ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ 'ሓደጋ ጥምየት ንምክልኻል 100 ሚልዮን ዶላር የድሊ' ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብምኽንያት እቲ ግጭት ኣስታት ክልተ ሚሊየን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም
ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ብውሕዱ 100 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ንለገስቲ ወገናት ኣብ ዘውጽኦ መጸዋዕታ፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣጠንቂቑ።
ሓይልታት ፌደራል ንመራሕቲ ትግራይ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት ካብ ስልጣኖም ደፊኦም ምስ ኣውጽኡዎም ዝበዝሕ ክፋል እቲ ክልል ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ተበጻሒ ኮይኑ ከም ዘይጸንሐ ይግለጽ።
ኣብዚ ሰሙን ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ሚዲያታትን ናብ ትግራይ ክጉዓዙን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ክዕዘቡን ከም ዘፍቀደ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ክሳብ ሕጂ ዋላ'ውን ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዘይተቐበሉዎ፡ ብርክት ዝበሉ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ሓደጋ ጥምየት የንጸላሉ ኣሎ ክብሉ ከጠንቅቑ ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ዓቐን እቲ ዘሎ ጠለብ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ክልል ኣስታት 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥርን ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።
ዓለማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ ሓያሎ ህዝቢ ተጸባዪ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾነ ገሊጹ'ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ምስ ካልኦት ዘይምንግታውን ትካል ብምዃን ነቶም በቲ ጎንጺ ተመዛቢሎም ዘለው ዘድሊ ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ይገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ኾይኖም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ጎንጺ
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ፌዴራል መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2020፡ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ነጺጉ፡ 'ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ' ብምባል ኣብቲ ንሱ ዘማሕድሮ ክልል መረጻ ክካየድ ገይሩ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን፡ ፌዴራል መንግስቲ "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ህወሓት፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
ዋላ'ኳ መንግስቲ እቲ ወታሃደራዊ ስርሒታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብዓወት ከም ዝተዛዘመ እንተተገልጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓሓሊፉ ጎንጺ ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ።
ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ገጠራትን ከተማታትን "ቅልውላዉ" ይፈጥሩ ምህላዎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም ነይሮም።