ዕልዋ ማያንማር፡ 'ዓለምና ንቑልቁል ኣፋ ተደፊኣ'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ማያንማር ሱኑይ ወጋሕታ ዘበራበራ ሰራዊት ነታ ሃገር ተቘጻጺሩዋ ዝብል ነበረ።
ሽዑ፡ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ዝነበረት ኤይ ሚን "ሕጂ ብቐጥታ ብዛዕባ ዕልዋ ኣብ ትዊተር ዝጽሕፍ'ዩ ዝመስለኒ" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
"ዋላ'ውን ሰባት እንተሰግኡ፡ እቲ ኩነታት ግን ጸጥ ዝበለ ይመስል። ካብ ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተ ጀሚሩ ካብ መሓዙተይን መቕርባተይን ቴሌፎን ይድወለኒ ነይሩ። ኢንተርነት ከኣ ይኸይድን ይምለስን ኣሎ፤ ሲም ካርደይ'ኳ ኣይሰርሕን" ክትብል ጽሒፋ።
ሰራዊት ማያንማር፡ በቲ ዝውንኖ ቴሌቪዥን ኣቢሉ ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ስልጣን እታ ሃገር ከም ዝሕዝን ንሓደ ዓመት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝተኣወጀን ሓቢሩ።
ሰልፊ ሊግ ብሄራዊ ዴሞክራሲ፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተዓዊቱ ብ2015 ስልጣን ዝተረከበ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝነበረ መረጻ ምትላል ፈጺሙ'ዩ ብዝብል ኣንግ ሳን ሱ ቺ እትርከቦም ላዕለዎት ኣመራርሓ ተኣሲሮም ኣለው ኢሉ።
ሓንቲ ነባሪት ከተማ ያንጎን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሱ ቺ ተኣሲራ ዝብል መልእኽቲ ካብ መሓዙታ ቅድሚ ምርካባ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ክትወጽእ ትዳሎ ከም ዝነበረት ትዛረብ።
እዛ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ "ኣብ ሓደ ለይቲ ዓለምካ ንቑልቑል ኣፋ ተደፊኣ ክትሓድር ምርኣይ ሓድሽ ስምዒት ኣይኮነን፤ ግንከ ዝተሳገርናዮ፣ ዳግም ብኣስገዳድ ዘይስመዓና ስምዒት ይመስለኒ ነይሩ" ክትብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፋ።
ናይ ቁልዕነት ግዝየኣ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እዩ ነይሩ።
"ኩሎም ሚኒስትራትና ተኣሲሮም ምርኣይ ኣግሪሙኒ። እዚ ማለት ሱ ቺ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም እዮም ወሲዶምዎም" ትብል።
ማእሰርቲ ሓጋጊት ሕጊ ፓ ፓ ሃን በዓል ቤታ ብፌስቡክ ኣብ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ምስሊ እዩ ተቃሊሑ።
ኣፍራዪ ፊልም ሚን ሄቲን ኮ ኮ ጂ ሓዊሱ ብዙሓት ነጠፍቲ ፖለቲካ ከም ዝተኣሰሩ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ማያንማር ዝርከብ ንፖሎቲካዊ እሱራት ዝሕግዝ ማሕበር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብውሑድ 42 ፖሎቲኛታትን 16 ተቓለስቲ ስቪል ሶሳይትን ምእሳሮም ሰኒደ ኢሉ።
ውሑዳት ዝተፈትሑ ከም ዘለውን ምጽራይ ኣሽማት ከም ዝቐጸለን'ውን ገሊጹ።
ሽማ ክግለጽ ዘይፈቐደት ተሓላቒት መሰላት "ንጉሆ ክንትስእ እንከለና ዜና ዕልዋ መንግስትን ማእሰርቲ ገለ መሓዙትናን ኢና ሰሚዕና። ኢንተርነት ጠፊኡ ኣሎ፤ ወጺአ'ውን ክጥቀም ኣይክእልን። ወተሃደራዊ መካይን ኣብቲ ከተማ ብብዝሒ ይርኣያ" ኢላ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ፒ ዳው ዝርከብ ጋዜጠኛ እታ ሃገር ዝኾነ ኬፕ ዲያመንድ'ውን "ቴሌፎን የለን፤ ዋይፋይ የለን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
መንግስቲ ማያንማር ቅድም ኢሉ፡ ብምኽንያት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ግዝኣታት ራክሂንን ቺንን ኣንጻር ከባብያዊ ጉጅለታት ዘካይዶ ስርሒታት ኢንተርነት ገዲቡ ጸኒሑ እዩ።
ብ2013 ዝጸደቀ ዓንቀጽ 77 ሕጊ ቴሌኮምዩሊኬሽን እታ ሃገር'ውን፡ መንግስቲ ሃገራዊ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ከቋርጽ ዘፍቅድ'ዩ።
ይኹን'ምበር ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ንምኽባር እቲ ሕጊ ክመሓየሽ ኣለዎ ክብሉ ጸኒሖም።
ብምኽንያት እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ግን ኣገልግሎት ናይ ውሽጢ ዓድን ወጻእን መራኸብቲ ማዕኸናት ተቛሪጹ።
ኣብ ትካላት ንግድን ገዛውትን ከተማ ያንጎን ዝነበረ ባንዴራ ሰልፊ ሊግ ብሄራዊ ዴሞክራሲ ክእለ ተገይሩ።
"ጎረቤተይ ዝሰቐሎ ባንዴራ ኤንኤልዲ ኣውሪዱዎ . . . ናይ ብሓቒ ስግኣት ኣሎ ማለት'ዩ" ክትብል ጋዜጠኛትን ተመራማሪትን ኣኒ ዛማን ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ብዙሓት ሰባት'ውን ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ብብዝሒ ክዕድጉን ገንዘብ ከውጽኡ ነዊሕ ሪጋ ሒዞምን ተራእዮም። ብዙሓት'ውን ካብ ገዝኦም ብዘይምውጻእ ቐጺሉ ዝኸውን ክጸባበዩ ከም ዝውዓሉ ይግለጽ።
እቲ ቁጠባ ንመብዛሕትኦም ከቢድ እኳ እንተነበረ፡ ዕልዋ መንግስቲ ተወሲኹዎ ከኣ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ነጋዳይ ማ ናን "ዋጋ ጠለባት ክውስኽ'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ። ጓለይ ትምህርታ ስለ ዘይወድአት'ውን ይጭነቕ፤ እዚ እዋን ከኣ ናይ ለበዳ ግዜ'ዩ" ክብል ጭንቁ የካፍል።
ዛን ዛን ንዩንት ዝተባህለት ነባሪት ከተማ ያኖንግ ብወገና፡ ዋጋ ጠለባት ክውስኽ እዩ ዝብል ስግኣት ብምህላዩ "ሰባት ክዕምጹ'ዮም፤ ሱ ቺን ካልኦት ብጾታን'ውን ቐልጢፎም ክፍትሑ ተስፋ ይገብር" ኢላ።
እዚ ዕልዋ መንግስቲ፡ ናብቲ 1990ታትን 2000ን ዝነበረ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዘምርሕ እንተኾይኑ እቲ ስግኣት ክዓርግ እዩ።
ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ኣብ 1988 ዝነበረ ዕልዋ ምኽንያት ወተሃደራዊ ምሕደራ ቐጸልቲ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኮይኑ'ዩ
ኣብ 1988፡ ሰራዊት እታ ሃገር ደማዊ ዕልዋ መንግስቲ ከካይድ እንከሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም።
እቲ ሰራዊት፡ ውጽኢት ብ1990 ዝተኻየደ መረጻ ተዓዋቲት ዝነበረት ኣንግ ሳን ሱ ቺ ኣይቕበሎን ስለ ዝበለ ነዚ ወተሃደራዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብምቅላስ ተፈላጢት ኮይና።
ድሕሪኡ ብልሽውና፣ ዝቕባበ ዋጋ፣ መዓልታዊ ህይወት ምጽቃጥ፣ ምብዛሕ ዓሌታዊ ግጭታት ተራእዩ፤ ሕኢ'ውን እዚ ከየጋጥም ተሰጊኡ ኣሎ።
እንተ ነዚ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብወተሃደራዊ ምርኢት ዓጂቦም ዘቕረቡ ኣባላት እቲ ሰራዊት ኣለው'ዮም።
ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ማያንማር ዝተቐመጠ ኣመሪካዊ "ኣነ ዝፈልጦም ሰባት ተቖጢዖም'ኳ እንተነበሩ፡ ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ስቪላት ግን ብሙዚቃ ተዓጂቦም ክጽምብሉ ርእየ እየ" ኢሉ።