46 ስደተኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ተረኺቦም

እቶም ሰባት ኣብዛ መኪና'ዮም ሞይቶም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቴክሳስ፡  ኣብ ጥቓ ከተማ ሳን ኣንታንዮ፡ ስደተኛታት ከምዝኾኑ ዝተገለጹ ብውሕዱ 46 ሰባት ኣብ ሓንቲ ዝተደርበየት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ተረኺቦም።

ሰብ መዚ ምክልኻል ባርዕ እቲ ከባቢ፡ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም 14 ሰባት ብህይወቶም ከምዝጸንሑን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን ብምሕባር፡ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ብብርቱዕ ዋዕን ሃሩርን ተጠቒዖም ምጽንሖም ገሊጾም።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሳን ኣንታንዮ ብማእከላይ ገምጋም 34 ዲግሪ ሴንቲ ግሬት’ዩ ውዒሉ።

ከተማ ሳን ኣንታንዮ፡ ካብ ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን 250 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ ከተማ ኮይና፡ ቀንዲ መተሓላለፊት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ምዃና ይፍለጥ።

እቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምስግጋር፡ ናብ ዶብ ኣሜሪካ ንዘስግርዎም ሰባት ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታ ተጸብዮም ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ተጠቒሞም’ዮም ካብን ናብን ዘሰጋግርዎም።

ከንቲባ ከተማ ሳን ኣንቶንዮ ሮን ኔረንበርግ፡ “እዞም ሰባት ስደራ ኣለዉዎም፡ ምናልባት ዝሓሸ ህይወት ንምንባር ኢሎም እዮም ናብዚ መጺኦም፡ እንሀለ ኸኣ ብዘሰንብድ ኩነት ሞይቶም ተረኺቦም” ኢሉ።

ሰብ መዚ ህይወት ኣድሕን እቲ ከባቢ ብዛዕባ እታ መኪና ሓበሬታ ምስ በጽሖም፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሽት  ናብቲ ቦታ ከምዝበጽሑ ላዕለዋይ ሓላፊ ምክልኻል ባርዕ እታ ከተማ ቻርለስ ሁድ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ “ነታ መኪና ከፊትና ምስ ርኣናያ፡ ኣብ ርእሲ ርእሲ ዝተጸፋጸፈ ሬሳታት ክጸንሓና ዋላ ሓደ ካባና ዝገመተ ኣይነበረን” ኢሉ።

ነሱ ብምስዓብ፡ እታ መኪና መራሒኣ ኣብቲ ቦታ ገዲፍዋ ከምዝኸደን፡ ዝሰርሕ ኣየርኮድንሽን ዘይነበራን ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ዝኾነ ማይ ከምዘይገደፈሎምን ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሜክሲኮ ማርሴሎ ኢልብራድረ፡ ካብቶም ብህይወት ተረኺቦም ናብ ሆስፒታል ዝተወሰዱ እቶም ክልተ ደቂ ጎቲማላ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

መንነት ናይቶም ዝሞቱ ግን ዛጊት ኣይተሓበረን ዘሎ።

ምስ ሞት ናይዞም 46 ሰባት ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ይጻረ ከምዘሎ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብ2017’ውን 10 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ዓባይ መኪና ሞይቶም ከምዝተረኸቡ መዛግብቲ ይሕብሩ።

ከተማ ሳን ማሪኖ፡ ምስ ዶብ ሜክሲኮ ዝራኽብ ክልተ ዓበይቲ ጎዶናታት ዘለውዋ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትርከብ ከተማ እያ።

ነቲ ጉዳይ ዝምርምር ዘሎ ኣለጃንድሮ ማዮረካስ “እዞም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፡ ብዛዕባ መኽሰቦም’ምበር ብዛዕባ እቶም ዝሰግሩ ቅንጣብ’ውን ትኹን ድንጋጸ ዘይብሎም ፍጥረት’ዮም” ኢሉ።

ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ ገዛኢ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት፡ “ብሰንኪ ዶብ ከምድላይካ ክኸፍት ዘፍቅድ ዝተኸተሎ ፖሊሲ” ብምባል ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ተሓታቲ’ዩ ኢልዎ።

ኣንጻር ግረግ ዝወዳደር ኣባል ሰልፊ ዲሞክራትስ ቤት ኦሮርከ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ ዘሰንብድ ምዃኑ ብምግላጽ ቅልጡፍ መርመራ ክግበር ጸዊዑ “ነቲ ዓንኬል ናይ ኣሰጋገርቲ ብምብታኽ ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ብዘኽእል ስርዓት ክትካእ ኣለዎ” ኢሉ። 

ኣብ ኣሜሪካ፡ ጉዳይ ናይቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብሓደገኛ መንገዲ ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዓቢ ፖሎቲካዊ ዛዕባ እዩ።