ግዙፍ ተንሳፋፊ ቤት መግቢ ሆንግ ኰንግ ጥሒሉ

‘ዘ ጃምቦ ሬስቶራንት’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ስሙይ ምልክት ሆንግ ኮንግ ዝነበረ መርከብ ቤት ምግቢ ን50 ዓመት ዝኣክል ድሕሪ ምግልጋሉ ከምዝጠሓለ ተፈሊጡ።

እዚ ‘ዘ ጃምቦ ሬስቶራንት’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓብዪ ቤት ምግቢ ካብቲ ዝነበረሉ ወደብ ምስ ተወስደ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እዩ ጥሒሉ።

ኣመራርሓ ኣበርዲን ሬስቶራንት “ዘሕዝን ኣጋጣሚ” ከምዝኾነ፡ ይኹን እምበር ዝተጎድአ ሰራሕተኛ ከምዘየለ ገሊፆም ኣለዉ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ስዒቡ እቲ ቤት ብልዒ ኣብ መጋቢት 2020 [ኣ.ኣ.] ግልጋሎት ምሃብ ኣቋሪፃፁነይሩ።

ኣብቲ ቤት ምግቢ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፣ ቶም ክሩዝን ሪቻርድ ብራንሰን ሓዊሱ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ከምዝተገልገሉ ይእመን። ኣብ ናይ ጄምስ ቦንድን ኣብ ካልኦት ፊልምታትን ዝተርኣየ እቲ ቤት ምግቢ ድሕሪ ኮቪድ-19 እዩ ዕዳግኡ ዝሒሉ።

ወነንቲ እቲ ቤት ብልዒ ከምዝብልዎ፡ መርከብ እኢ ቤት ምግቢ ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማራ ብሜሪን ኢንጂነራት ምርመራ ከምዝተገብረላን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምትርከብን ተገሊፅሎም ነይሩ።

ሓድሽ ኦፐሬተር ክሳብ ዝርከብ ኣብ ዘይተገልፀ ቦታ ክፀንሕ እዩ ተሓሲቡ ነይሩ።

እንተዀነ ብሰንበት እታ መርከብ "ሕማቕ ኵነታት ምስ ኣጋጠመ" ማይ ክኣትዋ ከምዝጀመረን ኣብ ጥቓ ደሴታት ፓራሰል ድማ ከምዝጠሓለትን ኣመራርሓ ኣበርዲን ሬስቶራንት ገሊጾም።

ወሲኾም እውን “ዕምቘት እቲ ዝጠሓለትሉ ባሕሪ 1000 ሜትሮ ስለዝኾነ ናይ ምዕቃብ ስራሕቲ ምስራሕ ኣፀጋሚ እዩ፡” ክብሉ ሓቢሮም።

ዋላ’ኳ ዕዳጋ እታ መርከብ ብኮቪድ-19 እንተትዓጽወ ንዓመታት ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

ካብ 2013 ጀሚሩ ዕዳግኣ ከምዝዘሓለን ኣብ ክሳራ ከምዝነበረትን ኦፐሬተር ሜልኮ ኢንተርናሽናል ዲቨሎፕመንት ገሊፁ።