ግጭት ዝፈጠሮ ምትፍናን ኣካላት ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን

ኣርማ ሰልፊ ብልጽግና

ምንጪ ስእሊ, PP/FB

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ዘጋጠመ ጎንጺ ብዝምልከት ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሞ ዘውጽኦ መግለጺ ንህዝቢ ዘይምጥን እዩ ክብል ኣካሉ ዝኾነ ጨንፈር ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ነቒፉ።

ኣብቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝርከብ ከባቢ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተላዕለ ጎንጺ ሞት: ምዝንባልን ዕንወትን ኣስዒቡ ኣሎ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝተጠርነፉ ኣካላት ብልጽግና ክልቲአን ክልላት ክቃደው ኣይከኣሉን ዘለዉ።

ኣካል ናይቲ ብኣቦ መንበርነት ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ዝኾነ፡ ብልጽግና ኦሮሚያ መንቀሊ እቲ ጎንጺ "ሕሉፍነትን ፖለቲካዊ ውዲትን" እዩ ይብል።

"ዕጡቓት መንግስቲ ኣምሓራ፡ ዘይተዓጠቑ ሰባት፣ ዕርቂ ዝሰብኩ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ፣ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ጉድኣት በጺሑዎም ናብ ሆስፒታል ዝኸዱ ንጹሃት ሰባት ብምቕታል ገበን ኲናት ፈጺሞም'ዮም" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ኣምሓራ ብወገኑ፡ ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ጉድኣት ከይተነጸረ እንከሎ ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሚያ ዘውጽኦ መግለጺ "ዓርሱ ከሲሱ ዝፈርድ" ኮይኑ ኣሎ ይብል።

"እቲ መግለጺ ንዝርኣዮ ሰብ ፖለቲካ እዛ ሃገር ገና ኣብ ዝሕቱል መስርሕ ለውጢ ምህላው፣ ንህዝቢ ዘይምጥን፣ ካብ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ዝወረደ ምዃኑ የረጋግጽ" ድማ ኢሉ።

እቲ ጎንጺ ዝተፈጠረሉ ከባቢ ብዝምልከት "ዝተሓላለኸ ሓደጋ ዘለዎን ምንቅስቓስ ኦነግ ሸኔ ዝዓብለሎን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ብተደጋጋሚ ስጉምቲ ዝተወስዶም፣ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡን ብጽኑዕ ዝድለዩን ኣባላት ኦነግ ሸኔ ምህላዎም ሓድሽ ኣይኮነን" ብምባል ኣብቲ ከባቢ ሕቡእ ስልጠናን ኣወዳድባን ከም ዘሎ ገሊጹ።

ይኹን'ምበር፡ ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሚያ ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ኣብቲ ዞባ ዕጡቕ ኦነግ ሸኔ ከም ዘይንቀሳቐስ ብምግላጽ፡ "ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝበጽሐ ጉድኣት ካብ ህዝቢ ንምኽዋል ንኦነግ ሸኔ ምጥባቕ ቅቡል ኣይኮነን" ኢሉ ነይሩ።

መበገሲ እቲ ጎንጺ ብዝምልከት ብልጽግና ኣምሓራ ከም ዝብሎ፡ "ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ካብቲ ከባቢ ከም ዝተንቀሳቐሱ ዝተገንዘቡ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ብምቕታል" መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጀሚሮም ይብል።

"ከቢድ ዕጥቂ ዘለዎ "ሰራዊት ኦነግ ሸኔ ድማ ነቲ ከባቢ ብምውራር ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ብምብጻሕ ዝምታ ፈጺሙ'ዩ" ክብል ይኸስስ።

ክልቲኦም ወገናት ብልጽግና ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጸመ ግጭት ዘውጽኡዎ መግለጺ ምስቲ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝሃቦ መግለጺ ዝቃዶ ኣይኮነን።

ብልጽግና ኦሮሚያ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ድማ እዚ ክሲ ሓላፍነት ዝጎደሎን እቲ ጸገም ንምፍታሕ ሓጋዚ ዘይኮነን እዩ ብምባል ይነቕፎ።

በዚ ምኽንያት፡ "ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኦሮሚያ ዘውጽኦ መግለጺ ሚዛኑ ዘይሓለወ ታህዋኽ ዝበዝሖን ውግንና ዝስዓሮ ሓላፍነት ዝጎደሎን መግለጺ'ዩ ይብል ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኣምሓራ።

ንምዃኑ ጠንቂ ናይቲ ግጭት እንታይ'ዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ምሸት ሰዓት ሰለስተ (ኣቆጻጽራ ግዝእ) ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ፤ ኤፍራታን ግድም ወረዳ ኣጣዬን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሓለፈ ነበርትን ኣመሓደርትን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ህዝብን ሰላምን ኤፍራታን ግድም ወረዳን ኣቶ ሰለሞን ኣልታየ ክሳብ ቀዳም ረፋድ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሓለፈ ከም ዘረጋገጸ ክዛረብ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ዝወጽኡ ሓበሬታታት ግን ቁጽሪ ምውታት ክብ ከም ዝብል ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ጅሌ ጥሙጋ (ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ) ኣቶ ጀማል ሓሰን ብወገኑ ኣብ ኣጣዬን ጅሌ ጥሙጋን ከምዚ ዓይነት ጎንጺ ክፍጠር ናይ መጀመርታ ኣይኮነን ብምባል፡ "ሕጂ ግን ሓደ ሰብ ምስ ተቐትለ ብዝተላዕለ ግጭት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ናብ ሓደ ወገን ከዘንብል እዩ ዝርአ" ክብል ነቒፉ።

ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጠንቂ ናይቲ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 9 መጋቢት 2013 (2021) ምሸት "ኣብ ጅሌ ጥሙጋ ኣብ ሞንጎ ውልቀሰባት ዘይምስናይ ምስተፈጥረ ህይወት ሓደ ሰብ ሓሊፉ" ኢሉ።

ድሕሪ እዚ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ተኣኪቦም ዕርቂ ክወርድ ገይሮም ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እንተኾነ "ጉጅለ ኦነግን ተሓባበርቱን እቲ ብዕርቀ ሰላም ፍታሕ ረኺቡ ዝነበረ ነገር ቶኽቲኾም" መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክብል ይኸስስ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ "ሓረስታይ ክሕዞ'ዩ ኢልካ ብዘይትግምቶ ከቢድ ዕጥቂ ዝተሓገዘን ዝተወደበን ብዝሒ ዘለዎ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ሰሜን ሾዋ ዝኾና ከተማ ኣጣዬን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘሕፍር መጥቃዕቲ ተፈጺሙ" ኢሉ።

መንግስቲ ኣምሓራ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቁጽሪ ብምኽንያት እቲ ግጭት ዝሞቱ ሰባት ኣይጠቐሰን።

ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ሰሜን ሸዋ ኣጣዬን ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ጅሌ ጥሙጋን በቲ ብሓሙስ ዘጋጠመ ቅትለት ናይቲ ሓደ ውልቀሰብ ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ ከቢድ ናይ ተኹሲ ድምጺ ከም ዝተሰምዐን ብዙሓት ከም ዝሞቱን ነበርቲ ይዛረቡ።

እቲ ግጭት ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት ክቕጽል እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ብወግዒ ኣይፍለጥን።

ኣብቲ ከባቢ ኣባላት ሕብረሰተብ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝነብሩ ኮይኖም፡ ቅድም ክብል ተመሳሳሊ ግጭታት ይልዓልከም ዝነበረን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ክብጽሕ ምጽንሑን ይፍለጥ።