ካሜሩን፡ ወተሃደራት 'ሕነ ንምፍዳይ ደቂ ኣንስተይቲ ዓሚጾም' ሂዩማን ራይትስ ዎች

ወተሃደራት ካሜሩን 'ሕነ ንምፍዳይ ጓል ኣንስተይቲ ዓሚጾም'

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ወተሃደራት መንግስቲ ካሜሩን ሕነ ናይ ምፍዳይ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ተጣባቒ ጉጅለ ከሲሱ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ተነጸልቲ ወገናት ዝንቀሳቐስሉ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር'ዩ ተፈጺሙ። እቶም ወተሃደራት ብውሕዱ 20 ደቂኣንስትዮ ከምዝተጋሰሱ እቲ ጉጅለ ጠቒሱ።

እዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት ሰራዊት ካሜሩን ዝኸፍአ ግፍዒ ዝፈጸምሉ ከባቢ ከም ዝኾነ እቲ ተሓላቒ መሰላት ጠቒሱ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ተነጽሎን ስግኣት ድሕነትን ፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዘይተዛረበሉ ብምሕባር፡ "ድሕሪ ሓደ ዓመት እተን ግዳያት ፍትሒ ጸሚአን፡ እቶም ጾታዊ ዓመጽ ዘብጽሑለን ሰባት ብናጽነት ክኸዱ እናርኣያ ይነብራ ኣለዋ" ኢሉ።

እቲ ትካል ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ግዳያትን ሓካይምን ቃለ መሕተት ብምግባር ነዚ መርመራ ከም ዘካየደ ሓቢሩ።

እቶም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ልዕሊ 50 ወተሃደራት ናብታ ኢባም ዝተባህለት ዓዲ ብእግሪ ኣትዮም ብሓደ መጋቢት 2020 ኣስታት 75 ኣባይቲ ብሓይሊ ሰይሮም ኢሎም።

እዚኦም፡ ንደቂተባዕትዮ ገፊፎም ክወስዱዎም እንከለው፡ ኣርባዕተ ጉድኣት ኣካል ንዝርከብአን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ዓሚጾምወን ይብል ሂዩማን ራይትስ ዎች።

ብርክት ዝበሉ ደቂ ተባዕትዮ ተኣሲሮምን ተሃሪሞምን እዮም ዝበለ እቲ ትካል፡ ሓደ ወዲ 34 ዓመት ሰብኣይ ብወተሃደራት ኣብ ጫካ ከም ዝተቐትለ ገሊጹ።

"ሓሙሽተ ገጾም ዝተሸፈኑ ወተሃደራት ናብ ገዛይ ኣትዮም" ኢላ ሓንቲ ጓል 40 ሰበይቲ።

"ጸልማት'ዩ ነይሩ፤ በይነይ'ውን ነይረ። ገዛይ ፈቲሾም ቴሌፎንን ገንዘብን ወሲዶም። ሓደ ካብኣቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑለይ። 'ምሳይ ጾታዊ ርክብ እንተዘይፈጺምኪ ክቐትለኪ'የ' ኢሉኒ። ዝኾነ ነገር ንምግባር ፈሪሐ። ምስ ዓመጸኒ፡ ናብ ጫካ ሃዲመ ክልተ ወርሒ ኣብኡ ተሓቢአ። ክሳብ ሕጂ'ዩ ዘሕምመን ዘጨንቐንን" ትብል።

ቃሎም ንሂዩማን ራይትስዎች ዝሃቡ መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ ነቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ትድግፉ ኣለኹም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝተፈጸመ ሕነ ምፍዳይ'ዩ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ካሜሩን ግን ነዚ ጸብጻብ ነጺጉዎ።

"ነዚ ጸብጻብ መልሲ ካብ ምሃብ ንላዕሊ እንሰርሖም ብዙሓት ስራሕቲ ኣለውና" ክብል ኮሎኔል ስሪል ኣቶንፋክ ንሮይተርስ መልሲ ሂቡ።

ተሓለቕቲ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ፡ እታ ሃገር ልዕልነት ተዛረብቲ ፈረንሳ ዝርኣየላ ሃገር'ያ ይብሉ።

ኣብ ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ምዕራብን ካሜሩን ብዝንቀሳቐሱ ተዋጋእቲ ሓይልታት ካብ 2016 ጀሚሩ ልዕሊ 3500 ሰባት ከም ዝሞቱ ሂዩማን ራይትስዎች ይግምት።

ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስትን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ።