ኣብ ካርቱም ተደራራቢ ጸገም ይበጽሐና ኣሎ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, ABDULMONAM EASSA
ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ ብገንዘቦም ነዳዲ ኮነ ሕብስቲ ክዕድጉ ከም ዝተኸልኸሉን ኣብ ጸገም ከም ዘለውን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ትካል ስደተኛታት ዝሃቦም ወረቐት ሒዞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ከተማ ዝነበሩ'ኳ እንተኾኑ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ግን የንገላትዖም ከም ዘሎ ገሊጾም።
እዞም ስደተኛታት ከም ዝብሉዎ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብጉዳይ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ መሬት ናብ ምፍጣጥ ምስ ኣተዋ፡ ኣብ ስግኣት ውሽጢ ኮይኖም ይነብሩ ኣለው።
ፖሊስ እታ ሃገር ዘብጽሓሎም በደል ብምጥቃስ ንሕቶና መልሲ ኣይተዋህበናን ዝብሉ እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ቀጽሪ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኤንኤችሲኣር] ንሰለስተ ወርሒ ምስ ጸንሑ ብመኪና ተወሲዶም ኣብ ሐዓደ ጉሓፍ እታ ከተማ ዝድፍኣሉ ከባቢ ክጸንሑ ከም ዝተገብረ ይዛረቡ።
ብተወሳኺ እቲ ዝነብርሉ ከባቢ ካብ ካርቱም ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ድሕሪ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪቃ ኢንተርናሽናል ዝርከብ'ዩ ኢሎም።
ኣብቲ ቦታ ልዕሊ 700 መራሕቲ ስድራ ከም ዝርከቡ ብምግላጽ፡ ዜጋታት ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።
ብምኽንያት እቲ ዝገጥሞም ዘሎ ጸገማት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዚያዳ ተቓላዕቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።
እዞም ስደተኛታት ዝተማልአ ሰነድ ስደተኛ ከም ዘለዎም'ኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን ፖሊስ ዝተፈላለየ ግህሰት መሰላት ከም ዘብጽሐሎም ይዛረቡ።
ምስ ደቃ ትጽገም ከም ዘላ ዝገለጸት ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑት ወይዘሮ ኩለኒ በየነ፡ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ኣብ ሱዳን ከም ዝተቐመጠት ሓቢራ።
ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ብምኽንያት እቲ ኣብ ዶብ ዝዋጠጣሉ ዘለዋ ዋንነት መሬት ናብ ጎንጺ ምስ ኣተዋ፡ እቲ ዝበጽሐና ጸገም ወሲኹ ትብል።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ኣደ ሸውዓተ ቆልዑ ወይዘሮ የሺ ከበደ ብወገና፡ "ደቀይ ሒዘ ይጽገም ኣለኹ፤ በዓል ቤተይ ጥራሕ እዩ ዝሰርሕ፤ ቆልዑት ሒዝና ንጽገም ኣለና" ኢላ።
ኣቶ ሳሙኤል ዮውሃንስ ዝተባህለ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ከሰላ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ንሽዱሽተ ዓመት ምስ ጸንሐ ናብ ካርቱም ኣትዩ ንነዊሕ ዓመታት ክነብር'ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ከም ዝተጸገመ ይዛረብ።
"ምሸት ፖሊስ መጺኦም ብመካይን ጽዒኖም ካብታ ከተማ ኣውጺኦም ናይ ካርቱም ጎሓፍ ኣብ ዝድርበየሉ ከባቢ ደርብዮምና ተመሊሶም። እንዕቆበሉ የብልናን፣ ዝወሃበና ድጋፍ የለን" ኢሉ።
ወሲኹ "ሕብስቲ ክንዕድግ ሪጋ ኣብ እንሕዘሉ እዋን ካብቲ ሪጋ የውጽኡና፤ ነዳዲ ኣይህቡናን። እቲ ዶባዊ ጎንጺ ምስተላዕለ ከኣ ኣብ መኪና እንተረኺቦምና'ውን ካብ መኪና የውርዱና" ይብል ኣቶ ዩውሃንስ።
ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ አትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ከም ዝፈልጦ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝበጽሕ በደል ብኣፍልጦ መንግስቲ ዝፍጸም'ኳ እንተዘይኮነ "ብውሽጢ ውሽጢ ግን ጉድኣት ይበጽሖም ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና" ይብል።
ሓላፊ ጉዳያት ዳያስፖራ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሚካኤል ጦብያስ፡ እቲ ዝብሃል ጸገም መንግስቲ እታ ሃገር ክፈልጦ ገይሮም መፍትሒ ክርከብ ይሰርሑ ከም ዘለው ተዛሪቡ።
ፖሊስ ሱዳን'ውን ኣብ ልዕሊ መሰል እዞም ስደተኛታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ከም ዘሎ ብምግላጽ 'ደፊርና ከይንሓትት ወይ ከይንካታዕ መብዛሕትኦም ብዘይሕጋዊ መገዲ ምእታዎም' ከም ዘጸገመሎም ሓቢሩ።
መስርሕ ኣወሃህባ ፍትሕን ፍርድን እታ ሃገር'ውን ደኹም ስለ ዝኾነ፡ ፖሊስ ብዝህቦ መረዳእታን ቃልን ጥራሕ ፍርዲ ክወሃብ ከም ዝጸንሐ ወሲኹ ኣረዲኡ።
በዚ ምኽንያት ብዙሓት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ኣቶ ሚካኤል ተዛሪቡ።
"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ በዚ መገዲ 220 ሰባት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተገይሩ፤ ካልኦት ድማ ብዘይፍቓድ ስራሕ ሰሪሕኩም ተባሂሎም ፖሊስ ክቐጽዖም ጸኒሑ" ኢሉ።
ኣቶ ሚካኤል ከም ዝብሎ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኮነ ካልኦት ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከለው እቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሕሉ ኩነታት ጥዕናን መግብን ጸገም ኣለዎ።
ስግኣት እቶም ስደተኛታት እናወሰኸ ዝመጽአሉ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ ቑጠባ እታ ሃገር ብምድኻሙ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ብምህላው ሕጽረት ቀረብ ነዳድን ሕብስትን ከም ዘጋጠመ ገሊጹ።
ብወተሳኺ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ 'ኣብ ዶብ ዜጋታትና ትቐትሉ ኣለኹም፤ ኣብዚ ድማ ሕብስትና ትበልዑ ኣለኹም' ብማለት ጸቕጢ ከም ዝበጽሖም ይዛረብ።
ኣብዚ ሰሙን ስደተኛታት ዝጽዓና ብውሑድ 10 ኣውቶብሳት ብመተማ ኣቢለን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለሳ ኣቶ ሚካኤል ሓቢሩ።
ንጉዳይ እዞም ስደተኛታት ዝምልከት መልሲ ዩኤንኤችሲኣር ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይሰመረን።