ሲሶ ኣዝርእቲ ሱዳን ብውሑጅ ጠፊኡ

ብውሕጅ ዝተዕለቕለቐ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, EVN

ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ኣስታት ሲሶ ኣዝርእትን 600 ሽሕ ህዝብን ጉድኣት ከምዘብጸሐ ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ቀንዲ ምህርቲ እታ ሃገር ዝኾነ መሸላ ሓዊሱ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቶን እኽሊ ዝጥፈአ ኮይኑ፡ ብዙሓት ቤተሰባት ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ጥራሕ ክንሱ ዘይረብሕ ክምገቡ ከምዝተገደዱ እዩ ዝግለጽ።

ዛጊድ በቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ልዕሊ ምኢቲ ሰባት ሞይቶም እዮም።

እቲ ውሑጅ ኣብ ልዕሊ ከም ሙዝን ማንጎን ዝኣመሰሉ ንግዳዊ ፍረምረ ጉድኣት ብምብጽሑ ድማ ኣታዊ ነጋዶ እውን ቀኒሱ እዩ።

ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ዕንወት ዘውርድ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ነታ ሃገር እውን ከምዘስገኣ ውድብ ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ሱዳን ከቢድ ዝናብ ብዘኸተሎ ውሕጅን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ብራኸ ሩባ ኒል ብምውሳኹን እቲ ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ውድብ ሕቡራት ኣፍሊጡ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ብምኽንያት እቲ ውሕጅ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ማይ ዝርከበሎም ቦታታት ተበላሽዮም ወይ ተበኪሎም ክኾኑ ከ ምዝኽእሉ ገሊጹ ዝነበረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጽረት ቀረብ ዝስተ ማይ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ ነይሩ።

ብተወሳኺ ብምኽንያት ውሕጅ መንገድታት ብምብልሻዎም ዘድሊ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ከም ዘይተኽኣለ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።