ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ 2013፡ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት በዓል መን ክኾኑ ይኽእሉ?

ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኢትዮጵያ 2013፡ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት በዓል መን ክኾኑ ይኽእሉ?

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን ፈለማ ወርሒ ሰነን፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ፡ 52 ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምዝሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ቢቢሲ ናይ ሒደት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ታሪኽን ድሕረ ባይታን፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ ሓለፍቲ እተን ሰልፍታትን መበገሲ ብምግባር፡ ኣብ ፈደራል፡ ኣብ ክልላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማታት ድምጺ ናይ ምርካብ ዕድል ዘለዎም ተባሂሎም ዝግመቱ እዞም ዝስዕቡ ፖርቲታት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡዎም ኣሎ።

ኣስማት እተን ፓርቲት ብቕደም ተኸተል ኣልፋ-ቤት ኢንግሊዝ ከምዝቐረበ እቲ ዓመተ ምሕረት ከኣ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ክንሕብር ንፈቱ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (አብን)

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ነዊሕ ዕደመ እኳ እንተዘይብሉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ተጽዕኖ ግን ቀሊል ኣይኮነን።

ናይ ኣምሓራ ዓሌትነት ብምውካል ዝንቀሳቐስ 'ኣብን' ኣብ 2010 እዩ ተመስሪቱ። እቲ ምንቅስቓስ ቀንዲ ተልእኾይ ረብሓን መሰልን ኣምሓራ ምኽባር እዩ ዝብል- ድሕሪ ምምስራቱ ንሰለስተ ዓመት ጎሊሑ ይመጽእ ከምዘሎ ይረአ።

እቲ ሰልፊ፡ ኣብ መንእሰያት ኣምሓራ ልዑል ተቐባልነት ከምዘለዎን ኣብ ዝተፈለላየ ክፍልታት ኣብያተ ጽሕፈት ከፊቱ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ኣብቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ከኣ ሓያላት ተወዳደርቲ ክኾኑ ከምዘኽእሉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሓደ ጋዜጣ ዝተራኸበ ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር በለጠ ሞላ ሰፊሕ ቅድመ ምርጫ ምድላው ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

"ብህዝቢ ክፍረዱን ነቲ ውጽኢት ብጸጋ ክቐበሉን" ድሉው ምዃኑን ተዛሪቡ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ተወላዶ ኣምሓራ ኣብ ዘለውዎ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብያተ ጽሕፈት ይኸፍት ብምህላው ኣብቲ ምርጫ ሓያል ተወዳዳሪ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን።

ባልደራስ ንሓቀኛ ደሞክራሲ

ሰልፊ ባልደራስ በቲ ሓያል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሳለት ጋዜጠኛ ናይ ሕጂ ፖለቲከኛ እስክንድር ነጋ ዝምራሕ ሰልፊ እዩ።

እስክንድር ነጋ፡ ኣብ ነጻ ፕረስ ኢትዮጵያ ጉልሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝነበሮ ሰብ እዩ። 'ረብሓ ኣዲስ አበባ ንምኽባር' ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ሰልፊ ባልደራስ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዓብዩ።

ምስ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተፈጥረ ዕግርግር መራሒኡ እስክንድር ነጋ ዝተኣስሮ ባልደራስ፡ ብምምሕዳር እታ ከተማ ንዝፍጸሙ 'ዘይሕጋዊ ተግባራት' ክሳብ መወዳእታ ከምዝቃለሶ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ሰልፊ ባልደራስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝጽውዖ ጋዜጣዊ መግለጽን ሰልፍን ብዘይ ግሉጽ ምኽንያት ክስረዙ ምጽንሖም ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ኣዲስ አበባ ብዝፈጠሮ ተጽዕኖን፡ እስክንድር ነጋ ኣብ ፖለቲካ ብዘለዎ ግኑን ስም፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ተወዳዳሪ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ /ኢዜማ/

ኢዜማ ኣብ ምርጫ 1997 ዝተሳተፉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝሓቖፈ እዩ።

ኢዜማ ዳርጋ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 400 ናይ ምርጫ ወረዳ ኣብያተ ጽሕፈት ከፊቱ ኣሎ።

ካብ ብሄራዊ ዜግነታዊ ፖለቲካ ዝኽተል ኢዜማ እቲ ቀንዲ ተልእኾይ ማሕበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽ እዩ ይብል።

እቲ ፓርቲ እተን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ዘይገበረኦ ኣብ ፖለቲካ፡ ኢኮኖሚ፡ ማሕበራውን ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ዘተኮረ ልዕሊ 40 ናይ ፖሊሲ ሰነዳት ከምዘዳለወ ገሊጹ'ሎ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ 'ናይ መሬትን ናይ መንበሪ ኣባይትን ወራር' ዝብል ዘውጽኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።

ኣብ ምርጫ 1997 ዝተሳተፉ ስሙያት ፖለቲከኛታት ብርሃኑ ነጋ (ፕሮፌሰር) ን ኣንዱአለም አራጌን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት እቲ ሰልፊ ኣለው።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ አሕመድ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ፡ ርኡይ ስም ብዝነበሮ መራሕ ሰመያዊ ፓርቲ ነበር የሺዋስ አሰፋ ዝምራሕ ዘሎ ኢዜማ ብውህደት 6 ፓርቲታት እዩ ቆይሙን ዓብዩን።

ሓደ ካብቶም ሽዱሽተ ሰልፍታት ከኣ እቲ ብረት ዓጢቑ ዝቃለስ ዝነበረ ግንቦት 7 ይርከቦም። እቲ ውድብ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ወሑድ ዘይኮነ ደጋፍ ከምዘለዎ ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኢዜማ ኣብ ምርጫ 2013 ካብቶም ክዕወቱ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ሰልፍታት ሓደ ይገብሮ።

ብሄራዊ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን /ኦብነግ/

ኦብነግ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ውድብ እዩ። ቅድሚ 37 ዓመታት ዝተመስረተ ኦብነግ ቀንዲ መሰረቱ ኣብ ክልል ሶማል እዩ።

ካብ 1986 ክሳብ 2010 ዓ.ም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝጸንሐ ኦብነግ ኣብቲ ኣብ 1983-87 ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣባል ነይሩ።

ኣብ 1984 ኣብ ዝተገብረ ናይ ኣከባቢ ምርጫ ከኣ 87% ድምጺ ብምርካብ ንክልል ሶማል ንክልተ ዓመት ኣመሓዲሩዋ። እንተኾነ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ብዘጋጠሞ ዘይምርድዳእ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ። ብሰንኩ ድማ ብፓርላማ እታ ሃገር ከም 'ኣሻባሪ' ተኾኒኑ።

ኣብ 2010 ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ካብ ጸሊም መዝገብ ግብረ ሽበራ ወጺኡ ከም ሕጋዊ ሰልፊ ተመዝጊቡ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ኣብ ክልል ሶማል መሰል ርእሰ ምምሕዳር ምርግጋጽ ቀንዲ ዕላማይ እዩ ዝብል እዚ ሰልፊ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣብቲ ክልል ቀንዲ ተወዳዳሪ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ መራሕቲ እቲ ፓርቲ ኣብ 2011 ካብ ስደት ናብ ኢትዮጵያ ክመጽኡ እንከለው ዝተገብረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ናይ ምዕዋት ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ዘመላኽት ይመስል።

ፌዴራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ /ኦፌኮ/

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሳትፎ ብዘለዎ ስሙይ ፖለቲከኛ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ዝምራሕ ኦፌኮ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ ምርጫታት ተሳቲፉ ነይሩ።

ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ኣብቲ ኣባል ፈደራል ፓርላማ ዝነበሩሉ ዓመታት ብዝህቦ ዝነበረ ርእይቶ ብብዙሓት ይዝከር።

ብተደጋጋሚ ተኣሲሩ ዝተፈትሐ መራራ ጉዲና ኣብቲ መወዳእታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኣሉ እዋን ብዙሓት ደገፍቱ ኣብ ኣደባባይ ብምውጻእ ሓጎሶም ገሊጸም።

ብተወሳኺ እዚ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ምክትል ኣቦ መንበር በቀለ ገርባ እውን ሓያል ፖለቲካ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ኦሮምያ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ጃዋር መሐመድ ናብቲ ፓርቲ ብምሕዋሱ ከኣ ኦፌኮ ሓያል ፈጣር ጽልዋ ክኸውን ከምዘኽኣሎ ይእመን።

ቅድሚ ዓመት ፕሮፌሰር መራራ፡ አቶ በቀለን ጃዋር መሐመድን ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮሞ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ዝተገብረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ፡ ኤፌኮ ኣብ ምርጫ 2013 ሓያል ተወዳዳሪ ኮይኑ ክቐርብ ከምዝኸእል ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ልምድን ተመኩሮን ዘለዎ ኤፌኮ [ዋላ'ኳ ሓያላት ፖለቲከኛታቱ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለው]፡ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ክዕወት ዝኽእል ሰልፊ እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ግንባር ነጻነት ኦሮሞ /ኦነግ/

ካብቶም ካብ ዝምስረቱ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ሓደ ኦነግ ነው።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮሞ ከም ሰንደቕ ነጻነት ኦሮሞ ዝረአ ብ1965 ዓ.ም እዩ ተመስሪቱ። እቲ ግንባር ኣብ 1983 ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ እኳ እንተነበረ ምስቲ ገዛኢ ሰልፊ ስለዘይተሰማምዐ ነዊሕ ከይጸንሐ ብረት ዓጢቑ ኣብ በረኻታት ዓስኪሩ።

ክሳብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ከኣ ኣብ ስደት ዓስኪሩ ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ።

ሕጂ ናብ ሃገር ተመሊሱ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ምርጫ ንምስታፍ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኦነግ ኣብዚ ምርጫ እዚ ንክዕወቱ ግምት ዝወሃቦም ዘሎ ሰልፍታት እዩ።

ሓለፍቱ ዝተኣስሩዎን ውሽጣዊ ጸገማት ዘለዎን ኦነግ ነባር ስምን ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልስን ሒዙ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ይቀራረብ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ብመንግስቲ ተጽዕኖ የጋጥመኒ ኣሎ ብዝብሎን ኣብ ኣባላት መሪሕነቱ ዘሎ ዘይምርድዳእን ጸገም እንተዘይፈጢሩሉ ኣብ ክልል ኦሮሞ ሓያል ተወዳዳሪ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።

ብልጽግና ፓርቲ

ብልጽግና፡ ንዝሓለፈ 5 ሃገራዊ መረጻታት ስዒረ ካብ ዝብል፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብልፍንቲ ከመሓድራ ዝጸንሐ ውድብ ወያናይ ደሞክራሲያዊ ህዝብታት ኢትዮጵያ /ኢህወዴግ/ ውጽኢት እዩ።

ብልጽግና ድሕሪ ምቕሃም ኢሂወደግ ሓደ ሓደ ለውጥታት ከምዝገበረ ዝዝረብ እኳ እንተኾነ ህወሓት ዘይብሉ ናይ ቀደም ኢህወደግ እዩ ዝብልዎ ብዙሓት እዮም።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ዘይብሉን ኣጋር ፓርትን ብልጽግና ዝተሰምየ ሓዲሽ ፓርቲ ብምቛም ናይ ቀደም ናይ ኢህወደግ ሃብትን ንብረትን ተቖጻጺሩ ኣሎ።

እቲ ውድብ ወያናይ ደሞክራሲ ንዝብል መርሓን ስነ-ሓሳብን ሰሪዙ 'ምድማር' ብዝብል ብኣተሓሳስባ መራሕ እቲ ፓርትን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ኣተሓሳስባ ተተኪኡ ኣሎ።

እቲ ፓርቲ ኣብታ ሃገር ኣለውኒ ካብ ዝብሎም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣባላት ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃንጸ ድልዱል ትካላት ስለዘለዎ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ።

ሓላፊ ብልጽግና ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣምጺኡዎ ዝበሃል ለውጥን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ደገፍን ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ጸለውቲ መራሕቲ ዘለውዎ ሰልፊ ኣብዚ ምርጫ ዝሓየለ ተወዳዳሪ ከምዝኸውን ይግመት።