ኮቪድ-19፡ ኣይቬሪኮስት ካልአይቲ ተቐባሊት ብኮቫክስ ዝመቓራሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኮይና

ኣይቬሪኮስት ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ክታበት ኮቫክስ ዝረኸበት ሃገር ኮይና

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣይቮሪኮስት፡ ንጋና ስዒባ ካልአይቲ ብዓለምለኻዊ ፕሮግራም ምክፍፋል ክታበት ኮቫክስ ዝበጽሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝረኸበት ሃገር ኮይና'ላ።

ኮቫክስ ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታማት ሃገራትን ነቲ ክታበት ንምዕዳግ ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራትን ንዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ዝተጣየሰ ፕሮግራም እዩ።

እቲ ፕሮግራም ክሳዕ መወዳእታ ዓመተ 2021፡ ክልተ ቢልዮን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ከቕርብ ወጢኑ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣይቮሪኮስት ኣብ ህንዲ ዝፈረየ ፍርቂ ሚልዮን ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ተቐቢላ ኣላ።

ሚኒስትር ጥዕና ኡግኔ ኣካ ነቲ ክታበት ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቅላስ ዝግበር ጻዕሪ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

"እዚ ለበዳ ኣብ መላእ ዓለም ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡ'ዩ፤ ኣይቮሪኮስት ካብዚ ዝተፈለየት ኣይኮነትን። ልዕሊ 32 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 188 ከኣ ሞይቶም። ኣዝዩ'ዩ ዘሕዝን" ኢሉ።

ኣይቮሪኮስት፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚራ ንሰራሕተኛታት ጥዕና፣ መመሃራንን ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ቀዳምነት ሂባ ምኽታብ ክትጅምር'ያ።