ዝልሓኹ ሰነዳት፡ ኣብ ናይጄሪያ ሓደ ሕቡእ ጉጅለ ገበን ምትላላትን ቕትለትን ክፍጽም ምጽንሑ ሓቢሮም

ኣባል ጉጅለ ገበን 'ብላክ ኣክስ'
መግለጺ ስእሊ,

ኣባል ጉጅለ ገበን 'ብላክ ኣክስ'

ኣብ ናይጄሪያ ምስ ቕትለትን ምትላላትን ብዝተሓሓዝ ሓደ ጨካን ጉጅለ ማፊያ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት እታ ሃገር ልሒኹ ብምእታው ዶብ ሰጊሩ ዓለምለኻዊ ናይ ምትላል ስራሕቲ ከም ዝጀመረ ቢቢሲ ዝርኣዮም ኣሽሓት ዝልሓኹ ሰነዳትን መሰኻኽር ዓይን ኣረጋጊጾም።

እዚ 'Black Axe' ዝተባህለ ጉጅለ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ክንቀሳቐስ ዝጸንሐን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝፍርሑ ውዱብ ናይ ገበን ማሕበር እዩ።

ኣባላት እዚ ማሕበር ኣብታ ሃገር ዝተኸልከሉን "ኣሕዋት" ተባሂሎም ዝጽውዑን እዮም።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ኣባላት እዚ ማሕበር ንዝነበሩ ከዘራርብን ካብ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ኣባላት እዚ ጉጅለ ዝተጠለፉ ልሒኾም ዝወጽኡ ኣሽሓት ሰነዳትን ክከታተልን ጸኒሑ።

ኩሎም እቶም ዝተጠለፉ ሰነዳት ምርግጋጽ ዝክኣል ኣይነበረን፤ እንተኾነ ኣገደስቲ ሰነዳት ብቢቢሲ ክረጋገጹ ክኢሎም እዮም።

ካብኣቶም፡ ብ2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሕጹይ ሰልፊ ፖለቲካ ኤፒሲ ዝነበረ ፍሉጥ ናይጄሪያዊ በዓል ሃፍቲ ኣጉስተስ በሚግሆ ላዕለዋይ ኣባል እዚ ጉጅለ ምንባሩን ሚሊዮናት ዶላራት ምትላላት ኢንተርነት ኣብ ምውህሃድን ኢድ ከም ዝነበሮ ዘረጋግጽ ኢሜይል ይርከብ።

እቲ ቢቢሲ ዝርኣዮ ዕቑር ሰነዳት ልዕሊ 18 ሽሕ ገጻት ዘለዎ ምስ መጥቀሚ ኢሜይል በሚግሆ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ንሱ ኣብ 62 ኣጋጣሚታት ናብ ተሓባበቱ መምርሒታት ምትላላት ከም ዝልኣኸን ብዛዕባ ገለ ዒላማ ምትላላት ምስ ካልኦት ከም ዝተዘራረበን የረድኡ።

ንሓደ ግዳይ ዝምልከት ሓደ ናብ በሚግሆ ዝተላእኸ ኢሜይል "ካብ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ዝጽጋዕ ኣሊናዮ ኣለና" ይብል።

እዚ ኢሜይል ሙሉእ ሽም እቲ ግዳይ፣ ናይ ኢሜይል ኣድራሻን ቑጽሩ፣ እቲ ምትላል ከመይ ክፍጸም ከም ዘለዎ ዘረድእ መምርሒታት ዝሓዘ እዩ።

ቢቢሲ በዚ መገዲ፡ ኣስታት 3.3 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝተታለሉ ዝገልጹ ክልተ ግዳያት ረኺቡ እዩ።

ዓለምለኻዊ ኤጀንሲታት ምኽባር ሕጊ እዚ ጉጅለ ካብ ዝፍጽሞም ምትላላት ቢሊዮናት ከሲቡ ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክቱ።

ቢቢሲ በሚግሆ ርኢይትኡ ክህብ ሓቲቱዎ'ዩ፤ እንተኾነ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲ መልሲ ኣይሃበን።

ገሊኦም ምስዚ ሰነድ ዝተትሓሓዙ ጉዳያት ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ገበን ምንቅስቓሳት ዘርእዩ ስለ ዝኾኑ ንክትሓትሞም ዘሰንብዱ'ዮም።

እንተኾነ እዚ መረዳእታ ጉጅለ 'Black Axe' ካብ 2009 ክሳብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ናይጄሪያ ግዝኣት ኢዶ ዝነበሮ ኢድ ኣእታውነት ክሳብ ክንደይ ዘስግእ ምዃኑ የመልክት።

ክልተ ሰነዳት፡ ኣብ ከተማ ቤኒን 35 ሚሊዮን ኒራ [ልዕሊ 64 ሽሕ ፓውንድ] ኣብ ናይጄሪያ ንዝተመዝገበ ኩባኒያ ኤንቢኤም [Neo-Black Movement of Africa] ከም ዘመሓላለፈ ይገልጹ።

እዚ ትካል ኣብ መረጻ 2012 ዓ.ም "ድምጽታት ንምሕላው" ከምኡ'ውን ዓወት ንምርግጋጽን ብዝብል ዝተጣየሸ እዩ።

ነቲ ዝተገብረሉ ሓገዝ ድማ "ኤንቢኤም ዞባ ቤኒን ብቐጥታ ብመንግስቲ ቑጻር ንክረክብ 80 ክፍቲ ቦታ ተመዲብሉ ኣሎ" ይብል።

መናእሰይ ናብ ከም 'ብላክ ኣክስ' ዝበሉ ጉጅለታት ንከይምልመሉ ዝቃለስ ነባሪ እታ ከተማ ዝኾነ ኩርቲስ ኦጌቤቦር ፖለቲካ ናይጄሪያ "ናይ ማፊያ ፖለቲካ" ኮይኑ እዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እዚ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ቦታታት ዘሎ'ዩ ዝመስል፤ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ። ኣብ ኹሉ ኢኻ ትረኽቦም" ይብል።

ኤንቢኤም ነቲ ምስ 'ብላክ ኣክስ' ርክብ ኣለዎ ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ ክነጽጎ እንከሎ ጠበቓታቱ ድማ ዝኾነ ኣባል እቲ ጉጅለ ማፊያ ዝነበረ "ብቐጥታ ተሰጒጉ'ዩ" ኢሎም።

ኤንቢኤም ኣብ መላእ ዓለም ሰለስተ ሚሊዮን ኣባላት ከም ዘለውዎ ክገልጽ እንከሎ ኣብ ናይጄሪያን ሃገራት ወጻእን ንኣብያተ ትምህርቲ፣ ፖሊስን ዘኻትምን ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ከም ዝሰርሑ ገሊጹ።

ፕሬዝደንት እቲ ትካል ኢሴ ካኮር "ኤንቢኤም ብላክ ኣክስ ኣይኮነን። ምስ ገበን ዋላ ሓደ ርክብ የብሉን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዓለምለኻዊ ኤጀንሲታት ምኽባሪ ሕጊ ግን ዝተፈለየ መርገጺ ኣለዎም።

ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ኤንቢኤም "ገበነኛ ትካል" ኢሉ ክፍርጆ እንከሎ ኣካል "ብላክ ኣክስ እዩ" ብምባል ይጽውዖ።

ሰብ መዚ ካናዳ'ውን ብላክ ኣክስን ኤንቢኤምን "ሓደ እዮም" ይብሉ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኤፍቢኣይን ኢንተርፖልን ኣብ ዘካየዱዎም ስርሒታት ኣብ መሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነበሩ ልዕሊ 35 ኣባላት ኤንቢኤም ኣሲሮም'ዮም።

እዚኦም ምስ ብርክት ዝበለ ሚሊዮናት ዶላራት ናይ ኢንተርነት ምትላል ገበን ተኸሲሶም ኣለው።

ኤንቢኤም ግን እዞም ውልቀሰባት ካብ ኣባልነት ተኣጊዶም ዝነበሩ'ዮም ኢሉ።

ሰብ መዚ ካናዳ'ውን ብላክ ኣክስን ኤንቢኤምን "ሓደ እዮም" ይብሉ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኤፍቢኣይን ኢንተርፖልን ኣብ ዘካየዱዎም ስርሒታት ኣብ መሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነበሩ ልዕሊ 35 ኣባላት ኤንቢኤም ኣሲሮም'ዮም።

እዚኦም ምስ ብርክት ዝበለ ሚሊዮናት ዶላራት ናይ ኢንተርነት ምትላል ገበን ተኸሲሶም ኣለው።

ኤንቢኤም ግን እዞም ውልቀሰባት ካብ ኣባልነት ተኣጊዶም ዝነበሩ'ዮም ኢሉ።

ብ2017 ዓ.ም፡ ሰብ መዚ ካናዳ ምስቲ ጉጅለ ብዝተሓሓዝ ክፍጸም ተሓሲቡ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ክስበር ገይሮም'ዮም።

እዚ ሓደ ካብቶም ዓለምለኻዊ ስርሒታት ምትላል እዚ ጉጅለ ገበን ተባሂሉ ዝውሰድ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ክንደየናይ ተመሳሰልቲ ምትላላት ተፈጺሞም ዝብል ኣይፍለጥን፤ እንተኾነ እቶም ልሒኾም ዝወጽኡ ሰነዳት ኣብ ሌጎስ፣ ለንደን፣ ቶክዮ፣ ዱባይን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ኣባላት ከም ዘለውዎ የርእዩ።

ኣብ ናይጄሪያ ብላክ ኣክስ ኣብ ጎደናታት ብዝፍጸሙ ገበናትን ምስቓያትን ከምኡ'ውን ምስ ፖለቲካን ንግድን ዝተኣሳሰሩ ገበናትን እዩ ዝፍለጥ።

ንፈለማ እዋን ንዓለምለኻዊ ሚዲያ ዝተዛረበ ሓደ ኣባል መንግስቲ ግዝኣት ኢዶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣባልነት እዚ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝኣተወ እዩ ኢሉ።

"ንዓይ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዘሎ ኣባል ብላክ ኣክስ ኣለሊ እንተኢልኩምኒ ክፈልጦ ይኽእል'የ። መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት፡ ዳርጋ ኩሎም ኢድ ኣለዎም" ኢሉ ቶኒ ካባካ።

ንሱ ስልጣን መንግስቲ ካብ ዝገድፎ ኣትሒዙ ብዙሕ ናይ ሞት ፈተነ በጺሑዎ እዩ።

መንግስቲ ኢዶ ኣብዙ ጉዳይ ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ፤ እንተኾነ ኣይመለሰን።