ማዕልቦ ዘይተረኸቦ ምትፍናን ሩስያን ዩክረይንን ጠንቁ እንታይ’ዩ?
ማዕልቦ ዘይተረኸቦ ምትፍናን ሩስያን ዩክረይንን ጠንቁ እንታይ’ዩ?
ሩስያን ዩክረይንን ካብ 2014 ጀሚረን ብሰንኪ ግዝኣት ክሪምያ ክዋጠጣ ስለዝጸንሓ ቆላሕታ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒበን ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሩስያ 100 ሽሕ ዝኣክል ሰራዊታ ናብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳቡባ ከባቢ ስለዘጸግዐት ድማ ቀልቢ ሃገራት ዓለም ገዚኡ ይርከብ። ንምዃኑ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት እንታይ እዩ ዘዋጥጠን ዘሎ?