ዶባዊ -ግጭት፡ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ብኢማራት ዓረብ ዝቐረበ እማመ ተቐቢላ

ብምክንያት ኲናት ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደደት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካቢነ ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ዶባዊ ግጭትን ውጥጥ ህንጸት ግድብ ሕዳሰን ንምሽምጋል ዘቕረበቶ እማመ ኣጽዲቑ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ግዝኣት (ዞባ) ገዳርፍን ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝኾነ ክልል ኣምሓራን ዘዳውብ ናይ ሕርሻ መሬት ዝርከቦ ኣል ፋሻጋ ዝተባህለ ቦታ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝሰሓሓባሉ ኮይኑ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣልዒሉ'ዩ።

ብሕጂ'ውን እቲ ወጥሪ ናብ ዝዓበየ ብርኪ ከይዓርግ ስግኣት ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዶባዊ ጎንጺ ምስ ሱዳን "ናብ ኲናት ክትኣቱ ድሌት የብላን" ኢሉ ነይሩ።

ሱዳን ብወገና፡ ነቲ ካብ ሚሊሻታት ኢትዮጵያ ዝመንዝዓቶ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ኣልፋሻጋ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዘይትመልስ መርገጺኣ ኣነጺራ ምጽንሓ ይዝከር።

ማዕከን ዜና ሱዳን: ሱና: ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ “ኣዛዚ መበል 2ይ ኣጋር ክፍለሰራዊት ሜጀር ጀነራል ሓይዳር ኣል-ጢራይፊ፡ ሱዳን ስድሪ ናይቲ መሬታ ዝኾነ ኣልፋሻጋ ከምዘይትህብ ብምርግጋጽ” ምኽታብ ሓደስቲ ወታሃደራት ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ኢሉ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ክልቲአን ሃገራት ዘይተሰማምዓሉ ጉዳይ ህንጸት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ሞንጎኛታት ኮይኖም ከዘራርቡወን ዝገበሩዎ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዘጋጥም ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ ካልእ ባዕዳዊ ኣካል መዛተዪ ኮይኑ ክቐርብ የብሉን ዝብል ሞጎት ተቕርብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህንጸት እዚ ግድብ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ተኻፈልቲ ሩባ ናይል ዝኾና ግብጽን ሱዳንን ህንጸት እቲ ግድብ ተሰማሚዐናሉ ኣይፈልጣን።

ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሩባ ኣባይ [ኒል] ዝተመርኮሰ ህይወት ዘለዋ ግብጺ፡ እቲ ግድብ ንዋሕዚ ናይቲ ማይ ክዓግቶ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ህንጸት እቲ ግድብ ንሱዳን ካብ ሓደጋታት ዕልቕልቕን ውሑጅን ከምዝሕግዛ ሰብ ሞያ እንተተዛረቡ'ኳ፡ ምስ ግብጺ ወጊና ትርከብ።

ይኹን'ምበር፡ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ዘተ ክሰፍሕን ዓለምለኻዊ ሸምገልቲ ክሕወስዎን ብዕሊ ሓቲታ'ያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ናብ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናብ ሕብረት ኣውሮጳን ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ደብዳቢኡ፡ "ኣብ መንጎ ዝምልከተን ሃገራት ሓደ ገዛኢ ስምምዕ ከይተገብረ" ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ እቲ ግድብ ካልኣይ ብርኪ ናይ ምምላእ ትልሚ ኣለዋ ዝብል ቅሬታ ኣንጸባሪቑ እዩ።