ቅልውላው ትግራይ፡ ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝነበሮ ጻንሒት እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝን ህጹጽ ረድኤትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ ምስ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣይተራኸብኩን ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ጀኔቭ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ምብጻሕ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሓዊሱ ምስ ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ።
"ካብ ትግራይ ምስ ተመለስኩ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት ብሓባር ክንሰርሕ ስለ እንኽእል ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ምርኻብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነይሩ። ረድኤትን ሓለዋን ዘድልዮም ሰባት ከመይ ክንበጽሖም ከም ዘለና ምስቶም ዝረኸብኩዎም ሰባት ሃናጺ ዝርርብ ገይረ'የ" ኢሉ።
ብነፋሪት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዝተጉዓዘ ግሪፊትስ፡ ምስ ተመዛበልቲ፣ ምስ ደቂ ኣንስትዮ መምሃራንን ሰብ ሞያ ጥዕናን ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ዝኾኑን ዝተዘምቱን ትካላትን ትሕተ ቕርጽን ከም ዝተዓዘበ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
"እቲ ናይ ረድኤት ስራሕቲ ኣብ መዓልቲ 100 መካይን ይሓትት። እንተኾነ ኣነ ኣብኡ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን 178 መካይን ጥራሕ ኣብ ዓፋር ጠጠው ኢለን ነይረን። ድሓር ናብ መቐለ ከም ዝኣተዋ ሰሚዕና። ሕጂ 40 መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ይጽበያ ከም ዘለዋ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንሕና ግን ዕላማና መዓልታዊ 100 መካይን ክኣትዋ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ምስ ኣመሓደርቲ እቲ ክልል ከም ዝተዘራረበን ኣብዚ ዓመት ዝተሓረሰ መሬት እንተበዚሑ ካብቲ ልሙድ ልዕሊ ፍርቂ ከም ዘይኸውን ተገንዚበ ኣለኹ ኢሉ።
ማርቲን ግሪፊትስ ወሲኹ መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝወሃበሎም ትካላት ናውታት ሕክምና ከም ዘድልዮም ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
"ዝተዘምቱን ዝዓነውን ትካላት ጥዕና ርኢና ኢና፤ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣለው፤ ግን ደሞዝ ዝኸፍሎም የለን። ትካል ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ብውሑድ እቶም ትካላት መሰረታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ንክኽእሉ ይሕግዙ ኣለው። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንህጻናት ክታበት ንፍዮ ምሃብ ክንጅምር ኢና፤ ናውታት ግን ክበጽሑ ኣለዎም" ክብል ኣብሪሁ።
እቲ ሓላፊ ካብ ትግራይ ምስ ተመለሰ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ሰላምን ከም ዝተዘራረበ እውን ጠቒሱ።
ይኹን'ምበር ሰብኣዊ ረድኤት ዝህቡ ትካላትን ሰባትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ነቐፌታ ይበጽሖም ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ማርቲን ግሪፊትስ እዚ ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝበለ ኮይኑ፡ ሓላፊት ዩኤስኤይድ ሳማንታ ፓወር'ውን ተመሳሳሊ ርኢይቶ ምሃባ ይዝከር።
ብኻልእ ወገን ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዙርያ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምስ ኣመሓደርቲ ክልላት ኣምሓራን ሶማልን ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ።
እቲ ጎንጺ ጠጠው ክብል ኣለዎ፤ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ተጻብኦ ጠጠው ክብል ኣገዳሲ'ዩ ዝበለ ማርቲን ግሪፊትስ፡ መንግስቲ ፌደራል ዝኣወጆ 'በይናዊ' ምቁራጽ ተጻብኦ ብጽቡቕ ዝርኣይ'ኳ እንተኾነ፡ ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ግን ኣለው ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ ተኹሲ ጠጠው ንምባል ሓሳብ ኣለዎም ድዩ? ምስኦምከ ተራኺብኻ'ዶ? ዝብል ሕቶ ካብ ጋዜጠኛታት ቐሪብሉ'ዩ።
እቲ ሓላፊ ግን "ንሕና ምስ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ፖለቲካዊ መራሕትን ርክብ የብልናን፤ ንሕና ረድኤት ኢና ነቕርብ። ስለዚ ምስ ኣመሓደርቲ ወረዳ፣ ሆስፒታልን ጥራሕ ኢና ንራኸብ። ክልቲኦም ኣካላት ምዝታይ ናትና ስራሕ ኣይኮነን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
እቲ ሓላፊ ኣብ ቀረባ ኣብ ትግራይ ዝነበሮ ዑደት ኣመልኪቱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ ከም ዘየለ ተዛሪቡ።