ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ‘ብርቱዕ ጥሜት’ ምህላው ኣጠንቂቓ

ስደተኛታት

ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ "ሓያል ጥሜት" ተኸሲቱ ምህላው ኣጠንቂቓ።

ሓላፊት ዩኤስኤይድ፡ ሰማንታ ፓወር፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ፡ ህጹጽ ትካል ምክትታል መግቢ ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽለ ዘሎ ጎንጺ "ደረጃ 5 ህጹጽ ኵነት መግቢ" ተኸሲቱ ምህላው ገሊጻ።

እዚ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ምዃኑ ንምብራህ "ደረጃ 6 ዝበሃል የለን" ዝበለት እታ ሓላፊት ዩኤስኤይድ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂ ነቲ ኲናት ደው ከብልን ንሰራሕተኛታት ረድኤት መገዲ ክኽፈትን" ጸዊዓ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ 5.2 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ረድኤት ክበጽሕ ዝኽእለሉ መገዲ ከፍቅዱ ጸዊዑ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዜጋታቱ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ምስ ዓለምለኻውያን ትካላት ሓቢሩ ይሰርሕ ምህላው ይገልጽ።

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሕዳር እዩ ኲናት ተወሊዑ።

እቲ ኲናት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ።

ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ግጭት ተፈጺሙ ዝብሃል ቅትለትን ጾታዊ ዓመጻትን ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።