ኣብ ሃይቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም

ኣብ ሃይቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ልዕሊ 400 እሱራት ኣብ ርእሰ ከተማ ሃይቲ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጦም።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም ዝበሉዎ፡ ብሓሙስ ካብቲ ክሮስ -ደስ-ቦኩተስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረ ህድማ ንዳይሬክተር እቲ ቤት ማእሰርቲ ሓዊሱ 25 ሰባት ምሟቶም ገሊጾም።

በቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ግዳያት ሞት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሰባት፡ ነቲ ኩነታት ዝዕዘቡ ዝነበሩ'ውን ከም ዝርከቡዎም ሰብ መዚ ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ዝሃደሙ እሱራት ኣርኔል ጆሴፍ ዝተባህለ መራሒ ሓያል ጉጅለ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰዓታት ተቐቲሉ።

ጆሴፍ፡ ኣብ እግሩ ዝነበረ ሸንሸል ቤት ማእሰርቲ ከይተፈትሐ ብሞተርሳይክል ክጉዓዝ ጸኒሑ ኣብ ነቝጣ መቆጻጸሪ ክበጽሕ እንከሎ ግን ጠጠው ክብል ከም ዝተገብረ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ጋሪ ደስሮሲረስ ተዛሪቡ።

እንተኾነ እታ ሞተር ሳይክል ጠጠው ከየበለ ንሓደ ካብቶም ጠጠው ክብል ምልክት ዘርኣዩዎ ኣካላት ጸጥታ ተኲሱ ከም ዘቑሰሎ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

ጆሴፍ ኣብ ሃይቲ ኣዝዩ ዝድለ መራሒ ጉጅለ ስርቂ ኮይኑ ብ2019 ተኣሲሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቶም እሱራት ብኸመይ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ክኢሎም ብዛዕባ ዝብል ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

መሰኻኽር ዓይኒ ግን፡ ብሓሙስ ተኲስን ረብሻን ከም ዝሰምዑን ድሕሪኡ እሱራት ክሃድሙ ከም ዝርኣዩን ሓቢሮም።

ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድኳን መሸጢ ክዳን ዝነበራ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቶም ዝሃደሙ እሱራት ኣቕሓ ክህቡዎም የገዱዱ ከም ዝነበሩ ተዛሪባ።

ቤት ማእሰርቲ ክሮክስ-ደስ-ቦኴት ብ2012 ዝተኸፍተን 872 እሱራት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎን ከም ዝኾነ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ሚኒስትር ኮሚዩኒኬሽን ሃይቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቶም እሱራት ቅድሚ ምውጽኦም ልዕሊ 1500 ሰባት ሒዙ ምንባሩ ገሊጹ።

"ዳይሬክተር እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ፖል ሄክተር ጆሴፍን ሽዱሽተ እሱራትን ዝርከቡዎም 26 ሰባት ሞይቶም'ዮም። ካብዚኦም፡ በቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ እሱራት ዝተቐትሉ ሰላማውያን ዜጋታት ይርከቡዎም" ኢሉ።

ኣብ ሃገራት ካሪቢያን ኣዝያ ድኻ ዝኾነት ሃይቲ፡ ቅድም ኢሉ'ውን ብብዝሒ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ዝወጽኡላ እያ።

ብ2019፡ ኣብ ደቡብ ሃይቲ ዝነበሩ 78 እሱራት ሃዲሞም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት'ውን፡ ልዕሊ 170 እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ወጸኦም።