ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ 'ክሳብ ሕጂ ንህይወተይ ዝሃደነ ናይ ዕርቃን ስእሊ'

ዛራ

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ናይ ነብሰ ቕትለት ትሕዝቶ ኣለዎ።

"ሰብ ክፈትወኒ'የ ዝደሊ ነይረ። ዚያዳ ህብብቲ ክኸውን ኢለ ዝገበርኩዎ ብግልባጡ ኮይኑኒ" ትብል ራታ ማርደርሞቲ።

ኾኸብ ምድላው 'ላቭ ኣይላንድ' ዝነበረት ዛራ፡ ጓል 14 ዓመት እንከላ ኣትሒዙ ኣብ ህይወታ እናሰረጸ ብዛዕባ ዝመጽአ ኣዝዩ ዘፍርሕ ግዜ ትዛረብ።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ጥራሓ እንከላ ዘላቶ ስእሊ ክትልእኸሉ ኣገዲዱዋ።

እዋን ትምህርቲ ንዛራ ሓጎስ ዘስተማቐረትሉ ኣይነበረን።

ታህዲድ ይበጽሓን ብሕታውነት ይስምዓን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ወዲ ተባዕታይ እንተፈቲዩዋ ኣብ ሞንጎ መማህርታ ጠጠው እትብለሉ ማሕበራዊ መስተጻምር ክፈጥረለይ'ዩ ዝብል ግምት ኣሕዲራ።

እንተኾነ እቲ ወዲ፡ ነቲ ዝልኣኸትሉ ስእሊ ኣብ ሙሉእ እቲ ቤት ትምህርቲ ክዝርጋሕ ብምግባሩ፡ ነገራት ልዕሊ ትጽቢታ ኮይኖም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይዱ።

"እዚ ጉዳይ ኣብ ህይወተይ ኣገዳሲ ኣብ ዝብሎ ግዜ'ዩ ተኸሲቱ። መን ምዃንካ ኣብ እትፈልጠሉን እትባጽሐሉን ክሊ ዕድመ ዘጋጠመ ስለ ዝኾነ፡ ስለ ምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኣይርድአንን" ትብል።

ወሲኻ፡ "በዚ ምኽንያት ናይ ህይወተይ ጸልማት ግዜ ነይረ፤ ንርእሰይ ንብዙሕ እዋን ዓጽየ። እቲ ስእሊ ክዘውር ምስጀመረ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣዝየ ተጎዲአ። ብስርዓት ኣይበርልዕን፣ ኣይድቅስን ነይረ። ነፍሰ-ቕትለት ኣብ ዝፍጽመሉ ደረጃ በጺሐ'የ። ብምኽንያት እታ ስእሊ ክሳብ ሕጂ ይጉዳእ ኣለኹ ኢለ'የ ዝሓስብ" ኢላ።

ዛራ ማክደርሞቲ፡ 'ላቭ አይላንድ' ኣብ ዝተባህለ ናይ ዴይቲንግ መተግበሪ ተወዳደርቲ ኮይነን ካብ ሞንጎ ዝቐርባ ደቂ ኣንስትዮ'ያ ነይራ።

እቲ ተመሃሪት ኮይና ዝገጠማ ክሕደት መሊሱ ጓል 21 ዓመት ምስ ኮነት'ውን ኣብ ህይወታ ተኸቲሱ።

እዚ ብ2018፡ ኣብቲ ውድድር ምስ ቀረበት ኮይኑ፡ ዝኣመነቶ ግን ደጊሙ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣሳእል ጎዲኡዋ።

እዚኦም ብማሕበራዊ መራኸቢ ዋትሳፕ ናብ ዝተፈላለዩ ተጠቀምቲ ክልኣኹ እንከለው፡ ዛራ እትፈልጦ ነገር ኣይነበረን።

እቲ ምድላው ወዲኣ ምስ ወጽአት ግን፡ ጋዜጠኛታት ናብ ሆቴላ ከቢቦም ብዛዕባ እቲ ብፍጥነት ዝዝርጋሕ ዘሎ ስእሊ ይሓቱዋ።

ኣብዚ ሰዓት፡ ዝተሓተመ ዜና'ውን ነይሩ።

"ሽዑ ዝነበረ ስምዒት ክገልጾ'ውን ኣይክእልን፤ ስድራኻ ብሰንክኻ ክሓንኩ ከለው ዝህሉ ስምዒት ግን ከቢድ'ዩ። ዳግማይ ከመይ ገይሮም'ዮም ክርእዩኒ? ኣዝዩ ዘሕፍር ነይሩ። ሞት ተመንየ"።

ዛራ፡ እቲ ቅድሚ ኣብ ምርኢት 'ላቭ ኣይላንድ' ምቕራባ እትረኽቦ ዝነበረ ሰብ፡ ነቶም ናይ ዕርቃን ስእልታት ከም ዝዘርግሖም ትኣምን።

ናይ ቀረባ መሓዝኣ ብዋትሳፕ ክትሓቶ እንከላ ግን ክሒዱ።

ሓደ ግዜ ጥራይ ኣይኮነን ክልተ ሻዕ ኣብ ናይ ውልቂ ህይወታ ዝነበሩ ኣጋጣሚታት ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ኣደባባይ ክወጽኡ ከለው፡ ዛራ ክትጉዳእ ግድን'ዩ፤ ሓዚና።

በቶም ነቲ ስእሊ ዝዘርግሑ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ንዕኡ ስዒቡ ብዝወሃቡ ዝነበሩ ርኢይቶታት፣ ታህዲዳትን ነቐፌታታትን ልባ ተሰይሩ።

ብዛዕብኡ ዝመስሎም ዝነበሩ ኩሎም፡ እዚ ስእሊ ካብ ፍቓዳ ወጻኢ ይዝርጋሕ ምህላው ዘይፈልጡ ዘበሉ'ዮም።

ሰብ ከምኡ ዘይገብር ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ክርእዮም እንከሎ "ነውሪ'ዩ" ኡሉ ስለ ዝሓስብ'ዩ እትብል ዛራ፡ "እቲ ጸገም ንምንታይ'ያ ከምኡ ገይራ ክብሉኻ ከለው'ዩ" ትብል።

"ብዛዕባኣ ኣብ ዝተጻሕፈ ዛንታ ዝወሃቡ ዝነበሩ ርኢይቶታት የንብብ ነይረ፤ ጥራሕ ክዳና ኮይና ምስ ካልእ ሰብ ምርኣይ ሕነ ትፈዲ ዘላ መሲሉዋ ድዩ ዝብሉ ነይሮም። ፈጺሞም ግን እቲ ጉዳይ ኣይተረድኡዎን። ኣነ ዝተበደልኩን ዝተጠለምኩን'የ፤ ዝኾነ ሰብ ነቲ ሕጊ ጥሒሱ ዝገበሮም'ዮም" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, BBC THREE

መግለጺ ስእሊ,

ዛራ ምስ ፍቕኝኣ ሳም

ከም ጸብጻብ ኣብ ዙርያ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝሰርሕ ገባሪ ሰናይ ሴፍላይን፡ ጎራዙን ኣብ መፋርቕ ዕስራታት ዝርከባ ብብዝሒ ግዳያት ናይ ዕርቃን ስእልታትን ምስልታትን ብምጥቃዕ ዝበጽሑ ጾታዊ መጥቃዕታት ከም ዝኾና ይገልጽ።

ኮሌ ኣብ ሓደ እዋን፡ ካብ ስርሓ ናብ ገዝኣ እናተመለሰት እንከላ ካብ ዘይትፈልጦ ሰብ ብስናፕቻት መልእኽቲ ይበጽሓ።

እቲ ዝበጽሓ መልእኽቲ ክትከፍቶ እንከላ ዕርቃና ኮይና ዘርኢ ምዃኑ ምስርኣየት ትስንብድ።

በዚ ኣየእኸለን፡ ካልእ ተወሳኺ ስእሊ እንተዘይልኢኻትሉ እቲ ዘለዎ ናብ ኩሉ ከም ዘባጽሖ ዘፈራርሕ መልእኽቲ'ውን ሰዲዱላ።

እዚ ዘየለለየቶ ሰብ፡ ምስ ኣፍቃሪኣ እናሃለወት ጥራሕ እትፈልጦም ስእልታት ክሰደላ ቀጺሉ።

ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ግን ካብ መሓዝኣ ስልኪ ተደዊሉዋ።

"ኣብ ኢንስተግራምኪ እንታይ ዓይነት ስእሊ ኢኺ ጠቂዕኺ?" ብምባል ትሓታ።

ኮሌ'ውን፡ እቲ ዝተሃራረም ዝነበረ ናይ ቀደም ኣፍቃሪኣ መሕለፊ ቑጽሪ ናይ ኢንስተግራማ ተጠቒሙ ነቶም ስእልታት ይጥቅዖም ከም ዘሎ ትሕብራ።

"ሽዑ ስድራይ ወይ መሓዙተይ እንተርኣዩዎኸ እየ ኢለ። ከምኡ እናበለ ናብ ኩሉ ክበጽሕ'ዩ፤ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ'ውን በጺሑ ካብ ስርሐይ ከስጉጎኒ'ዩ ኢለ ፈሪሐ" ትብል።

በዚ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ስንባደ ንስድርኣ ከተረድኦም ከም ዝተጸገመት እናነብዐት ትዛረብ።

"እቲ ኩነታት ኣብ ዝተፈጥረሉ መዓልቲ ናብ ገዛ ከይደ በይነይ ከም ዝነበርኩ ይዝክር። 'ትርጉም ህይወት እንታይ'ዩ'? ኢለ ክሓስብ ጀሚረ። ዳግም ንሰብ ከመይ ኢለ'የ ክኣምን? እናበልኩ ዝሓልፍ'ውን ኣይመሰለንን። ናይ ህይወተይ ኣዝዩ ጸልማት እዋን ነይሩ። ዘይረብሕ ሰብ መሲሉ ስለ ዝተሰምዓኒ ንነብሰይ ክጎድኣ'ውን ይሓስብ ነይረ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, PIXABAY

ሕጊ ኣሎ'ዶ?

ካብ ፍቓድ ዝኾነ ሰብ ወጻኢ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ምሕዝነት ዝለዓሉ ስእልታት ወይ ቪድዮታት ምጥቃዕ እሞ ድማ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ውልቀሰብ ንምጉዳእን ንክሓፍንን ብዝብል ዝወጽኡ ኮይኖም እንተተረኺቦም ገበን'ዩ።

እዚ ክሳብ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ የቕጽዕ።

ይኹን'ምበር እዞም ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ጉዳያት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪብካ ክተረጋግጾም ዘይክኣል ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ኮነ ግቡእ ቅጽዓት ክወሃብ ኣብ ምግባር ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።

እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳያት ኮይኖም ዝርከቡ ሰባት ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘስዕብ ክግለጽ እንከሎ፡ ክሳብ ነፍሰ-ቕትለት ዝበጽሕ ከም ዝኾነ ይሕበር።

እንተኾነ፡ እቶም ተግባራት ሕጂ'ውን ብዝለዓለ ቑጽሪ ይውስኹ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።

'ገበነኛ ዝኾንኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ'

ኮሌ፡ እቲ ኣፍቃሪኣ ዝነበረ ናብ ፖሊስ ጠቚማቶ።

እንተኾነ፡ እቲ ወዲ ንክኽሰስ ጸቕጢ ትገብር እንተኾይና ትሕቲ 18 ዓመት ስለ ዝነበረት ብምኽንያት ዕድሚኣ ንርእሳ ኣብ ጸገም ክትኣቱ ምዃና እቶም ፖሊስ ኣጠንቂቖምዋ።

"እቲ ጸገም ናይ ባዕለይ ምዃኑ ተሰሚዑኒ፤ ባዕለይ'የ ልኢኸሉ ስለዚ እቲ ገበን ናይ ርእሰይ ኮይኑ" ትብል።

በዚ ምኽንያት ንርእሳ ትወቅስ ስለ ዝነበረት፡ ንጸገም ጥዕና ኣእምሮ ተቓሊዓ።

ልክዕ ከም ኮሌ ዛራ'ውን ጓል 14 ዓመት እናሃለወት ብዘጋጠመ ኩነታት ንርእሳ ትጸልእ ነይራ።

ኣብ ክንዲ እቲ ነዚ ስእሊ ዝዘርግሐ ሰብ ንሳ እያ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጓ።

"ኣነ 'ገበነኛ' ክኸውን ስለ ዝተፈረድኩ ንርእሰይ ብምንታይ ክሕግዞ ይኽእል ዝብል ይሓስብ ነይረ። ሰባት ንርእሶም ብዘጋጠሞም ነገር ተሓተትቲ'ዮም ዝኾኑ። በዚ ምኽንያት ሓገዝ ዘይኮንካ ትምሕጸን ንርእስኻ ኢኻ ትነቅፍ" ኢላ።

እዚ ሓደ መልክዕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ተገይሩ ክውሰድ ከም ዘለዎን ግዳያት ንተወሳኺ ጸቕጢ ስነ ኣእምሮን ካልእን ተቓላዕቲ ካብ ምዃን ንምድሓን ኣቓልቦ ክግበረሉ ተሓለቕቲ ይምዕዱ።