘለው ሕቶታት ከይተመለሰ ንዘካይድዎ ዘለዉ ተቓውሞ ደው ከምዘየብልዎ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዩጵያ'ውን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ተካይዱ ከምዝነበረ ይዝከር።