ኬንያ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክዕጸዉ ኣዚዛ

ኬንያ ክልተ መዓስከራት ክዕጸው ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, AP

ሰብመዚ ኬንያ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክዓጽዎ ኣዚዞም።

ዴይሊ ኔሽን ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ግዜ ገደብ እንተዘይተዓጽዩ ሶማላውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ናብ ሃገሮም ከም ዝሰጎም መንግስቲ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ክዕጾ ከም ዝደሊ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኬንያ፡ ምስቲ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ርክብ ኣለዎም ካብ ዝበለቶም ገለ ስደተኛታት ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ከም ዘለዋ ብምግላጽ'ያ፡ እቶም መዓስከራት ክዕጸው ኣዚዛ ዘላ።

ብዛዕባ'ቲ ውሳነ ምስታ ኣብ ኬኒያ እትርከብ ወኪል ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ፋቲሃ ዓብደላ ከም ዝተዛራረበሉ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።

"ዓለምለኻዊ ግዴታን ዘቤታዊ ሓላፍነትን ኬንያ ሚዛን ክሕሉ ይግባእ። ዜጋታትና ናይ ምሕላው ዘቤታዊ ሓላፍነት ኣለና" ክብል ሚኒስተር ውሽጢ ሃገር ፍሬድ ማቲንጊ ተዛሪቡ።

ኣብ 2017፡ እቲ መዓስከር ንክዕጾ ዝቐረበ ተመሳሳሊ ጠለብ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ጠጠው ከም ዘበሎ ይፍለጥ።

መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ኣብ 1991 ክጣየስ እንከሎ፡ ካብቲ ሽዑ ኣብ ሶማልያ ዝተፈጥረ ቅልውላው ዝተሰደዱ ስድራቤታት ኣዕቊቡ'ዩ።

ገለ ካብዚኦም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ'ዮም።

ካብ መወዳእታ ወርሒ እቲ ዝሓለፈ ዓመት (2020) ጀሚሩ፡ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት እናሓርፈፈ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ጎሮቤቱ ሃገረ ኬንያ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዝበተኾ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ኣፍሊጡ።

ሶማልያ፡ "ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ምርጫ ኢድ ተእቱ'ላ" ብዝብል ኣብ ሃገራ ንዝነበረ ኣምባሰደር ብምስጓግ፡ ንኣምባሳደራ ድማ ካብ ኬንያ ምስ ሰሓበበት፡ ኬንያውያን ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ኣዚዛ እያ።

ኬንያን ሶማልያን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዘለወን ማያዊ (ማሪታይም) ዶብ ይግበኣኒ ብዝብል ኣብ ምስሕሓብ ምጽንሐን ይዝከር።