ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ትግራይ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ትሕግዝ ዘላ ነርስ

ነርስ ሙሉ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ትቃለስ
መግለጺ ስእሊ,

ነርስ ሙሉ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ትቃለስ

ቢቢሲ ኣብዚ ዓመት እዚ [2021] ኣብ ሕብረተሰብን ባህልን ለውጢ ንምምጻእ እጃመን ዘበርክታ ካብ መላእ ዓለም ዝሓረየን 100 ጸለውትን ኣተባባዕትን ደቂ ኣንስትዮ ትማሊ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።

ካብኣተን ብዕድመ ዝነኣሰት ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ማላላ ዮሱፋዚ፣ ፈላሚት ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሃገረ ሳሞኣ፡ ፊያሜ ናኦሚ ማታፋ፡ ከምኡ'ውን ህብብቲ ኣፍሪቃዊት ጸሓፊት ቺማማንዳ ንጎዚ ኣቺዴ ይርከብአን።

ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ፍርቂ ዝርዝር ናይተን 100 ደቂ ኣንስትዮ ሒዘን ኣለዋ።

ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021 ነታ ሃገር ድሕሪ ምቁጽጻሩ ህይወት ሚሊዮናት ኣፍጋናውያን ክቕየር እንከሎ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኸዳ ተኸልኪለን እየን።

ብተወሳኺ ካብ መዝነት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪታት ክኽልከላ እንከለዋ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢ ናብ ስራሕ ከይመጽኣ ተነጊሩወን ።

ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ናይ ሎሚ ለብዘበን ሕርያ 100 ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ፡ ነተን ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽንኩር ኩነታት ኮይነን ጽንዓትን ዓወትን ዘርኣያ ደቂ ኣንስትዮ ኣቓልቦ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጀመረ ኲናት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናውን ስነ ልቦናውን ናብዮት ትህብ ዘላ ነርስ ሙሉ መስፍን ድማ ምስተን ቢቢሲ ዝሓረየን 100 ደቂ ኣንስትዮ ሰፊራ ኣላ።

ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብሞያ ነርስ ከተገልግል ዝጸንሐት ነርስ ሙሉ መስፍን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ስነ ልቦናዊ ፡ንሰብ ሓዳር ኣብ ፍትሕ ንዘጋጥመን ጸገማት ምኽሪ ዝህብ ማእከል 'ዋን ስቶፕ ሴንተር' ትሰርሕ ዘላ በዓልቲ ሞያ እያ።

ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ጠጠው ንክብል ጎስጓስ ጀሚራ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓሚ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ንብዙሓት ግዳያት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ሕክምናዊ ናብዮትን ስነ ልቦናዊ ሓገዛትን ክትህብ ብምጽንሓ እዩ፡ ቢቢሲ ኣብ ዝርዝር ናይተን 100 ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዓመት'ዚ ኣስፊሩዋ ዘሎ።

ኣብቲ ክልል፡ ቅድሚ ኲናት እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ምንባሩ እትዛረብ ነርስ ሙሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ ግህሰት ግን ብዓይነትን ብዝሕን ዝተፈለየ ምዃኑ ትዛረብ።

"ቅድሚ እቲ ኲናት ሪፖርት እንገብሮ ውሑድ'ዩ ነይሩ። ንዓይ ዝኸበደኒ ግዜ ግን ካብቲ ኲናት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘሎ'ዩ" ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝተሳተፉ ኣካላት ተፈጺሞም ካብ ዝበሎም ግህሰታት፡ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ይርከቦ።

ነርስ ሙሉ ኣብ ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኮይነን ናብቲ ማእከል ዝመጽኣ ልዕሊ 800 ደቂ ኣንስትዮ ብመገዳ ከም ዝሓለፋ ትገልጽ።

"ክሳብ ሕዚ ካብ ዝመጽኣና ምስ ተዓመጻ ኣካለን ዝጎደለ፡ ኣብ ሰብነተን ኣሲድ ዝተደፍአ፣ ኣብ ማህጸነን ባዕዳዊ ነገር ዝኣተወን እየን ነይረን። በዚ ምኽንያት ስድራ ቤት ተጎዲኡ፣ [እተን ግዳያት] በዓል ቤተን ከይሰምዕ [ክብላ] ኣብ ሓዳር ክፍተት ተፈጢሩ'ዩ። እዚ ኹሉ ክሰምዕን ከተኣናግድን እየ ዝውዕል" ትብል።

እዚ፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወታ ዓብዪ በሳላ ከም ዝገደፈን ንልዑል ስነ ልቦናዊ ቓንዛ ከም ዘቃልዓን ትዛረብ።

"ኹሉ ክትዛረቦ ከቢድ'ዩ፤ ግን ክሳብ ሕዚ ድቃስ ኣይፈልጥን። እቲ ዝበጽሐ ዓመጻት ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣእምሮይ በሰላ ገዲፉለይ . . . ነብስና ወዲእና። ከም ቀደመይ ነቒሐ ነገራት ክዝክር ኣይክእልን" ክትብል ጽልዋ እቲ እትህቦ ዘላ ኣገልግሎት ተብርህ።

እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝገበረ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ለሓመ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ሰላማውያን ሰባት ኮይኑ'ዩ።

ንገለ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ተቖጻጺሮም ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙን ኣብ ልዕሊ ንብረት ውልቀን መንግስትን ከቢድ ዕንወት ከም ዘብጽሑን መንግስቲ ይኸሶም።

ንሳቶም ግን ሓይልታቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዘየብጽሑን ንብረት ከም ዘየዕነውን ብምግላጽ ንዝቐርበሎም ክሲ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ እዮም ዝጠልቡ።

ነርስ ሙሉ እንታይ ክልወጥ ትደሊ?

ንሳ ኣብ ክሊ እቲ እትሓልፎ ዘላ ስንባደን ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ነተን ግዳያት እትህቦ ኣገልግሎት ጠጠው ከም ዘይተብል እያ ትገልጽ።

ቢቢሲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2022] ክልወጥ እትብህግዮ እንታይ ይኸውን ክብል ምስ ሓተታ፡ ሲስተር ሙሉ ቅድሚ ኩሉ ኵናትን ወረ ኵናትን ኣብቂዑ "ሰላም" ክኸውን እያ ተመንያ።

ኣብ መላእ ዓለም ብቐንዱ ኲናት ጠጠው ክብልን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ንዝፍጽሙ ገበነኛታት ዝቐጽዕ ጽኑዕ ሕጊ ክህሉን ትብህግ።

"እዚ ኲናት [ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ] ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት ክኸውን ነይሩዎ፤ ግን ኣይኮነን። [እዚ ኵናት]ብዝኾነ ጎንጺ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህዝቢ ሰላም'ዩ ዝደሊ፤ ሃገራት [ከባብን ዓለምን] ኣብ ክንዲ ኣጽዋር ኣብ ምሽምጋልን ሰላምን ክሰርሓ እምነ" ኢላ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለው ሓይልታትን ደገፍቶምን ተጻብኦታት ደው ከብሉን ፖለቲካዊ ዘተ ክጅምሩን ጻውዒት ከቕርብ እኳ እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ፍረ የሎን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ንምዝርራብ ንፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሶንጎን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገይሩ ምስ ሾሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ ሳዕ ንትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቡ ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዝተራእየ ምዕባለ የለን።

ኣፍጋኒስታናውያን ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ዝርዝር፡ ሕርያ ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ናይዚ ዓመት ሒዘን።

እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጣሊባን ምስ ወደቐት ሚሊዮናት ኣፍጋናውያን መጻኢኦም ዘይርጉጽ ኮይኑ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነጻነት ኣፍጋናውያን ደቀ ንስትዮ ክቕንጠጥ'ዩ ዝብል ስግኣት ሓዲሩዎም።

ቢቢሲ ፍርቂ ዝርዝር 100 ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዓመት ኣብታ ሃገርን ካብታ ሃገር ወጻእን ንዘለዋ ዜጋታት ኣፍጋን ክኸውን ብምውሳን መብዛሕትአን ብኸመይ ካብ ህዝባዊ ቦታታት ከም ዝተኣለያን ድምጸን ከም ዝተዓፈናን ከርኢ ፈቲኑ እዩ።

ተሞኩሮ እተን ደቀንስትዮ እንታይ ይመስል?

ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ሓደ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ተጠርኒፋ ክትጻወት ዝጸንሐት ሰሃር፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍጋኒስታን ኩዕሶ እግሪ ክጻወታ ዝደልያ እያ። ጣሊባን ግን ኣየፍቅድን እዩ።

ኣብዚ ዓመት ጣሊባን ነታ ሃገር ምስ ተቖጻጸራ፡ ምስ ስድርኣ ናብ ካልእ ሃገር ቅድሚ ምውጽኦም ክትሕባእ ተገዲዳ ። ድሕነት ከምአን ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ድማ የጨንቃ።

"ትምህርተይ ክቕጽልን ሕልምታተይ ኣግሂደ ገዛእ ርእሰይን ቤተሰበይን ዝሕበኑለይ ሰብ ክኸውን ይደሊ። ጓል ኣንስተይቲ ኩዕሶ ክትጻወት ኣይትክእልንያ ንከይበሃልን ዕውትቲ ክኸውንን ይደሊ" ትብል።

ን26 ዓመታት ኣብ ስደት ኣብ ኣመሪካ ጸኒሓ ብ2003 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ኣፍጋን ዝተመልሰት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ማሕቡባ ሲራጅ ህይወታ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻት ኣብ ምሕጋዝ፣ ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን ክረኽቡን ብልሽውና ኣብ ምቅላስን እያ ኣሕሊፋቶ።

ጣሊባን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ሃገራ ኮይና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክበጽሕ ንዝኽእል ወጽዓ ዘለዋ ስግኣት ንማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብ ምቅላሕ ትርከብ።

"ዓለም ሓሲባቶ ብዘይትፈልጥ መገዲ'ያ ኣፍጋኒስታን ናብ ከምዚ ዓይነት ጸገም ጥሒላ። ሕዚ ኣፍጋኒስታን ካብቲ ፖለቲካን ካልእን ጸገማት ድኽነት፣ ስደት ዝተማህረ ሓይሊ ሰብን ውድቀት ማሕበረሰብን ኣለውዋ፤ ስለዚ እታ ሃገር ክትመሓየሽ እንተዘይክኢላ ኣብ ጫፍ ምጥፋእን ምብትታንን እያ ትርከብ ዘላ" ትብል።

ጣሊባን ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ እታ ሃገር ብሸሪዓ ወይ'ውን እስላማዊ ሕጊ ከም ዝመርሓ ኣዊጁ።

ቅድም ኢሉ ኣብ 1990ታት ኣብ ዝነበረ ምሕደራ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስራሕን ትምህርትን ተኣጊደን ነይረን። ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ኣትሒዙ ስራሕ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ገዝአን ኮፍ ክብላ ተኣዚዘን።

ነቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝተመልአ ናይ ስግግር መንግስቲ ጣሊባን ዝተቓወማ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተቐጥቂጠን።

ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ማሕቡባ"ድምጽና ብዘይምስማዕን ትኽክለኛ ሕቶ ኣብ ዝግበኦ ሰዓት ብዘይምቕራብን፡ ከምኡ'ውን ነገራት ብጣሊባን ይኹን ኣፍጋናውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ጎረባብትን ትኹረት ከምዝረኽቡ እንተዘይገይርና እቲ ኩነታት ክገድድ'ዩ" ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

መግለጺ ስእሊ,

ጋዜጠኛን ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ማህቡባ ሲራጅ

መጽሄት ታይም፡ ሓንቲ ካብቶም "100 ጸለውቲ ሰባት" 2021 ክብል ሓርዩዋ ኣሎ።

ማሕቡባ "ሰላም ቀጽሪ ሓደ ንሃገረይ ዝምነዮ ነገር እዩ" ትብል።

ንጣሊባን ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ድማ "ኣፍጋኒስታን ሃገር እያ፤ ንሕና ድማ ዝሓሸት ሃገር ክትከውን ኢና ንደሊ። ይርድኦም ድዩ? ብሱሩ ክርድኦም ይደልዩ ድዮም? ዝርድኦም እንተኾይኑ ክሰርሕሉ ይግባእ። ዘይርድኦም እንተኾይኑ ድማ እቲ ሕዚ ዝገብሩዎ ዘለው ክቕጽሉዎ እዮም፤ እታ ሃገር ድማ ክትጠፍእ እያ" ኢላ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ፍልጥቲ ጋዜጠኛ ኣኒሳ ሻሄድ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ፖለቲካን ብልሽውናን ጸብጺባ።

ኣብታ ሃገር ጸለውቲ ምስ ዝበሃሉ ማዕኸናት ዜና፡ ምስ ቶሎ ኒውስ ዝሰርሐት ኣኒሳ፡ ጣሊባን ብ15 ነሓሰ ነታ ሃገር ምስ ተቖጻጸራ፡ ከም ጋዜጠኛን ጓል ኣንስተይትን ንህይወታ ዘስግእ ብዙሕ ምፍርራሕ በጺሑዋ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ትካል 'ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ' ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ "ሓቦኛ" ስርሓ ኣፍልጦ ክህቦ እንከሎ Free Speech Hub network ኣፍጋኒስታን ከኣ ጋዜጠኛ እዚ ዓመትን "ምስሊ ናይ ምዝራብ ናጽነት"ን ክብል ሰምዩዋ።

ንሳ፡ "ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ክስሕቓ ክርኢ ተስፋ ይገብር። ናብ ዓደይ፣ ናብ ገዛይን ናብ ስርሐይን'ውን ክምለስ ተስፋ ይገብር" ትብል።

ማራል፡ ወለዳ ኣብ ዙርያ ምኽባር መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ስቪል ማሕበራት ክትነጥፍ ድልየት የብሎምን።

ከም ጓል ኣንስተይቲ ናብ ስራሕ'ውን ክትኸይድ የብላን ዝብሉ'ኳ እንተኾኑ ንሳ ግን ብርእይተኦም ኣይተቖረነትን።

ካብ 2004 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢአን ክንቀሳቐሳን ብዛዕባ መሰለን ክፈልጣ፣ ናብ ስራሕ ክኸዳን ፋይናንሳዊ ናጽነት ክህልወንን ክትሰርሕ ጸኒሓ።

ኣብ ገጠር፡ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻት ምስ ዝኾና ደቀንስትዮ ብምስራሕ ፍትሒ ክረኽባ'ውን ትሕግዝ።

"ኩሉ ነገር ዝሰኣንና ስለ ዝመሰለኒ ተስፋ ቖሪጸ ነይረ፤ ግን ድማ እቲ ዝሰራሕናዮ ክሓስብ ከለኹ ሓቦ ይሰንቕ። መጻኢ ነቶም ሰላምን ሰብኣውነትን ዝደልዩ ስለ ዝግባእ ተስፋ ኣይቖርጽን" ኢላ።

ዛላ ዛዚ ድማ፡ ፈላመይቲ ምኽትል ኣዛዚት ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ግዝኣት ክሆስት እያ።

እዚ ዞባ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ብዝፍጽሙዎ መጥቃዕቲ ሰላምን ምርግጋእን ዝስኣነ ከባቢ እዩ።

ካልኣይ ሌተናል ዛላ ዛዚ" ሓንቲ ካብተን ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ካብ ኣካዳሚ ፖሊስ ቱርኪ ዘመናዊ ስልጠና ዝረኸባ ደቂ ኣንስትዮ ፖሊስ እያ።

ኣብ ስራሕ ኣብ ዝጸንሐትሎም ዓመታት ካብ ደቂ ተባዕትዮ መሳርሕታ ምፍርራሕ፤ ካብቶም ዕጡቃት ድማ ናይ ሞት ምፍርራሕ ክበጽሓ ጸኒሑ። ጣሊባን ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ከኣ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ተገዲዳ።

"ተመሊሰ ነቲ ናይ [ፖሊስ] ዩኒፎርም ክኽደኖን ነቲ ተባዕታዊ ማሕበረሰብን ባህልን ክቃለሶን እምነ። ናይ ምስራሕ መሰለን ንዝተመንዝዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን'ውን ክሕግዝ ይደሊ" ኢላ።