ኣመሪካ፡ ልኡል ስዑዲ ዓረብ ንቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ

ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ እቲ ብ2018 ዝተፈጸመ ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ከም ዘጽደቐ ሓደ ጸብጻብ ስለያ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እዚ ብምምሕዳር ባይደን ዕላዊ ዝተገብረ ጸብጻብ፡ እቲ ልኡል ጋዜጠኛ ካሾጊ "ንክትሓዝ ወይ'ውን ንክቕተል" ዝወጽአ መደብ ኣጽዲቑ ይብል።

"ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተፈጸመ ስርሒት ክትሓዝ ወይ ክቕተል መምርሒ ከም ዘጽደቐ ግምት ኣለና" ኢሉ ዳይሬክተር ስለያ ኣመሪካ።

እቲ ጸብጻብ፡ ልኡል ስዑዲ እቲ ስርሒት ኣጽዲቑ'ዩ ዝበለለሎም ሰለስተ ምኽንያታት ክዝርዝር እንከሎ፥

  • ካብ 2017 ጀሚሩ ንሙሉእ ውሳነታት እታ ሃገር ምቁጽጻሩ
  • ሓደ ካብ ኣማኸርቱ ከምኡ ድማ ሓለወቱን ኣብቲ ስርሒት ኢድ ስለ ዝነበሮ
  • "ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተቓወምቱ ኣፍ ንምትሓዝ ዝውሰዱ ስጉምታት ዓመጽ ምድጋፉ" ዝብሉ'ዮም።

ስዑዲ ዓረብ ግን፤ "ኣሉታዊ፣ ግጉይን ተቐባልነት ዘይብሉን" ክትብል ነቲ ጸብጻብ ነጺጋቶ።

ተቓዋሚ ወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝዀነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጥ ጀማል ካሾጊ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2018 እዩ ኣብ ከተማ እስታንቡል ናብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ-ዓረብ ክኣቱ ንመጨረሻ ግዜ ተራእዩ።

ትካላት ስለያ ኣመሪካን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብን፡ እቲ ቅትለት ብትእዛዝ ልኡል መሓመድ ቢን ሳላማን ዝተፈጸመ ከይኰነ ከም ዘይተርፍ ዘመልክት ሓበሬታ'ኳ ክህቡ እንተጸንሑ፡ መንግስቲ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ግን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ።

እዚ ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ንስድራ እቲ ንግስነት ናይ ቀረባ ሰብን ዝነበረ ወዲ 59 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ብ2017 ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ኣመሪካ ክነብር ጀሚሩ ነይሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ሓደ ዓምዲ ሒዙ ንፖሊሲታት ልኡል መሓመድ ዝነቕፉ ጽሑፋት ወርሓዊ ክጽሕፍ ጸኒሑ።

ሰብ መዚ ስዑዲ እቲ ቅትለት ነቲ ጋዜጠኛ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ክመልሱዎ ብዝተልኣኹ ጉጅለ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ክኹንኑዎ ጸኒሖም።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር'ውን ኣብ መስከረም 2019 ሓሙሽተ ገበነኛታት ኮይኖም ረኺበዮም'የ ንዝበሎ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ን20 ዓመት ክእሰሩ ፈሪዱ።

ንቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ጠሚቱ ድሕሪ ዝወጽአ ጸብጻብ ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ቢሊከን "እገዳ ካሾግጂ" ዝሰመዮ ስጉምቲ ምኽልኻል ጉዕዞ ዕላዊ ገይሩ።

እዚኦም "ብቐጥታ ብሕግታት እታ ሃገር ኣብ ዘይፍቀዱ ተጻረርቲ ተግባራት ዝሳተፉ ዝነበሩ" ምዃኖም ብምግላጽ፡ "ንተቓወምቲ ዒላማ ዝገበሩ ገበናት ዝፍጽሙ ገበነኛታት ኣብ መሬት ኣመሪካ ክበጽሑ ክፍቀደሎም ኣይግባእን" ብምባል ኣጠንቂቑ።

ብተወሳኺ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ፡ ንሓደ ካብ ቐረባ ተሓጋገዝቲ እቲ ልኡል ዝኾነ ምኽትል ስለያ ዝነበረ ኣሕመድ ኣሲሪን ሓደ ኣብ ቕትለት ካሾጊ ዝተሳተፈ ሓላዊ እቲ ልኡልን ኣጊዱ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዓለም እታ ዝለዓለ ነዳዲ እተቕርብን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘላ ቐንዲ መሓዛ ኣመሪካን እያ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕግን ስዑዲ ዓረብ ጽኑዕ መርገጺ ክወስድ ትጽቢት ይግበር።

ብሓሙስ ምስ ንጉስ ሰልማን ብቴሌፎን ኣብ ዝነበሮ ዘተ'ውን "ኣመሪካ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕግን ዘለዋ ተገዳስነት ኣረጋጊጽሉ'ዩ" ክብል ዋይት ሃውስ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ምምሕዳር ባይደን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ስምምዕ መሸጣ ኣጽዋር ክስርዞ መደብ ከም ዘለዎ ሮይተርስ ጸብጺቡ።