'ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ዕግርግር፡ ልኡኽ ብሪጣንያ ይቕረታ ሓቲቱ'

ኣምባሳደር ሬድዋ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መግለጺ ስእሊ,

ኣምባሳደር ሬድዋን

ምኽትል ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕግርግር፡ ንዲፕሎማሰኛ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ስሒቡ ኣዘራሪቡ።

ኣብዚ ሰሙን ከተማ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተቓውምኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን፡ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ብምውራድ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ድማ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ተገሊጹ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ናይ ብሪጣንያ ዲፕሎማሰኛ ኣሌክስ ካሜሩን ስሒቡ ኣዘራሪቡ።

እቲ ዲፕሎማሰኛ ነቲ ዝተፈጠረ ፍጻመ ይቕረታ ዝሓተተ ኮይኑ፡ ውሕስነትን ጸጥታን ናይቲ ኤምባሲ ንምሕላው መንግስቲ ብሪጣንያ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ብምግላጽ ንሚኒስተር ዲኤታ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ከም ዘረጋገጸሉ መራኸብቲ ብዙሓን ኢትዮጵያ ጸብጺበን።

ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ብሪጣንያ ድሕነት እቲ ኤምባሲ ንምሕላው ኣድላዪ ስጉምቲ ከም እትወስድ ቻርጅ ዲ አፌር አሌክስ ካሜሩን ገሊጹ ክብል ሓቢሩ'ሎ።

ቤት ጽሕፈት ኢምባሲ ኢትዩጵያ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ኣብ ትዊተር ከምዝጸሓፎ፡ እቶም ኣብ ፊት ኤምባሲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል እቲ ኤምባሲ ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘብጽሑን ተገልገልቲ ናብቲ ኤምባሲ ንከይኣትዉ ከም ዝኸልከሉን ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Shukri Jemal

እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ኣባል ኤምባሲ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከም ዘሎን ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ብምሕባር እቲ ኤምባሲ ነቶም ሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ፖሊስ ምዝርራብ ከምዝጀመረ ሓቢሩ ኣሎ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ዲፕሎማት'ውን እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዮጰውያውያን ካብ 20 ነሓሰ ጀሚሮም ንሓሙሽተ መዓልታት ነቲ ኤምባሲ ከቢቦሞ ከምዘለዉን ኣብቲ ቀጽሪ ተሰቒላ ንዝነበረት ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምውራድ ባንዴራ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምዝሰቐሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ ዲፕሎማት እቲ ኤምባሲ ስርሑ ደው ከምዘበለን ዝበዝሑ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ከምዝተገደዱን ሓቢሩ።

እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዩጵያውያን፡ ናይ ፖሎቲካ እሱራት ክፍትሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ምቅትታል ደው ክብልን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘለዉ ሰራዊት ፈዴራል ካብቲ ክልል ክወጽኡን ይጠልቡ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዩጵያ'ውን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ተካይዱ ከምዝነበረ ይዝከር።

ብፍላይ ድሕሪ ቕትለት ፍሉጥ ኣርቲስት ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ተቓውሞታት ክካየዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።