'ኣብ መረጻ ተሃሪመ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ድቂ ከይድኒ' ወይዘሮ ኣስካለ

ኣስካለ ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, ASKALE HAILE

ወርሒ ሰነ 1984 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ)፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ንዝጸንሐት ወይዘሮ ኣስካለ ሃይለ እትዝንጋዕ ወርሒ ኣይኮነትን።

ንዝተሰለፈትሉ ፖለቲካዊ ውድብ ወኪላ ንፈለማ እዋን ኣብ መረጻ ዝተሳተፈትሉን ተሃሪማ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ድቂ ዝወረደሉን እዋን እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ጓል 29 ዓመት ምኾነት ናይራ ብምባል ብሓዘን "ኣብ ውሽጢ ከብደይ ዝነበረት ህጻን ኣይተፈቐደላን" ክትብል ብቴሌፎን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ተዛሪባ።

ጽንሳ ብኸመይ ክትስእን ክኢላ ?

1984 ዓ.ም'ዩ ነይሩ። ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ስልጣን ዝሓዘሉን መንግስቲ ስግግር ዝተመስረተሉን እዩ።

ኣብዚ ናይ ስግግር እዋን ድማ ከም ሕገ መንግስቲ ዘገልግል ቻርተር ጸዲቑ።

ብመሰረት እዚ ቻርተር ካብ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ፍሉጣት ውልቀሰባትን ካልኦት ኣካላትን ዝተወጻጽኡ ኣስታት 87 ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ዝሓዘ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ስግግር መንግስቲ ተመስሪቱ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር'ዩ እምበኣር ሃገራዊ፣ ክልላዊ፣ ናይ ዞባን ወረዳን መረጻ ኣባላት ባይቶ ንምክያድ ንወርሒ ሰነ ቖጸሮ ተታሒዙ።

ኣብቲ ናይ ስግግር መንግስቲ ተሳታፊ ዝነበረ ኦነግ፡ እኹል ምድላው ኣይገበርኩን ኢሉ ካብቲ መረጻ ወጺኡ።

ወይዘሮ ኣስካለ ድማ፡ ዕጥቃዊ ቓልሲ የካይዱ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ሰልፊታት ሕብረት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ [ኢድዩ] ወኪላ ኣብቲ መረጻ ተሳቲፋ።

ኣብቲ እዋን ክልል 14 ተባሂላ ትጽዋዕ ንዝነበረት ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 13 ጣብያ 03 ወኪላ ኣባል ባይቶ ንምዃን ሕጽይቲ ኮይና ቀሪባ።

ንሳ ኮነ ካልኦት ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ካብቲ ናይ መረጻ ናቑጣ ግልስ ኢሎም'ዮም ነይሮም።

ወይዘሮ ኣስካለ ከም እትብሎ፡ ኣዋጅ መጣየሲ ኮሚሽን ኣፈጻሚ መረጻ ኣባላት ሃገራዊ፣ ክልላውን ናይ ወረዳን ኣብያተ ምኽሪ ካብቲ ናይ መረጻ ናቑጣ 500 ሜትሮ ክርሕቑ ኣለዎም'ዩ ዝብል።

ሕጽይቲ ተወዳዳሪት እቲ ገዛኢ ሰልፊ (ኢህወደግ) ግን፡ ኣብቲ ናቑጣ መረጻ "ከም ድላያ ትኣቱን ትወጽእን ኣላ" ክብሉ ተዓዘብቲ መረጻ መልእኽቲ ልኢኾምላ።

እቲ ናቑጣ መረጻ ኣብ ጥቓ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ እዩ ነይሩ። ወይዘሮ ኣስካለ ነዚ ምስ ሰምዐት ናብቲ ቦታ ትኸይድ።

ስለ ምንታይ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ገዛኢ ሰልፊ ናብቲ ናቑጣ መረጻ ተእትው ኣለኹም? ኢላ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ሓይልተት ጸጥታ ትሓቶም።

"ዝርአ ነገር እንተሃልዩ ንሕና'ውን ንርኣዮ" ኢሎም እቶም ሓይልታት ጸጥታ ከፈራርሑዋ ጀሚሮም፤ በዚ ኣቢሉ ናብ ሰሓቦ ጉተቶ ተኣትዩ።

"ስለ ምንታይ ንዓይ ጥራሕ ትሰጉኒ? ኣነ'ውን ሕጽይቲ ተወዳዳሪት'የ። ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ኢህዴው/ኢህወዴግ እንተኣትያ ኣነ ዘይኣትወሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ ኢለ ክኣቱ ምስ በልኩ በቲ ሰደፍ ናይ ከላሽን ከብደይ ሃሪሙኒ" ትብል።

ኣብቲ እዋን ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነፍሰጾር ከም ዝነበረት እትዛረብ ወይዘሮ ኣስካለ፡ ብሰደፍ ካብ ዝተወቕዐትሉ ዕለት ጀሚቱ ደም ክፈሳ ጀሚሩ።

"እንታይ'ዩ እናበልኩ ይጭነቕ ነይረ" እትብል ወይዘሮ ኣስካለ፡ ድሕሪ መረጻ ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ መዓልታት መጠን እቲ ዝፈሳ ደም ከም ዝወሰኸን ብነፍሲ እተዊ ነፍሲ ውጽኢ ከም ዝተሳቐየትን ትዛረብ።

"ኣነ ካብ ሞት'ኳ እንተተረፍኩ ኣብ ከብደይ ዝነበረት ቖልዓ ግን ኣይተፈቐደላን" ትብል።

ወይዘሮ ኣስካለ፡ ብሓገዝ ሕክምና ብህይወት እንተተረፈት'ውን እቲ ብናይ ጓል ኣንስተይቲ ጾታ እናጸውዐት እተዘንትዎ ኣብ ማህጸና ዝነበረ ዕሸል ክትሓስብ እንከላ ግን ወትሩ ትጉሂ።

እንተኾነ፡ እዚ ክስተት ጽንዓት ዝተመልኦ ቓልሲ ክትገብር ምኽንያት ከም ዝኾና ተዕልል።

ካብ ምስረታ መንግስቲ ስግግር ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዝርኣየቶ ፖለቲካዊ ግድላት ግን እዚ'ዩ ዝብሃል ኣይኮነን።

ተሳትፎ መረጻ

ወይዘሮ ኣስካለ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘግለለ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መረጻ ንምዕዋት'ውን ብዙሕ ጻዕሪ ገይራ'ያ።

ኢህወደግ ስልጣን ምስ ሓዘ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየዱ ሃገራዊ መረጻታት ተሳቲፋ - [ካብ መረጻ 1987 ዓ.ም ወጻእ]።

እንተኾነ፡ ንሳ ኮነት ካልኦት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ኣብ መረጻ ዝረኽቡዎ ድምጺ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።

"ሓደ፣ ክልተ፣ ሰለስተ እናበሉ'ዮም ዝጥቅዑዎ፤ ካልእ ይትረፍ ኣነ ደቀይን በዓል ቤተይን ኣይመርጹንን ድዮም? ጎረባብተይን ኣሕዋተይን? ሓሙሽተ ስድራቤት እንተሃልዮምኒ ናታቶም ድምጺ ናበይ ከይዱ ይብሃል? ከምዚ ገይሮም'ዮም ዘባጭዩልና ነይሮም" ትብል።

ወሲኻ፡ "እቲ ትኽክለኛ መረጻ ብ1997 ዓ.ም'ዩ ተኻይዱ። ቅድሚ ዝተኻየዱ መረጻታት ንይምሰል ዝተገብሩ'ዮም" ኢላ።

እንተኾነ ደኺመ እንከይበለት ብዙሕ ጎስጓስ መረጻ ገይራ። እድር፡ ወይዘሮ ኣስካለ ጎስጓስ መረጻ እተካይደሉ ቀንዲ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ'ዩ።

"መበገሲትና ናይ ደቂ ኣንስትዮ እድር'ያ" ትብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ዕቁብ፣ ምስ ጎረባብቲ ኾይንካ ቡን ብምፍላሕ ደቂ ኣንስትዮ ምጽዋዕ እቲ እትውክሎ ፖለቲካዊ ውድብ ዘጽደቖ ምዃኑ ትዛረብ።

ዋላ'ኳ ፖለቲካዊ ውድባትን መንግስትን ዝኽተሉዎ ክልሰ ሓሳብ ኮነ ዘውጽኡዎም ፖሊሲታት ብተደጋጋሚ ዝስምዑ ቃላት ኒዮ ሊበራሊዝም፣ ዴሞክራሲ፣ ፌደራሊዝም ዝብሉ እንተኾኑ ወይዘሮ ኣስካለ እቲ ሕብረሰተብ ብዝርድኦ ቋንቋ ከም እትዛርቦም ትገልጽ።

ሰባት ንዕኣ እንተመሪጾም ደቂ ኣንስትዮ ዘቕርብኦም ሕቶታት ናብ ቅድሚት ብምምጻእ ከምኡ'ውን ሃገራዊ ጉዳያት ብምሕታትን ብምክታዕን ውጽኢት ዘምጽኡ ስራሕቲ ንክስርሑ ከም እትገብር ተረድእ።

ኣብ ገለ ቦታታት ግን " 'ንረብሓኺ ክትብሊ ኢኺ እትምረጺ፤ ምስ ተመረጽኢ ግልጽ ኢልኪ ኣይትርእይናን። ንሕና እንተኾነ ካብ ጸገምና ኣይንናገፍን፤ ምስ መንግስቲ ተኻቲዑ ዘፈጽም ዓቕሚኸ ኣለኩም ድዩ?' እናበሉ የሰንብዱኒ ነይሮም" ትብል።

ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ፖለቲከኛታት ብዝኣትውዎ መጽበዓ ዝሰልቸዎም ነበርቲ ብዙሓት ከም ዝኾኑ'ውን ትገልጽ።

ቅድም ኢሉ፡ ብእግራ ገዛ ንገዛ እናዘረት፣ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እድርን ዕቑብን እናኸደት፣ ምስ ሰባት ምሕዝነት ብምፍጣርን ብምልላይን ጎስጓስ መረጻ ክትገብር ዝጸንሐት ወይዘሮ ኣስካለ፡ ብ1997 ዓ.ም ጎስጓስ ግን ብመኪና ከምዝነበረ ትዝክር።

ኣብቲ ግዜ ዝተወደበን በራሪ ወረቐት እናተበተነ ዝተኻየደን ጎስጓስ ከምዝነበረ ትዛረብ።

ወይዘሮ ኣስካለ ዝወከለቶ ሰልፊ ኢዲዩ፡ ሕብረት ሓይልታት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ዝብል ውድብ ካብ ሞንጎ ዝመስረቱ 15 ውድባት ሓደ'ዩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ተንቀሳቒሳ ጎስጓስ መረጻ ከም ዝገበረት እትዛረብ ወይዘሮ ኣስካለ፡ ፖለቲከኛታት ፕሮፌሰር በየነ ጥሮስ፣ ዶክተር መራራ ጉዲና ዝተሳተፉሎም ልዕሊ 15 መድረኻት ክትዕ ከም ዝተሳተፈት ሓቢራ።

ጎስጓስ መረጻ እንክልዓል ድማ፡ 30 ሚያዚያ 1997 ዓ.ም ዝነበረ ክስተት ትዝክር።

ቅንጅት ሰለማዊ ሰልፊ ዝጸውዐሉን ከምኡ'ውን በረድ ዝተሐዓወሶ ዝናብ እናዘነበ ህዝቢ ብብዝሒ ዝወጽአሉን እዩ ነይሩ።

በዓል ቤታ ብሞት ዝተፈለያ ወይዘሮ ኣስካለ፡ ሓሙሽተ ቖልዑት ንብሕታ ክተዕቢ ሓላፍነት ተሰኪማ'ያ።

"ለይቲ ድቃስ ኣይወስደንን፤ ወደይ ተመሃሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝነበረ ጨውዮም'ዶ ክወስዱዎ ይኾኑ? እናበልኩ ይጭነቕ ነይረ። ጓል ኣንስተይቲ ፖለቲከኛ ምዃን ሓደጋ ኣለዎ" ትብል።

ምፍርራሕን መጠንቀቕታን

ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ተቓወምቲ ሰልፊታት ቤት ጽሕፈቶም ካብ ምዕጻው ጀሚሩ፡ ኣባላቶም ግዳያት ማእሰርቲ እናኾኑ ምፍርራሕ ይበጽሖም ነይሩ።

ብፍላይ ናይ መረጻ መዓልቲ ክበጽሕ እንከሎ ሽም እቶም ውድባት ፖለቲካ ንምጽላም ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ይስርሑ'ዮም ትብል ወይዘሮ ኣስካለ።

ደቂ ኣንስትዮ ተቓወምቲ ድማ፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራት ከይሕወሳ ብምግባር ካብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ክንጸላ ዝገብሩ ጸቕጢታት ይበጽሑ ነይሮም'ዮም ትብል።

ኢህወደግ፡ ኢዲዩ መስፍናውን ስርዓት ብርዡዋን'ዩ ዘሰጉም ብዝብል ሰባት ነዚ ፓርቲ ድምጾም ከይህቡ ይገብር ነይሩ'ዩ ዝበለት እታ ፖለቲከኛ፡ ብ1997 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ መረጻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመሃሪ ስነ ቑጠባ ዝነበራ ወዳ ምፍርራሕ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ገሊጻ።

"ዕላማ ኢዲዩን ኣዴኻን ትድግፍ ዲኻ ኢሎም ኣፈራሪሖምዎ፤ 'ንኣዴኻ ሰልል' ዲኹም ትብሉኒ ዘለኹም ኢሉ ሓቲቱዎም። 'ግን ኣነ ናይ ባዕለይ ምርጫ ስለ ዘለኒ ኣይገብሮን' ኢሉዎም። ኣብ ልዕሊ ቤተሰበይ ብዙሕ ስቓይ በጺሑ'ዩ" ኢላ።

ንሳ'ውን እንተኾነ ብተደጋጋሚ ተኣሲራ'ያ፤ ን15 ወይ 20 መዓልቲ ብተደጋጋሚ ተኣሲራ፤ ተፈቲሓ።

ህይወት ፖለቲካ

ወይዘሮ አስካለ ሃይለ አለሙ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ'ያ ዓብያ። ፖለቲካዊ ህይወታ ድማ ኣብ 1960ታት ካብ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ይጅምር።

መሬት ንሓራሲኡ ዝብል ጭርሖ ቃልሲ ክጉሃሃር እንከሎ ተመሃሪት ፈለገ ህይወት ዮርዳኖስ እኳ እእነተነበረት "እምኒ ግን ደርብየ'የ" ትብል።

ትምህርታ ወዲኣ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ማይ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተቖጸረት፡ 'ጓል ኣንስተይቲ ብጀክኣ ምንባር ስለ ዘይክኣል ክብሪ ይግብኣ' ዝብሉ መዝሙራት ሕቶ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፖለቲ ክትኣቱ ከም ዝደፋፍኡዋ ትዛረብ።

ክልሰ ሓሳባት ማርክሲዝምን ሌኒኒዝምን ካብ ምውሳድ ጀሚሩ ክሳብ ስልጠና ሓለዋ ሰውራ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ወሲዳ። ድሕሪኡ "ወያኒት ኮይነ" ትብል።

ረብሓ ሰራሕተኛ ንክኽበር እትካታዕ፣ ጥቕሚ ሰራሕተኛ ንምኽባር እትቃለስ ኮይና።

ኣብ ስደት ዝነበረ ሰልፊ ሕብረት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ (ኢድዩ) ናብ ውሽጢ ዓዲ ክምለስ እንከሎ በዓል ቤታ'ውን ደጋፊ እቲ ውድብ'ዩ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ተኣሲሩ።

በዓል ቤታ ምስ ሞተ ወይዘሮ ኣስካለ ኣባል እቲ ሰልፊ ኮይና። ብ1997 ዓ.ም ድማ ዋና ጸሓፊት እቲ ፓርቲ ኮይና ተሸይማ ነይራ።

እንተኾነ ኣብዚ ንዓመታት ዝጸንሐትሉ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፡ ተቓወምቲ ውድባት'ውን እንተኾነ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላቶም ካብ ቑጽሪ ብዝዘለለ ከም ዘይርእዩወን ትዛረብ፥

ክሳብ 2001 ዓ.ም ኣባል ኢድዩ ነይራ። ድሕሪኡ እቶም ፖለቲካዊ ውድባት እንተኾኑ'ውን ክበታተኑ ጀሚሮም።

ወይዘሮ ኣስካለ ፈጻሚት ስራሕ ግንባር ሓይልታት ፍትሕን ዴሞክራስን ኢትዮጵያ ዝኾነትሉ እዋን'ውን ነይሩ። እንተኾነ እቲ ውድብ ኣብ ክልተ ምስ ተገምዐ፡ ካብ ፖለቲካ ርሒቓ ናብ ንግዲ ኣትያ።

ብ2018፡ ኣብ ስደት ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ውሽጢ ዓዲ ተመሊሶም ኣለው ምስ ተባህለ ዝተመስረተ ሕብረ ህዝብን ሕብረትን ዝተባህለ ሰልፊ መስራቲት ኮይና ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኮይና ኣላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ጎስጓስ መረጻ ንምክያድ ኮነ ንምውድዳር ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ እትገልጽ ወይዘሮ ኣስካለ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መረጻ ከም ዘይትወዳደር ትዛረብ።

"ሰብ ክመውት'ዩ ተፈጢሩ። ታሪኽ ሰሪሕኻ ምሟት ግን እቲ እዓበየ'ዩ። ንሕና ንሓልፍ ዘለና ወለዶ ኢና፤ ስለዚ ሕጂ መናእሰይ ክወጽኡ እየ ዝደሊ" ኢላ።