ኮቪድ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ

ሰብ ሞያ ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ትማሊ ጥራይ ከባቢ 1,820 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱን ተገሊጹ።

እቲ ቑጽሪ ነቲ ዝጸንሐ መጠን ሞት ናብ 93,290 ክብ ኣቢሉዎ'ሎ። ትማሊ ጥራይ 38,905 ሰባት ብኮቪድ ተለኸዒፎም 3,887 ሰባት ከኣ ንሆስፒታል ኣትዮም ኣለው።

ኣብታ ሃገር ዛጊት 4,609,740 ሰባት ተኸቲቦም ኣለው።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰር እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሳምንቲ ዝኸፍአ ክኸውን ስለዝኽእል ኩሉ ሰብ ክጥንቀቕን ንመምርሒ ሞያውያን ከኽብርን፡ ሰብ ለበዳ ንምግታእ ኣብ ቤቱ ክጸንሕን ኣተሓሳሲቡ።

" እዚ እዋን ምስ ግዜ ቅድድም እዩ ዘሎ" ዝበለ ቦሪስ ጆንስ ኮቮድ ህይወት ክቐዝፍ ሳይንቲስትን ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን ህይወት ንምድሓን ይጽዕሩ ከምዘለው ኣዘኻኺሩ።

መጠን ሞት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉን ዓራውቲ ትካላት ጥዕና ብሕሙማት ኮቪድ ኣብ ዘዕለቐለቐሉን እዋን ሻቕሎት ክዓርግ ግድን እኳ እንተኾነ ክታበት ንምቅልጣፍ እውን ልዑል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ሳይንቲስት ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢሮም።

ቀንዲ ኣማኻሪ መንግስቲ ብሪጣንያን ሳይንቲስት ፓትሪክ ቫላንስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኩነታት ሕማቕ ከምዘሎን፡ ኣብ ገሊኡ ድማ እቲ ኩነታት ናይ ኲናት ዞባ ከምዝመስልን ገሊጹ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ክታበት ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓባይ ብሪጣንያ መልከፍቲ ከሮናቫይረስ ብናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህለው፡ ንሰብ ሞያ ሕክምና ዝሕግዙ ሰራዊት ኣብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ከምዝዋፈሩ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ'ሎ።