ቅልውላው ትግራይ፡ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ዳዊት ከበደ ብዘይተፈልጠ ኩነታት ተቐቲሉ

ጋዜጠኛ ትግራይ ቲቪ ዝኾነ ዳዊት ከበደ ኣርኣያ፡ ሒደት መዓልታት ናብ ስራሕ ድሕሪ ምምላሱ ብሰሉስ ኣብ ከተማ መቐለ ተቐቲሉ ተረኺቡ።
ኣብ ትግራይቲ ቲቪ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ምስ ካልኣዩ ኣብ ዓዲ ሓውሲ ዝተባህለ ከባቢ ናይታ ከተማ'ዮም ተቐቲሎም ተረኺቦም።
ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ንሬሳታቶም ከምዘልዓልዎን ንመሳርሕቱ ከምዝሓበሩን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሰብመዚ መንግስቲ ዛጊት ብዛዕቲ ቅትለት ዝሃብዎ መግለጺ የለን።
ሓላፊ ጸጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ዋልታ ሓረጎት፡ ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ሓበሬታ ከምዘይብሉን፡ ዝርዝር ሓበሬታ ምስ ረኸበ መልሲ ክህብ ምዃኑን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ዛጊት ካብቲ ብዓልመዚ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይተቐበለን።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ መሳርሕቲ ጋዜጠኛ ዳዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት ብጥይት ከምዝተሃረሙ ተዛሪቡ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓበሬታ ብሰብመዚ ጸጥታ እቲ ክልል ኣይተረጋገጸን።
እቲ ካልኣይ ሰብ'ውን ሓዉ ንኻልእ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ምዃኑ ተገሊጹ።
ምምላስ ናብ ስራሕ
ጋዜጠኛ ዳዊት፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት'ዩ፡ ናብቲ ብሰንኪ ኲናት ካብ ሕዳር ጀሚሩ ተቛሪጹ ዝጸንሐ መደበር ቴሌቭዥን ትግራይ ተመሊሱ።
ሰራዊት ፈደራል ንርእሰከተማ እታ ክልል ዝኾነት መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ፈነወ ንምጅማር ኩሎም ጋዜጠኛታት ናብ ስርሖም ክምለሱ መጸዋዕታ ቀሪብሎም።
ካልኦት ሰራሕተኛታት እቲ መደበር ከምዝብልዎ፡ ዳዊት ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢሉ ናብ ስርሑ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዝነበረን፡ ሰለስተ መዓልታት ቅድሚ ምቕታሉን'ዩ ተፈቲሑ። ብዛዕባ ማእሰርቱ ግን ብሰብመዚ ኣይተረጋገጸን።
"እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንጋዜጠኛታትን ፕሮፈሽናል ስኣልትን ብምርካብ ከዘራርቦ ጸኒሑ። ዳዊት ሓደ ካብኦም'ዩ" ክብል ሓደ ካብቶም ጋዜጠኛታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መቐለ ካብ 28 ሕዳር ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ፈደራል ትርከብ። ኣብታ ከተማ ተኣዊጁ ዘሎ ካብ ዕራርቦ ጸሓይ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓታት እቶ እቶ ጸኒዑ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ዳዊት ከበደ ኣርኣያ መን'ዩ?
ቅድሚ ናብ ትግራይ ቲቪ ምምጽኡ፡ ዳዊት ከበደ ምስታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትርከብ መንግስታዊት መደበር ቴለቪዥን ኢቲቪ ንሓያሎ ዓመታት ሰሪሑ።
ካብኡ ድሕሪ ምስንባቱ ድማ፡ ናይ ባዕሉ ናይ ትግርኛ መጽሄት ጀሚሩ ንሒደት ዓመታት ጸኒሑ።
ድሕሩ ድማ፡ ምስ ትግራይ ቲቪ ተጸንቢሩ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ቤትጽሕፈት ይሰርሕ ነይሩ።
ቀጺሉ ኸኣ ናብቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቀንዲ መደበር ትግራይ ቲቪ ተሰጋጊሩ።
ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ክልተ ግዳያት ትማሊ ረቡዕ ኣብ መካነ መቓብር ቤተክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ተፈጺሙ።