ኲናት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ደጊሞም ተቖጻጺሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓይልታት ትግራይ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ደጊሞም ከም ዝተቖጻጸሩዋ መሰኻኽር ዓይኒ ንሮይተርስ ገሊጾም።
እታ ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ህወሓት መንዚዖምዋ ዝነበሩ ከተማ ንምሓዝ ዝኾነ ዓይነት ናይ ተኩሲ ምልዋዋጥ ከም ዘይነበረ'ውን ተገሊጹ።
ከተማ ላሊበላ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ኮይና ኣብ መዝገብ ሓድጊ ትካል ትምህርቲ፣ ባህልን ዝሰፈሩ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝርከባ ታሪኻዊት ቦታ እያ።
ሓይልታት ፌደራል ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበን ኲናት ሓድሕድ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝመንዝዑ ገሊጾም ነይሮም።
እቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ ትሸዓተ ሚልዮን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ህዝብታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከብሉ ኮይኑ ብዙሓት ንጥምየት ተቓሊዖም ኣለው።
ሓደ ምስክር ዓይኒ ትማሊ ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሰራዊት ፌደራል ብቐዳም ምሸት ካብ ላሊበላ ክወጽኡ ከም ዝጀመሩ ሓቢሩ።
"እቲ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ሎሚ ንጉሆ ወጺኡ። ትማሊ ምሸት ካብ ርሑቕ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ሰሚዕና ነይርና፤ እንተኾነ ሓይልታት ትግራይ ኣብታ ከተማ ጥይት ከይተኮሱ ተቖጻጺሮምዋ ኣለው" ክብል ትማሊ ተዛሪቡ።
ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ሓይልታቶም ብዝኸፈቱዎ "መጠነ ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ" ኣብ ጥቓ ከተማ ላሊበላ እትርከብ ስትራተጂካዊት ከተማ ጋሸና'ውን ተቖጻጺርና ከም ዝበሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ነቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።
ትማሊ ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ሓልታት ትግራይ ጋሸናን ላሊበላን መስመር ከምኡ'ውን በኮን ጋሸና መስመር ከምዝተቖጻጸርዎ ገሊጹ።
መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። ብቐዳም ግን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ግንባር ከም ዝተመልሰን ሰራዊት ፌደራል ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝወስዱ ስትራቴጂካዊ ቦታታት ከም ዝቖረጹን ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነበርቲ ላሊበላ ሓይልታት ትግራይ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ሕዳር ነታ ከተማ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን ከቢድ ህይወት ከምዘለሕለፉ ንኤኤፍፒ ተዛሪቦም፤ እንተኾነ ነቲ ቤተክርስትያን ኣኽቢሮም ከምዝሓለውዎ ይዛረቡ።
እቶም ዕጡቓት ካብ ነበርቲ ቴሌፎንን መግብን ይሓቱ ከም ዝነበሩን መደብራት መድሃኒት ከም ዝዘመቱን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ትማሊ ሰንበት ሓደ ምስክር ዓይኒ "ክወጽኡ ከለው ሓጎስና ገሊጽና ነይርና፤ ሕጂ ሕነ ክፈድዩ ይኾኑ'ዮም" ብዝብል ስግኣት ብዙሓት ካብታ ከተማ ወጺኦም ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ንዝነበረ መዓስከር ወተሃደራት ኣጥቂዖም ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ግን ሓይልታት ትግራይ ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ብምቁጽጸር ናብ ክልላለት ኣምሓራን ዓፋርን ኣትዮም።
ዝሓለፈ ሰሙናት ሰራዊት ፌደራል ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ቦታታት ከም ዝመንዝዐን፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ናይ ስትራቴጂ ለውጥን ምትዕርራያት ቦታን ከም ዝገበሩ ገሊጾም ነይሮም።