ሰሜንን ደቡብን ኮርያ፣ ኣመሪካን ቻይናን 'ኲናት ኮርያ' ንከብቅዕ ብመትከል ደረጃ ተስማሚዐን

ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ-ኢን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ፣ ኣመሪካን ቻይናን ብመትከል ደረጃ ኲናት ኮርያ ከም ዘብቅዐ ንምእዋጅ ከም ዝተሰማምዓ ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ሞን ጄ-ኢን ተዛሪቡ።

ሰሜን ኮርያ ተወሳኺ ዝርርባት ስለ ዝጠለበት ግን እቲ ዘተ ከም ዝቕጽል ገሊጹ።

ኲናት ኮርያ ካብ 1950 ክሳብ 1953 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ክካየድ እንከሎ እቲ ናይ ኣጽዋር ውግእ ጠጠው እንተበለ'ውን ብስምምዕ ሰላም ዝተኸምበተ ግን ኣይኮነን።

ኣብ ወርሒ መስከረም ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮ-ጆንግ ሃገራ ንዘተ ቅርብቲ ክትኸውን ከም እትኽእል ክተአንፍት እንከላ፡ ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኣንጻር መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ "ተጻባኢ ፖሊሲ" ውድቂ ገይራቶ ነይራ።

ሎሚ ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ሙን፡ ሰሜን ኮርያ እዚ ንልዝብ ዘቕረበቶ ቅድመ ኩነት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

"በዚ ምኽንያት ኣብ እውጅ ዘተ ኾነ ድርድር ክንቕመጥ ኣይክኣልናን . . . ሕጂ ግን ልዝባት ክብገሱ ተስፋ ንገበር" ኢሉ።

መራሒ ደቡብ ኮርያ ስሩዕ ምእዋጅ ምብቃዕ ኲናት ክልቲአን ኮርያ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኣጽዋር ኒኩሌር ዘለዋ ግስጋሰ ጠጠው ከተብል ክገብራ እዩ ኢሉ ይኣምን።

ፕሬዝደንት ሙን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።