ፖሊስ ኣመሪካ "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን" ኣብ ልዕሊ ዝበለ እሱር እናቐለዱ ተራእዮም

ፖሊስ ኣመሪካ "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን" ኣብ ልዕሊ ዝበለ እሱር እናቐለዱ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, MARSHALL COUNTY JAIL/WTVF

ኣብ ኣመሪካ ሓደ እሱር ፖሊስ ንቑልቑል ኣፉ ምስ ደፍኡዎ ክትንፍስ ኣይክኣልኩን እናበለ ክምሕጸን እንከሎ፡ ሓንቲ ካብኣቶም "ንስኻ ክትትንፍስ'ውን የብልካን" ኢላ ትቕልደሉ ምንባራ ዘርኢ ምስሊ ወጺኡ።

እዚ ሓድሽ ቪድዮ ወዲ 48 ዓመት ዊልያም ጃኔት ኣብ ቴኔሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኢዱ ተኣሲሩ ኣብ መሬት ተደፊሩ የርኢ።

እቲ እሱር "ሓግዙኒ" . . . እናበለ ንሰራሕተኛታት እቲ ቤት ማእሰርቲ ክምሕጸን ከምኡ'ውን ብዝተፈራረቐ ድምጺ "ክቐትሉኒ'ዮም" ክብል ይስማዕ።

ብፍላይ እታ ሓንቲ ፖሊስ "ክትትንፍስ'ውን የብልካን" ኢላ ዘሰክፍ ጸርፊ ትጻረፍ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ፖሊስ ዝቐረበ ክሲ፡ እታ ፖሊስ ድምጺ እቲ እሱር ብምምሳል "ክትንፍስ ኣይክኣልንኩን" ኢላ ክተባጭኡ እንከላ፡ ካልእ ፖሊስ ድማ ክስሕቕ ይስማዕ።

ብኸምዚ ንሓሙሽተ ደቒቕ ኣብ መሬት ጸቒጦምዎ ከም ዝጸንሑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ምስሊ ካብ ዘለው ፖሊስ እቲ ሓደ ተዓፊኑ ክመውት ስለ ዝኽእል ክትንፍስ ንግበር ይብል።

እቲ ክሲ፡ ፖሊሲ ንዊልያም ብዝባኑ ክደፍኡዎ ከለው ገጹ ናብ ቀይሕን ሰማያውን ሕብሪ ተለዊጡ ዳርጋ ሙውት መሲሉ ምንባሩ የረድእ።

ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ዊልያም ግን፡ እቲ ውልቀሰብ ሓሽሽ ተጠቒሙ ከም ዝሞተን ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝተጠቐምሉ መገዲ ክዕፍኖ ከም ዝኽኣለን በዚ ምኽንያት ከም ዝሞተን ይሕብር።

ፖሊስ ንቑልቑል ኣፉ ደፊኦም ኣብ ዝባኑ ተጻዒኖም ዓቕሉ ስለ ዘጽበብሉ ዕብሰት "ተወሳኺ ምኽንያት ሞት" ዊልያም ከም ዝኾነ ተጠቒሱ ኣሎ።

እዚ ግዳይ ጻዕዳ ኮይኑ፡ ጓሉ ብሞት ወላዲኣ ፖሊስ ተሓታቲ ከም ዝኾነ ትገልጽ።

በዚ ምኽንያት ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ሓይሊ ብዘይኣግባብ ተጠቒሞም ዝብል ክሲ ቐሪቡሎም ኣሎ።