ኣብ ሊብያ ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ ስልጣኑ ንግዝያዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣረኪቡ

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዕጡቃት ሓይልታት ስልጣኖም ኣረኪቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ንዝበዝሐ ክፋል ምብራቕ ሊብያ ከመሓድር ዝጸንሐ ዕጡቕ ጉጅለ ስልጣኑ ነቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ግዝያዊ መንግስቲ ከምዘረከበ ተገሊጹ።

እቲ ምርክኻብ ስልጣን ትማሊ ኣብታ ኣብ ሊብያ ካልኣይቲ ዝዓየት ከተማ ዝኾነት ከተማ ቤንጋዚ እዩ ተኻይዱ።

ከተማ ቤንጋዚ በቶም ዕጡቃት ጉጅለታት ክትመሓደር ዝጸንሓት ከተማ ኮይና ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ውዕል ግን እቲ ቆይሙ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር እዩ ከመሓድራ።

እዚ ሓድሽ ሃገራዊ ሓድነት ተሰምዩ ዘሎ መንግስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱል ሓሚድ ድባይባህ ዝምራሕ ኮይኑ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነትን ደገፍን ዘለዎ እዩ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱል ሓሚድ ድባይባህ ዝምራሕ መንግስቲ ነቶም ክልተ ንሊብያ ንምቁጽጻር ኵናት ከካይዱ ዝጸንሑ ሓይልታት ተኪኡን ወኪሉን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ይዝከር።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንዩኤል ማክሮን በቲ ኣብ ሊብያ ዝቖመ ሓዲሽ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተሰመዖ ሓጎስ ብምግላጽ ሃገሩ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ትሪፖሊ ኢምባሲ ከምእትኸፍት ኣፍሊጡ።

ፈረንሳ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ኢምባሲአ ኣብ ሊብያ ዝተጀመረ ኵናት ሓድሕድ ናብ መላእ እረታ ሃገምስ ለሓመ ኣብ 2014 ከምዝዓጸወቶ ይዝከር።

ሊብያ፡ እቲ ብኔቶ ዝድገፍ ኣብታ ሃገር ዝተለዓለ ናዕቢ ንመራሒ እታ ሃገር ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ሰልጣን ምስ ኣለዩ ርግኣት ዘይሰፈና ሃገር እያ ኮይና ጸኒሓ።