ኦሮምያ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዙሓት ቀበሌታት ዞባ ጉጂ ከምዝተቖጻጸሩ ነበርቲ ገሊጾም

ሰራዊት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ

ምንጪ ስእሊ, ODAA TARBII

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ወረዳታት ኤልዳሎን ሊበንን ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዙሓት ቀበሌታት ከምዝተቖጻጸሩን ምስ ማሕበረሰብ ዘተ ከምዘካየዱን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ጸገም ጸትታ ሰብሞያ'ኳ ስሩዕ ኣገልግሎት ጥዕና ክህቡ ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት ምስ ሕብረተሰብ ካብ ሞንጎ ዘተ ዘካየዱለን ቀበሌታት ሓንቲ ቡልቡል ዝተበሃለት ኮይና ሓደ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየ በዓልሞያ ሕክምና ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ገሊጹልና።

"ንሕና ሕዚ ኣብቲ ቦታ ኣይኮንናን ዘለና። ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ሃዲምና ወጺእና ኢና። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ እውን ወጺኦም'ዮም"።

'ዝበዝሓ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር እቶም ዕጡቓት ይርከባ'

እቲ ንውሕስንኡ ክንብል ስሙ ዘይንጸርሖ በዓል ሞያ ሕክምና፡ "ኣስታት 60 ኪሎ ሜትር ተጓዒዝና ኢና ናብ ካልእ ከተማ በጺሕና። እቶም ዕጡቓት ንነበርቲ ኣኪቦም የዘራርቡ ነይሮም። ንሕና ግን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስለዝኾንና ምናልባት ከጥቅዑና ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ስለዝሰጋእና ኢና ወጺእና" ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ ኤልደሎ ዝነበረ ውልቀሰብ ብወገኑ፤ ኣብቲ ከባቢ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ይወሃብ ከምዘየሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መንግስታዊ ኣካላት ጸጥታ ንኹለን ቀበሌታት ገዲፎም ከምዝወጽኡ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

"ብዘይካ ናይ ወረዳ ኤልደሎ ዋና ከተማ ዝበዝሓ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር እቶም ዕጡቓት ይርከባ። በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዓይነት መንግስታዊ ኣገልግሎታት ኣይወሃብን ዘሎ። ኣብ ወረዳ ሊበን ድማ ብዘይካ ነገሌ ቦረና ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኣይኮናን ዘለዋ" ኢሉ።

'ዝተቖጻጸርዋ ቀበሌ የላን'

ኣመሓዳሪ ዞባ ጉጂ ኣይተ ታደለ ኡዶ ግና፤ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ከምዝገብሩ ብምርግጋጽ፤ ዝኾነት ትኹን ቀበሌ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘይትርከብ ገሊጺምልና።

"ልክዕ'ዩ ሸፋቱ ሸኔ ኣብዚ ከባቢ ይንቀሳቐሱ እዮም። ብፍላይ ምስ ህወሓት ኣብ ስምምዕ ካብ ዝበጽሑ ንደሓር ብስፍሓት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ናትና ሓይልታት ጸጥታ ዘይህልዉሉ ጊዜ ብምጽንጻን ድማ ነቲ ህዝቢ ይእክብዎ። ምናልባት ዝንቀሳቐሱሎም ቀበሌታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፤ ዋላ ሓንቲ ቀበሌ ግን ኣይተቖጻጸሩን"

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ብምእታው ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ስእልታት እናተሰኣሉ ብማሕበራዊ መራኸብታት 'ነዚ ከባቢ ተቖጻጺርና' እናበሉ ሓበሬታ ይዘርግሑ እምበር ዋላ ሓደ ዝተቖጻጸርዎ ቀበሌ ከምዘየለ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ብተዛማዲ ዜና ኣብቲ ዞባ ኣስታት 250 ነበርቲ ብሰንኪ ደርቂ ሓገዝ መግቢ ተጸበይቲ ከምዝኾኑ ተገሊጹ'ሎ። ካብዚኦም እቶም ኣስታት 50 ሽሕ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ኣብ ጸገም ዝወደቑ ምዃኖም ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ጉጂ ኣይተ ተሾመ ከበደ ኣረዲኡ።

"እቲ ደርቂ ኣብ ትሸዓተ ወረዳታት'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ምስ ክልል ኦሮሚያ ከምኡ'ውን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን መንግስቲ ፌደራል ብምዝርራብ ረድኤት መግቢ ይቐረብ ኣሎ። ንሓደ መራሒ ስድራ 25 ኪሎ እኽሊ'ዩ ዝወሃብ። ዘለዎም ብዝሒ ኣባል ስድራ ኣብ ግምት ብምእታው ዝውሰኸሎም እውን ኣለዉ። ሕዚ ንሽድሽተ ወርሒ እዩ ረድኤት ዝወሃበ። ሓድሽ እኽሊ ምስመጽአ ድማ እቲ ረድኤት ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።

ኣቶ ተሾመ ረድኤት ይቐርብ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ዞባ ጉጂ ወረዳ ኣዶላሬዴ ቀበሌ ቆላ ነባሪ ዝኾኑ ሓደ ኣቦ ሸውዓተ ቆልዑ ወላዲ ግን ዝበጽሖም ረድኤት ከምዘየለ ተዛሪቦም።

"እቲ ቀደም ደቅና ናብ ቤት ትምህርቲ ንልእኾም ዝነበርና ዘፍረናዮ ብምሻጥ ነይሩ። ሎሚ ግን ዘፍረናዮ ስለዘየለ መንግስቲ እንተዘይሓጊዙና ካብ ትምህርቲ ክተኣጓጎሉ እዮም" ኢሎም እቶም ወላዲ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ጉጅለታት ግብረ-ራዕዲ' ኢሉ ዝበየኖም፡ 'ኦነግ ሸኔ' ወይ ከኣ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ህወሓትን በወተሃደራዊ መስርሕ ንምትሕግጋዝ ከምዝተሰማምዑ ይዝከር።