ኤርትራ፡ ዓቕሚ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ኣብ ከመይ ኩነታት'ዩ ዘሎ?

ወደብ ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ወደብ ባጽዕ

ኣብ ስትራቴጂካዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እተደኮነት መበል 30 ዓመት ናጽነታ እትዕብለ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን ምድርን ባሕርን ኣዝዩ ሃብታም ባህሪያዊ ጸጋታት ከም ዘለዋ ይንግር።

ኣብቲ ልዕሊ 60% ነዳዲ ዓለም ዝመላለሰሉ ኣህጉራዊ መስመር ንግድ፡ ካብ ሰሜን ንደቡብ ንልዕሊ 1000 ኪ/ሜ ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ልዕሊ 300 ዓበይትን ናእሽቱን ደሴታት ኣለዋኣ።

ኣብቲ ዝርገሐ እቲ ዝተደኮና ባጽዕን ዓሰብን ዝበሃላ ክልተ ወደባውያን ከተማታት እውን ኣለዋ።

እዘን ወደባት ቅድሚ 50-60 ዓመታት ብዙሕ ሰደድን እታውን ዝመላለሰን ኣዝየን ስሙያት ወደባት ነይረን።

ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ስለ ዝተሃስያ ከኣ መባእታዊ ጽገናን ምምሕያሽን ተገይሩለን ካብ 1991 ክሳብ ኣብ 1998 ኵናት ዶባት ዘጋጥም ንኢትዮጵያ ግቡእ ኣገልግሎት ይህባ ነይረን።

ምስ ምጅማር እቲ ኵናት ግን ኢትዮጵያ፡ ናብ ወደባት ጂቡቲ፡ በርበራን ፖርት ሱዳንን ስለዝገዓዘት ኣገልግሎተን ነክዩን ተዳኺሙን ጸኒሑ።

ሕጂ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድን (2018)ን ምእዋጅ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራን ግን እዘን ወደባት ዳግማይ ክትንስኣ ልዑል ተስፋ ተነቢሩለን ከም ዘሎ ንቁጠባዊ ኩነታት እዚ ዞባ ዝከታተሉ ኪኢላታት ይገልጹ።

ኣገልግሎት ወደባት ኣፍሪቃ

ኣብ መስመር ንግዲ ዓለም፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ኣፍሪቃ ዝልኣኽን ናብ ኣፍሪቃ ዝኣቱን ንብረት ብባሕሪ እዩ ዝኣቱ።

ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 38 ሃገራት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኣለወን።

ኣብዘን ሃገራት ተዶኵኑ ዝርከብ ወደባት ኸኣ ብደረጃ ዓለም ብባሕሪ ካብ ዝግበር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ነቲ ሽዱሽተ ሚእታዊት የራግፍን ይጽዕንን።

ብጃቫጎ ዶት ኮም ዝተገበረ መጽናዕቲ ንወደብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 4500 መራኽብ ብምዕሻጉን ኣብ ወርሒ ኣስታት 83000 ኮንተይነራት ብምርጋፉን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዑዎ ኣሎ።

ንወደብ ሞምባሳ ኬንያ ከኣ ናብ ልዕሊ 80 ወደባት ቀጥታዊ መስመር ብምኽፋት ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑዎ።

ወደባት ጅቡቲ፡ ወደብ ሌጎስ ናይ ናይጀርያን ወደብ ኣቢጃን ናይ ኣይቮሪኮስትን'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ወደባት እውን ክሳብ ሻብዓይ ደረጃ ተርታ ሒዘን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ወደባዊት ከተማ ባጽዕ

ወደባት ዓሰብን ባጽዕንከ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ?

ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ንግዲ መርከብ ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣባል ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ምሩቕ ናቫል ሳይንስ ካፕተን መሪሕ ሃብተ፡ ባሕራዊት ትሕዝቶ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መዳይ ሞጓዓዝያ ባሕሪ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ቱሪዝም፡ ዕደና ... ወዘተ ከፋፊልካ ዝረአ ሰፊሕ ዓውዲ ምዃኑ ይጠቅስ።

ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ኣብ ኣገልግሎት ምቅላስ መራክብ፡ ምጽዓንን ምርጋፍን ንብረት፡ ናይ መኽዘን ኣገልግሎት፡ ዝራገፍን ዝጸዓንን ንብረት ምቁጽጻር ካልእን ኣገልግሎት ይህብ።

ድሕሪ ሓርነት መላእ ኤርትራ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ካብ ዝነበራ ኣገልግሎት ብዕጽፍታት ብምዕባይ ክሳብ 94 ሚኢታዊት ካብ ዝኣቱን ዝወጽእን ንብረት ናይ ኢትዮጵያ የአንግድ ከምዝነበረ'ውን ኣባል ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዩ ይጠቅስ።

ካብ 1991 ክሳብ 1996 3.06 ሚልዮን ቶን ዝበጽሕ ጽዕነት ብወደባት ኤርትራ ከምዝተጓዓዓዘን ክሳብ 802 ዓበይትን ማእከሎትን መራክብ ከምዝተኣንገዳን ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Merih Habte

መግለጺ ስእሊ,

ካፕተን መሪሕ ሃብተ

ካብ 1994 ክሳብ 1997 ከኣ እዘን ክልተ ወደባት ክሳብ 1150 መራኽብ አአንጊደን ኣስታት 3.287 ሚልዮን ቶን ጽዕነት ከኣ ጸዒነንን ኣራጊፈንን።

ኣብ 1997 ጥራይ 2695 መራክብ ከአንግዳ እንከለዋ 3.595 ሚልዮን ቶን ኣቑሑ ከኣ ከም እተጻዕነን እተራገፈን ይሕብር።

ዓቕሚ ወደባት ኤርትራ ከመይ እዩ

•ወደብ ባጽዕ 1007 ሜትሮ ቁመት ኣለዎ፡ እዚ ኣብ ሓደ ግዜ ሽዱሽተ መራኽብ ከጸግዕ ዝኽእል ወደብ እቲ ዝነወሐ 208.6 ሜትሮ ቁመትን 12 ሜትሮ ዕምቖትን ኣለዎ።

•ወደብ ባጽዕ 204,057 ትርቢዕት ሜትሮ መኸዘኒ ቦታታት ዘለዎ ኮይኑ እዚ ቦታ እዚ ክሳብ 150 ሽሕ ቶን ካብዚ እቲ 79 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ኮንክሪት ዝተነጸፎ እዩ።

•ወደብ ዓሰብ 1025 ሜትሮ ዝዝርጋሕ ናይ ሀ ቅርጺ ዘለዎ ወደብ ኮይኑ ኣብ ሓደ ግዜ 7 መረኽብ ናይ ምጽጋዕ ዓቕሚ ኣለዎ።

•እቲ ወደብ እቲ ዝዓሞቐ ክፋሉ 10.97 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ኮይኑ 210 ሜትሮ ይዝርጋሕ።

•ወደብ ዓሰብ 275,320 ትርብዒት ሜትሮ መኸዘኒ ቦታ ኣለዎ ክሳብ 385,930 ቶን ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኸኣ ኣለዎ።

ዓቕሚ ወደባት ኤርትራን ጎሮባብትን እንክነጻጸር

ወደባት ኤርትራ ምስ ጁቡቲ ክወዳደር እንከሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ እዩ ዝርከብ።

እዚ ከኣ ምስ ሕርያ ፖሊሲ እተን ሃገራት ከም ዝተሓሓዝ፡ ጅቡቲ ማእከል ወደባት ናይ ብዙሓት ሃገራት ምዃናን ብፍላይ ድሕሪ 1998 ኵናት ዶባት ንኢትዮጵያ ወደባዊ ኣገልግሎት ክትህብ ምስ ጀመረት ብዕጽፍታት ከምዝዓበየት ኣባል ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ገዲም ኤርትራዊ ባሕረኛ ካፕተን ተስፋይ ኢትባረኽ ይዛረብ።

ኣካል ናይቲ ብማሪታም ሲልክ ሮድ ዝፍለጥ ናይ ቻይና ፕሮጀክት ዝኾነ ወደብ ፖርት ሱዳን እውን ዘመናዊ ኣገልግሎት ሃልይዎ በብግዚኡ ይዓቢ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ወደባት ኤርትራ'ዉን ብፍላይ ወደብ ዓሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኵናት የመን ንሕቡራት ኢሜረት ዓረብ የገልግል እኳ እንተነበረ ዝፍለጥ ረብሓ ኮነ ምዕባለ ከምዘየርኣየ ተኸታተልቲ ንጥፈታት ባሕሪ አሕመድ ዓብዱ ይሕብር።

ድሕሪ ኵናት ዶባት ወደባት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ንኤርትራ ጥራይ እዩ ከገልግል ጸኒሑን ዘሎን።

እታ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ወደባት ኤርትራ ክትጥቀም ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ዕዳጋ ወደብ ምስ ቀየረት ወደባት ኤርትራ ብአታውን ንጥፈታትን ጸምየን።

ምንጪ ስእሊ, Tesfay

መግለጺ ስእሊ,

ካፕተን ተስፋይ ኢትባረኽ

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "እታ ሉል ባሕሪ እትህሃል ባጽዕ ኣላ ድያ? ሉል ኣይኮነት ዋላ ገለ ኣይኮነት የለና" ብምባል ዓቕቢ ወደብ ባጽዕ ባይታ ከምዝዘበጠ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ሓንቲ ታግቦትን ሰባሪት በረድን መርከብ ከም ባሕረኛ ዝሰርሕ ዘሎ ኣባል መስመር ንግዳዊ መራኽብ ኤርትራ ነበር ኦፊሰር ቢንያም ታደሰ፡ "ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ኵናት ብኣገልግሎት ወደብ ጥራሕ ቢልዮናት ዶላራት ከሲሮም እዮም" ይብል።

ኦፊሰር ቢንያም "ባሕሪ ኤርትራ ግን ንመጓዓዝያን ወደባዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝዉዕል ኣይኮነንን" ድሕሪ ምባል፡ ዝተፈላለዩ ክቡራት ዓሌት ዓሳ፣ ዑንቂ ባሕሪ፣ ማዕድን ጨውን ሰደድ ዓሳን ካልእን ብሰደድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምጽእ ዝኽእል ሃብታም ትሕዝቶ ከምዘለዎ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Biniam Tadesse

መግለጺ ስእሊ,

ኦፊሰር ቢንያም ታደሰ

ኤርትራ ክንደይ ዝኾና መራኽብ እየን ዘለዋኣ?

ኣብ 2002 ዓመተ ምህረት ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ኤርትራ ክሳብ 8 ዝበጽሓ ዓበይቲ መራክብ ተመዝጊበን ነይረን።

እተን 8 መራክብ፡ ዮሃና፡ በይሉል፡ ሰላም፡ ኣንጀሎስ፡ ደንደን፡ መረብ ጋሽ፡ ሳሊናን ኤስሮምን ዝበሃላ ኮይነን ብጠቅላላ 31245 GRT ቶን ከምዝምዘና ማሕበር ባሕረተኛታት ኤርትራ ይሕብሩ።

እታ ዝዓበየት መርከብ ኤስሮም እትበሃል ሓፈሻዊት ናይ ጽዕነት መርከብ ኮይና 12333 GRT ቶን ትበጽሕ።

ብDMT ዝበሃል ትካል ድማ ትዉነን።

በይሉል ናይ ታንከር ወይ ቦት መርከብ ኮይና 2025 ቶን ርዝነት፣ መረብ ጋሽ ድማ 1403 ቶን ርዝነት ሃልይዋ ብከረን ሺፒን ላይን ትዉነንን ናይ ጋዝ መርከብ እያ።

ሳሊና ናይ ሓፈሻዊ ጽዕነት መርከብ እታ ሳልሰይቲ ብግሊ ትዉነን ኮይና 2286 ቶን ርዝነት ዘለዋ ብዛፈ ሺፒንግ ሊይን ትዉነንን።

ኦፊሰር ቢንያም ታደሰ "ከም ተወሳኺ [ናይዘን ዝተጠቀሳ መራኽብ] ብሚኒሰትሪ ሃብቲ ዓሳ፡ ብሓይሊ ባሕር ኮነ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታትት ዝተዋፈራ ብመንግስታዉያን ማሕበራትን ዝዉነና ዝነበራ መራክብ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ሙሉእ ብምሉእ ደው ኢለን ባሕረኛታተን ድማ ኣብ ፈቐዶ ናይ ወጻኢ ሃገራት መራክብ ክሰርሑ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Paulo Antonio

መግለጺ ስእሊ,

ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዩ

ዓቕሚ ባሕረኛታት ኤርትራ ከመይ ኣሎ?

ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኾነ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዙሓት ባሕረኛታት ሰልጢኖም ነይሮም፡ ካፕቴን ተስፋይ ኢትባረኽ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ 20 ኤርትራውያን ባሕረኛታት ናብ ሃገረ ሆላድ ተላኢኹ ዝተመሃረ እዩ።

ብዙሓትን'ውን ናብ ህንድን ናብ ፓኪስታንን ተላኢኹም ዝተማሃሮ ኤርትራውያን ምንባሮም ዝሕብር ካፕተይን ተስፋይ፡ "ድሕሪ ናጽነት ብዙሓት ናብ ታንዛንያ ተላኢኾም ኢንጂነራትን ናይ ዴክ ኦፊሰራትን ኮይኖም ዝተመረቑ ነይሮም። ኣብ ዱባይን ኢማራትን ዝሰልጠኑ'ውም ኣለዉ"ይብል።

እንተኾነ እቲ ምምዕባል ዓቕሚ ባሕረኛታት ከምቲ ዝጀመሮ ስለዘይቀጸለ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ምምስራት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ ስደት ዓቕሚ ኤርትራዉያን ሰብ ሞያ ባሕሪ ንምብዛሕን ንምዕባይን ምዃኑ የረድእ።

"ሞያዊ ዓቕሚ ኤርትራዉያን ባሕረኛታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኣሎ" ዝብል ካፕተይን ተስፋይ ብዙሓት ሰብ ሞያ ባሕረኛታት ብሰንኪ ኣብ ሞያ ባሕሪ ዘሎ ተሪር ኣሰራርሓ መምርሒ ፍቃድ ዘይምርካብ፡ ስርሖም ገዲፎም ዓውዲ ክቕይሩ ወይ ኣብ ዘለዉዎ ጽፍሒ ከይዓበዩ ይቕጽሉ ብምህላዎም ሕማቕ ከምዝስመዖ ይገልጽ።

"ትምህርቲ ባሕሪ፡ ንክትመሃሮ ኮነ በብግዚኡ ንከተዕብዮን ከተሐድሶን ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ሓደ ካብቲ ንዓቕሚ ኤርትራዉያን ባሕረኛታት ዝዶቁስ ዘሎ'ዩ" ዝብል ካፕተይን ተስፋይ ይትባረኽ ንዓቕሚ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ከይምዕብል ማሕለኻ ኮይኑ ከምዘሎ ይጠቅስ። እቲ ፍታሕ ከኣ ብማሕበር ተጠርኒፍካ ምቅላስ ምዃኑ የረድእ።

ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ንመን ዝሓቑፍ ማሕበር እዩ? ምዓስከ ቆይሙ?

ኤርትራዊ ከም ባሕሬኛ ነዊሕ ታሪክ ዘለዎ እካ ተኮነ ብቀንዱ ግና ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ካብ 60ታት ክሳብ 70ታት ብብዝሒ ኣብ ዘመናዉያን መራክብ ባሕሬኛታትት ኮይኖም ክሰርሑን ክመሃሩን ከምዝጀመሩ ካፕተን መሪሕ ሃብተ ይጠቅስ።

ቀዳማይ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ኣብ 1975 ኣብ ባጽዕ ዝተመስረተ ኮይኑ ብዝነበረ ተጸብኦታትት ንኤርትራዊ ምትእክካብ ክቅጽል ኣይከኣለን።

ድሕሪ ቀጺሉ ብቀንዱ ምስ ስረሓት ባሕሪ ዘይቲ ነዳዲ ዝተኣሳሰር ስረሓት ባሕሪ ኮነ ሞጋዓዝያ ንግዳዉያን መራክብ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንጋልፍ ዓረብ ስለ ዝዛዘወ ኤርትራዊ ኮነ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ባሕሬኛታት ኣብቲ ቦታ ካብ ዝሰርቱ ነዊሕ ገሩ ኣሎ።

እዚ ክሳብ 1500 ኣባላት ሃቂፉ ዘሎ ናይ ሎሚ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ድማ ኣብዚ ቦታ ጋልፍ ዘድሊ ቅርጽን ዓምደ ሕግታትን ኣቁሙ ብ29 ጥሪ 2015 ተመስሪቱ ኣብ ምንጣፍ ከምዝርከብ ካፕተን መሪሕ ሃብተ ይጠቅስ።