ኤርትራ፡ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዓሪፉ

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ምንጪ ስእሊ, A.A.G

መግለጺ ስእሊ,

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ብዝሓደሮ ሃገራዊ ፍቕሪ ናይ ሳልሳይ ዓመት ናይ ሕጊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ 1972 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተጸምበረ ተጋዳላይ ኣድሓኖም፡ ካብ ተራ ተዋጋኣይ ክሳብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፉ ፈኵስን ማእከላይን ማህረምቲ ተጻዊሩ፡ ወሰንቲ ውግኣት መሪሑ፡ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።

ኣድሓኖም ኣብ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይን ሓድነታውን ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን ኣገልጊሉን። ኣብ 1989 ከኣ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ ንክፍሊ ንግድ እቲ ውድብ እናመርሐ፡ ኣብ 1991 ነጻነት ኤርትራ ክርኢ በቒዑ።

ኣድሓኖም ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ክሳብ ቅድሚ ናጽነት ዓመትን መንፍቕን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እዩ ኣገልጊሉ። ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይነበሮ ኵናት ሓያሎ ሳዕ ተወጊኡ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምድምሳስ ናደው እዝ ኣብ ኵናት ኣፍዓበት ምስ ኣዛዚ ግንባር ናቕፋ ተጋዳላይ ዓሊ ኢብሪሂም ብነፋሪት ተሃሪሙ። ዓሊ ኢብሪሂም ተሰዊኡ፡ ኣድሓኖም ግን ተወጊኡ ተሪፉ። ብድሕሪኡ ከኣ'ዩ ንክፍሊ ንግድ ክመርሕ ናብ ካብ ግንባር ተሳሒቡ።

ድሕሪ ናጽነት ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ፍትሒ ብሞይኡ መሰረት ኣንቢሩ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ (1994) ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተገብረ ዳግመ ውደባ ከኣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣገልጊሉ።

ኣብ 1996 ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊድን፡ ብድሕሪኡ ከኣ ክሳብ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ሰላማዊ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ክካይድ ምስ ዝጠለቡ ብጉጅለ-15 ዝጽውዑ ብጾቱ ናብ ህዝብን ሰራዊትን ቅሉዕ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ዝነበሮ መዝነት ገዲፉ፡ ምእንቲ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ቃልሱ ብምቕጻል ድምጺ ናይቶም ኣብ ሸላታት ዒላዒሮ ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኮይኒ ጽሒፉን ተጣቢቑን።

ካብ ፈለማ ሰብዓታት ኣትሒዙ ንተጋዳላይ ኣድሓኖም ዝፈልጦ ኣምበሳደር ዓብደላ ኣደም፡ "ምስ ኣድሓኖም ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልስን፡ ብድሕሪ ናጽነት፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምንጋስ ግዝኣተ ሕግን ብቐረባን ርሑቕን ብሓባር ሰሪሕና ኢና። ኣድሓኖም ሰለስተ ርብዒ ካብ ዕድሚኡ ኣብ ቃልሲ አሕሊፉዎ። ብፍላይ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ካብ ዝፈትዎም ደቁን ስድራቤቱን ተፈልዩ ኣብ ህይወተ ከየዕረፈ ምሕላፉ ኣዝዩ የሕዝነኒ" ክብል ንኣድሓኖም ዘለዎ ክብርን ኣድናቖትን ይገልጽ።

ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ (ወዲ መምህር) " ኣድሓኖም፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ተኺሎም ዝሓለፉ ብኽብሪ ክዝከር ዝነብር ሰብ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ከም ኩሉ ሃገራዊ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎን ድሕሪ ናጽነት ንምርግጋጽ ሓርነታዊ ልዑላውነት ዘካየዶ ቃልሲ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ኣስመራ ክሳብ ዓዲ-ዃላ ኣብ ዘሎ መገዲ ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ብዝተኸሎ ኣግራብ፡ ህዝቢ " እዚአን ደኣ ሳላ ኣድሓኖም ዝተተኽላ እንድየን" እናበለ ዕለታዊ እዩ ዝዝክሮ" ክብል በቲ ነባሪ ኣበርክተኦ ይዝክሮ።

ምንጪ ስእሊ, A.A.G

መግለጺ ስእሊ,

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ንነዊሕ እዋን ኣብ ቃልሲ ምትካል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ሓቢሩዎ ዝተቓለሰ ድምጻዊ ኢሳይያስ ኣስፍሃ እውን " ኣድሓኖም፡ ኣብ ቃልሲ ፍትሒ ንደሞክራሲ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዙሕ ጠቐነ እኳ እንተጋጠሞ ንሱ ግን ፍታሕን መዋጽኦን ኤርትራ፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ዘይብሉ ኣብ ሓድነት ዝተሰረተ፡ ብሓድነት ዝስጉም ገበይ ጻዕዳ (ሮድ-ማፕ) ጥራሕ እዩ ዘዋጽእ ብምባል፡ ብደምን መስዋእትን ዝተለሰነ ሓድነትን ሙቐትን ህዝቢ ኤርትራ ክዕቀብን ክዕምብብን እናሰርሐን እናሓለመን እዩ ሓሊፉ" ክብል ምስክርነቱ ይህብ።

ኣብ መስከረም 1945 ካብ ኣብኡ ባሻይ ገብረማርያም ካሳን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ውነሽ ርጆን ዝተወልደ ተጋዳላይ ኣድሓኖም መባእታ ኣብ ኣፈልባ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ሰይንት ጆሰፍ (St. Joseph School) ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተማሂሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸንበሩ ሕጊ እናጽነዐ እዩ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ትምህርቱ ብ1972 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ ክሳብ ትማሊ ብሞት ዝፍለ ተቓሊሱ።

ንኣድሓኖም ብርሑቕን ቀረባን ዝፈልጡዎ ብዙሓት ሰባት ብሞቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹን ምስክርነት ፍልጠቶም ይህቡን ኣለው። ተጋዳላይ ነጋሽ ሃይለ ንኣብነት " ኤርትራ ካብ ዘፍረየቶም ብሉጻት ደቃ ንተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ስኢና። ንሱ ብርሃን ሃገር ከምጽእ ካብ ቅሮራ ክሳብ እምባሶይራ ካብ ኦምሓጀር ክሳብ ሰምሃር ማይ ኣጣል ንዕስራ ዓመት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ኣሰር ገዲፉ። ኣድሓኖም ፍሉይ መለለይ ነይሩዎ - ለይቲ ፋኑስ ኣብሪሁ መጽሓፍ ከንብብ ዝሓድር ፍልጠት ዝሃርፍ ንብጾቱ ዘንቅሕን ንኹሉ ዘኽብርን ምቕሉልን ዓቃልን ነበረ" ክብል ይገልጾ።

እቲ ካብ ንእስነቱ፡ ክቱር ፍቕሪ ትምህርቲ ዝነበሮን ኣብ ትምህርቱ ብዝምስገን ነጥብን ምክትታልን ዝስጉም ዝነበረ ኣድሓኖም ከምቲ ነጋሽ ሃይለ ዝበሎ ሓደ ካብቶም መጻሕፍቲ ብምንባብ ብቐጻሊ ነብሶም ዘማዕብሉን ዝመራመሩን ሰባት እዩ ነይሩ።

"ኣብ ጽንኩር ኩነታት እውን እንተኾነ ኣድሓኖም ንነብሱን ብጾቱን መፋሕፈቲ ብምንባብ ዓቕሞም ከዕብዩ ዘይስልክዩ መምህር እዩ ነይሩ። ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ከቢድ ኵናት ኣድሓኖም ከም መሐደስን መዘናግዕን ዝርእዮ ነገር እንተነይሩ መጻሕፍቲ እዩ" ክብል ካብ ነዊሕ ዝፈልጦ ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ ይዛረብ።

ኣድሓኖም ኣብ ተጋደልቲ ዝርአ ፍልልያት ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ከምዝነበሮን ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓዲድ ምስ ወጽአ ምስ ብጾቱ " ዓገብ" ብምባል ነገራት ክዕረን ክመዓራረን ካብ ዝጸውዑ ነባራት ተጋደልቲ ኤርትራ ሓደ እዩ።ገዲም ተጋዳላይ 70ታት ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብሃንደበታዊ ሕማም ትማሊ 19 ለካቲት 2021 ኣብ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓሪፉ።