ኣማል ሳልሕ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ህያው ፈነወ ተሌቪዥን ኤርትራ ዝተዋስአት ጋዜጠኛ

ኣማል ሳሕል

ምንጪ ስእሊ, ኣማል

ኣማል ሳልሕ ካብ'ቶም ቀዳሞት ጋዜጠኛታት ኤሪ-ቲቪን ንክፍሊ ዓረብኛ ኣብ ምምስራት ተራ ዝነበራን ሰብ'ያ። ንዓሰርተ ዓመታት ከም ጋዜጠኛን ኣሰናዳኢትን መደብ ዓረብኛ ኰይና ድሕሪ ምግልጋል፡ መንግስቲ ኣንጻር ናጻ-ፕረስ ንዘካይዶ ዝነበረ ወፈራታት ምስተዓዘበት ነቲ መደበር ገዲፋ ተሰደት።

"እቲ ንምምስራቱ ብዙሕ ጻዕሪ ዝፈሰሶ መደበር" ትብል ኣማል፡ "ገዲፈዮ ክኸይድ ቀሊል ዉሳኔ ኣይነበረን። ሞራለይ ቀስ ብቐስ ክስበር ይፍለጠኒ ነበረ ... ዜሕርቑን ዜባሳጭውን ኣብ መጠረስትኡ ክጻወሮ ዘይክእል ኵነታት ይመጽእ ከም ዝነበረ ይርኣየኒ ነይሩ" ከኣ ትብል።

"ሕጂ እቲ ዘሕለፍክዎ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ይገርመኒ። እቲ ንኤርትራ ንምግልጋል ዝነበረኒ ባህጊ፡ ዓቕመይ ንከማዕብል ዝነበረኒ ሕልሚ፡ ምስኡ ዘኻዕበትክዎ ፍልጠትን ጽቡቕ ምንዮትን፡ ዝነበረኒ ዘይውዳእ ጕልበት፡ ናበይ ኣበለ ኢለ ንነብሰይ ዝሓተሉ እዋን ኣሎ፣ ይዅን'ምበር ሕልናይ ንጹህ'ዩ፣ ከመይ ገይሮም ሕልምታት ከም ዝቕተሉ ብቐረባ ርእየ ክብል እኽእል" ብምባል ነቲ ዜሕለፈቶ ጕዕዞ ትገልጾ።

ድሕረ-ባይታ ኣማል

"ኣነ ኣብ ደማስቆ (ሶርያ) ኢየ ዓብየ። ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከሎኹ'የ ምስ ስድራይ ናብ ሶራያ ግዒዘ። ቅድሚ ናብ ሶርያ ምግዓዘይ ኣብ ሱዳን እነብር'ኳ እንተነበርኩ ዝዝክሮ ነገር ዳርጋ የብለይን። እዚ ማለት እቲ ዝዓበየ ተዘክሮታት ንእስነተይ ኣብ ደማስቆስ'ዩ ዝጅምር" ብምባል ዕላላ ትጅምር።

"ኣብ ደማስቆ ተማሂረ፡ ምስ ደቂ ደማስቆ ዓብየ፣ ልክዕ ከም'ቶም ደቀባት ከኣ ናብራን መግብን ባህልን ሶርያ እናስተማቐርቁ'የ ዓብየ። ርግጽ'ዩ፡ ብናፍቖት ዝዝክሮ ኣተዓባብያ'ዩ። ካልእ ይትረፍ፡ ክሳዕ ዝዓቢ ኣብ ሶርያ ዑቕበኛ ከም ዝነበርኩ'ውን ኣይርድኣንን ነይሩ ..." ብምባል ንዘሕለፈቶ ንእስነት ብናፍቖት ትዝክሮ።

ዋላ'ኳ ኣዲኣ ንኣማል ኣብ ገዛ ብቋንቋ ትግረ እናተዛረባ የዕብይኣ፡ ህይወታን ህይወት ኣሕዋታን ብባህሊ ሶርያ ተዓብሊሉ ይዅስኰስ ስለ ዝነበረ ዓረብኛ ይስዕሮም ከም ዝነበረ ይዝከራ። ስለዚ ቀዳማይ ቋንቋኣ ዓረብኛ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣቦኣ ንኣማል ተጋዳላይ ጀብሃ'ዩ ነይሩ። ንሳ ንእሽቶ ስለ ዝነበረት ግን ፍልልያት ጀብሃን ሻዕብያን ኣይርድኣን ነይሩ። እቲ ኤርትራዊ መንነት'ውን እንተዀነ ክንድቲ ዓቢ ኣይነበረን። ልክዕ ከም ቘልዑ ጐረቤታን መማህርታን ብግርህነት ተዋሒጣ ብዝያዳ ጸወታን ንእስነትን ይዓጅባ'ኳ እንተነበረ መንነታ ቀስ ኢሉ ይሰርጽ ከም ዝነበረ ተዘንቱ።

ሶርያውያን ሕብሮም ብጻዕዳ ክግለጽ ይከኣል፣ ኣማል ግን ኣብ ሞንጎ መዘናታታ ጸሊም ቆርበት ከም ዝነበራ ዳርጋ ተስተብህለሉ ከም ዘይነበረት ትዛረብ።

ኣብ ሶርያ ዋላ'ኳ ምስልምና እቲ ዝዓበየ ሃይማኖት ይዅን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት እኹል ተጻዋርነት ከም ዝነበረ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይምስክሩ'ዮም።

እቲ ዜሕዝን ግን ሕጂ፡ ሶርያ ብሰንኪ ውግእ ናብ ዑና ተለዊጣ ትርከብ። ቅድሚ ውግእ፡ ሶርያ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ፍሉይ መንነት ዝነበራ ኰይና ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቱሪስት እተአንግድ፡ ብመግቢ፡ ብባህሊ፡ ብሃብታም ታሪኽ፡ ብታሪኻዊ ዑናታት እትዝከር ሃገር'ያ ነይራ።

ብዝሒ-ህዝቢ ሶርያ 18 ሚልዮን ገጹ ይቀራረብ'ዩ፣ ስእነተ-ሰላም ብዜስዓቦ ጠንቅታት፡ ሕጂ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ሶርያ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ይርከብ። ተዘክሮታት ኣማል እምበኣር ኣብ ጥዑምን ሰላምን ዝነበረሉ እዋን'ዩ ዘተኵር።

ፍሉይ ተዘክሮታት ፍቕሪ ሃገር

"በቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ባህሊ መሰረት ብንእሽተይ እየ ተመርዕየ። ኣብቲ ዘመን'ቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበረኒ ተገዳስነት ክዓቢ ጀመረ። ኣብ ደማስቆ ኣባላትን ማሕበራትን ህዝባዊ ግንባር ግዙፍ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓደ-ሓደ ኣኼባታት እካፈል ነይረ፣ ሓያሎ ሕቶታት'ውን እሓትት ነበርኩ" ትብል ኣማል።

ጸኒሑ መንነታን ኵነታት ኤርትራን እናተፈልጠ ስለ ዝኸደ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይትፈልጦ ሃገር ክቱር ፍቕርን ናፍቖትን ሓደራ።

"ኤርትራ ሓራ ወጺኣ ምስ ሰማዕኩ ክሕጐስን ክጽንብልን ይዝከረኒ። ከም በዓል ሓድሽ ድራር ዝኣመሰሉ መራሕቲ ማሕበረ-ሰብ ተገዳስነተይ ርእዮም ነታ ብወረ ጥራይ ዝፈልጣ ሃገር ብዓይነይ ከይደ ክርእያ ኣተባብዑኒ። 'ኬድኪ ርአይዮ'ሞ እንተ ፈተኺዮ ንዓመት ተገልግሊ፡ እንተዘይኰይኑ ትምለሲ' ኢሎምኒ" ብምባል ኣማል ዕላላ ትቕጽል።

"ነቲ ዜቕረቡለይ ሓሳብ ጊዜ ወሲደ ምስ መመኽዎ ንኤርትራ ንክኸይድ ተሰማሚዕና። ሽዑ መሓዙተይን መቕርበይን እቲ ዝተለምኩዎ ሓሳብ - ናብ ዓደይ ንምምላስ - ምስ ሰምዑ ገረሞም። እዚ'ንድዩ ዓድኺ? ኢሎም ተኸራኸሩኒ። ኣነ ግን ወሲነ'የ ኢለ ኣቕበጽኩዎም። ኰይኑ ድማ እቶም ሓለፍቲ ማሕበረ-ሰብ ዘድልየኒ ኩሉ ባዕላቶም ኣዳላዮም ኣፋነዉኒ" ትብል ኣማል።

ኣማል ኣብ ኣስመራ

ኣማል ብ1992'ያ ንመጀመርታ ንኣስመራ ርእያታን በጺሓታን። ካብ ዝተጸበየቶ ንላዕሊ ከምዝጸንሓታን ከኣ ትዛረብ።

"ኣስመራ ብእዋን ምሸት ስለ ዝኣተኹ ዳርጋ ተመሪሐ'የ ኣትየ። ኣብ ጥቓ ከረን ሆቴል፡ ኣብ እንዳ ሓንቲ መቕርበይ ኣትየ። ቅንይ ኢለ ንማእከል ከተማ ወሪደ ነቲ ወዛሕዛሕ ዝብል ዝነበረ ህዝቢ፡ እቶም ዕሙራት ዕዳጋታት፡ ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ዝነበሩ ደዀክን፡ ነቲ ልስሉስ ክሊማ ምስ ኣስተማቐርኩ ብኡ-ንብኡ ምስ ኣስመራ ፍቕሪ ሓዘኒ" ትብል።

"ትግርኛ'ኳ ኣይዛረብ ንዓይ እቲ ፍሕሽው ገጽ ደቂ-ኣስመራ እኹል'ዩ ነይሩ - ዓረብኛን እንግሊዘኛን ዝዛረቡ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝረኸብኩ ብቋንቋ ኣይተሸገርኩን" እናበለት ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው ትገልጾ።

ድሕሪ ቁሩብ ሓንቲ መሓዝኣ ኣብ ሚድያ ንኽትሰርሕ ብምትብባዕ ንከተላልያ ኣብ ጥቓ ሲነማ ካፒቶል ናብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሩ ዜና ኣሰነየታ። እቲ ሓዲሽ ዝጣየስ ዝነበረ ምኒስትሪ ዓቕሚ ሰብ የድልዮም ስለዝነበረ ንእለቱ ከም ጋዜጠኛ ቋንቋ ዓረብ ተቘጽረት። ኣብ ክፍሊ ዓረብኛ መደብ ቴሌቪዥን ንዝነበረ ሃጓፋት ኣብ ምምላእ ክትዋሳእ ጀመረት።

ኤሪ-ቲቪ ኣይጸንሐን ሓደስቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ክቘጽርን ክምልምልን ጀመረ። ምስኡ ኸኣ ኣሰልጠንቲ ካብ ካናዳ መጺኦም ንኣባላት ክፍሊ ዜና ክምልምሉ ጀመሩ፣ ከምኡ ኢሉ እቲ ጋንታ ክስልጥንን ክዓብን ጀመረ" እናበለት ተዘክሮታታ ትጽብጽብ።

ተዘክሮታት ኤሪ-ቲቪ

"እቲ ኣውራ ዝዝከረኒ እቲ ዝነበረኒ ድልየትን ጽቡቕ ፍቓድን'ዩ። ከምኡ'ውን ጻዕርታት ናይ'ቶም ኣብ ከባብየይ ዝነበሩ ሰባት ይዝከረኒ" ኢላ ብኣሕጽሮ ትምልስ።

ሽዑ ኤሪ-ቲቪ ድሮ ተመስሪቱ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት መደባት ክሰርዕ ምስ ጀመረ ኣማል ከኣ ኣብ ሶርያ ብጋዜጠኛነት ዝቐሰመቶ ስልጠና ስለ ዝነበራ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ተመዲባ ክትሰርሕ ጀመረት። ድሌታ ኣብ ረድዮን ጋዜጣን ንምግልጋል'ኳ እንተነበረ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ህያው ፈነወ ተሌቪዥን ኤርትራ ዝተዋስአት ጋዜጠኛ ብምዃን ታሪኽ ሰርሐት።

መብዝሕትኦም ተጋደልቲ ናይ ሜዳ ተሞኵሮ ዝነበሮም ኰይኖም፡ ወሳኒ ተራ ዝነበሮም ንሳቶም'ዮም ነይሮም። "ምስ በዓል ኣስመላሽ ኣብርሃ፡ ዓብዱ ሄጂ፡ ኣማኒኤል ሓድጉ፡ ኣለም ኪዳነ ከምኡ'ውን ካልኦት ተጋደልቲ-ነበር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይዝከረኒ" ትብል ኣማል።

ዓብዱ ሄጂ፡ ነባር ጋዜጠኛን ዲፕሎማትን፡ ካብ 2017 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።

ገለ-ገለ ካብ ተዘክሮታት ኣማል እቲ ኣብ እዋን ዉግእ-ባድመ፡ ኣብ ዛላ-ኣንበሳ፡ ጸሮና፡ ሰንዓፈ እናኸደት ተመሓላልፎ ዝነበረት ፈነወታት'ዮም።

'ንምንታይ ስራሕኪ ንኽትገድፍዮ መረጽኪ?'

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሕለፈቶ ናብራ "ልዑል ተስፋ'ዩ ነይሩኒ፡ ግን ምስ ጊዜ በኒኑ" ክትብል ብክልተ ሓረጋት ትገልጾ።

እቲ ስራሕ ንዓኣ ከም ዘይከውን ብምሕሳብ ብፍቓዳ ክትሰናበት እኳ እንተፈተነት ምቕባል ስለዝኣበዩዋ ስርሓ ንኽትቅጽል ከምእተገደደት ትሕብር።

ምንጪ ስእሊ, ኣማል

መግለጺ ስእሊ,

ኣማል ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ብየማና ዘሎ ሓሚድ መሓምድ ስዒድ'ዩ - ካብ 2002 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይርከብ

ንነዊሕ እዋን ኣብ መስርሕ ኩነታት ክተኻኸል እዩ ብምባል ብዙሕ እኳ እንተተጸመመት፡ እቲ ባህሪ ስራሕ ኰነ ባህሪ ሓለፍቲ ምስ ባህራ እናተረሓሓቐ ስለዝኸደ ጊዜ ምስ ነውሐን ከምዚ ግበሪ፡ ከምቲ ኣይትግበሪ ዝብሉ ትእዛዛት ምስ በዝሑን ክትገድፎ ወሲና።

"ከም ኣሰናዳኢት መደብ መጠን ኣብ ኣኼባታትና በቲ ዝመሰለኒ 'ንህዝቢ ዜነቓቕሑን ዝምህሩን ዛዕባታት ነቕርብ፣ ኣብ ጽርግያ ወጺእና ንህዝቢ ብሓድሓደ ዜገድሶ ዛዕባታት ንወከሶ፡ ነሳትፎ' ኢለ ሓሳብ ደጋጊመ ከቕርብ ከሎኹ 'ህዝቢ ጌና'ዩ ዘሎ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ዛዕባ ምስ ሕብረተሰብና ኣይከይድን'ዩ፣ ንስኺ ኣይርድኣክን'ዩ፡ ህዝብና ከምዚ ኣይርድኦን'ዩ፣ ካብ ሕንጻጽ ትወጺ ኣሎኺ፣ ንስኺ ብናይ ግዳም ኣካይዳ ተደፊእኪ ኣብዚ ዘይሰርሕ ሓሳባት ተቕርቢ ኣሎኺ' ዝኣመሰሉ ሞራለይ ዝጎድኡ መልስታት ብምቕራብ፡ በቲ እቶም ሓለፍቲ ዝደለይዎ መዳያት ጥራይ ንኽንከይድ ጸቕጥታት ይገብሩለይ ነይሮም" ብማለት ነቲ ዝነበረ ኩነታት ትገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, ኣማል

"ሕልመይ ምስ ህዝቢ ብቐረባ ንክሰርሕ፡ ንምዕባሌ ሃገር ከኣ ንከበርክት ካብ ዝብል ዕላማ ተበጊሰ'የ ኵሉ ገዲፈ ንኤርትራ ዝተጐዓዝኩ። ብዕድመ ንእሽቶ'ኳ እንተነበርኩ መንፈሰይ ግን ልዑል'ዩ ነይሩ ክብል በቲ ኣገባብ ክሕዙኒ ኣይተጸበኹን" ትብል ተዘክሮታታ ብምድህሳስ።

ጸኒሐ ከኣ "እቲ ናጽነት-ፕረስ ድኣ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንህዝቢ ዚሰርሕ ሚድያ ድኣ ኣበይ ኣሎ" ብዝብሉ ሓሳባት ተደሪኻ ብፍቓዳ ካብ ስርሓ ንኽትእለ ክልተ ሳዕ ፈቲና ምስ ተነጽገት ተስፋ ናብ ምቝራጽ ከደት።

"መብዝሕትኡ መደብ በቶም 'እሙናት ጋዜጠኛታት/ካድራት' ተሓንጺጹ ብኣታቶም ይቐርቡ ነበሩ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ከሎኹ እቲ ስርዓት ነቶም ናይ ሽዑ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን - ከም በዓል ስዩም ጸሃየ ዀኑ ካልኦት ከም ዝኣሰረ፡ ጋዜጠኛነት ከኣ ንኣገልግሎት መንግስቲ'ምበር ንኣገልግሎት ህዝቢ ከም ዘይነበረ፡ ኰይኑ ድማ ሕልናይ ክጻወሮ ከም ዘይከኣለ ይዝከረኒ"።

"ብተወሳኺ፡ ብደሞዝ ዘይኰነ ብሞቝሺሽ ኢየ ንዓመታት ሰሪሐ። ሕራይ ከም ሰበይ፣ ግን ህይወት ይፈታትነኒ ነይሩ'ዩ። እቲ መንግስቲ ይብለጽ ከም ዝነበረ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን" ትብል።

ኣብ መጠረስትኡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ክእሰሩ ምስ ጀመሩ - ምናዳ ጋዜጠኛታት ኰኑ ሓለፍቲ መንግስቲ - እቲ ኵነታት ኣባይ ክበጽሕ'ዩ ኢለ በቲ ገይሸዮ ዝነበርኩ ኣቢለ ናብ ዓዲ ስደተይ ኣምራሕኩ።

ኣማል ኣብ ዓዲ ስደት

"ስደት ከይደለኹዎ'ዩ መጺኡ ... ኣነ ተገዲደ'የ ተሰዲደ። ይዅን'ምበር፡ እዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ናብራ ክግምግሞ ከለኹ ብልጫታት ስደት ይረኣየኒ'ዩ። ኣብዚ ካብ ድንገትን ሓደጋን ናጻ ዀይነ፡ ድላየይ ተዛሪበ፡ ሰብኣዊ መሰለይ ተሓልዩ፡ ብሰላም ደቀይ ክዕብን ከምህርን፡ ኤርትራ ዝነፈገትኒ መሰላት ዓዲ እግሊዝ ትህበኒ ከም ዘላ ኣግሂደ ክምስክር ሕልናይ ይድርኸኒ" ትብል።

"ብጽቡቕ ዓብያ ዝተማህረትን ስርሓ ዝሓዘትን ዕውትቲ ጓል ኣላትኒ። ሓደ መዓልቲ ዝበለትኒ ኩሉ ጊዜ ይዝከረኒ ... 'ዜግነት እንግሊዝ ኣሎኪ፡ መሰላትኪ ኸኣ ልክዕ ከም'ቶም ደቀባት'ዩ፣ ኣብዚ ድማ ኣብ ቤትኪ ንዕስራ ዓመት ነቢርኪ። ይዅን'ምበር፡ ልብኺ ኣብ ኤርትራ፡ መዓስ ኢኺ ንጸጋታትኪ ተቐቢልኪ እፎይ ኢልኪ ትነብሪ?' ኢላትኒ" ክትብል ነዚ ዝርርብ መደምደምታ ገበረትሉ።