'ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ንዩክረይን ክንሕግዝ ኢና'- ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7  

መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓተ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ዘለንስኪ ኣብ ባቫርያ ንዘተኣከቡ መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓተን ክልተ ወኪላት ሕብረት ኣውሮጳን ብቪድዮ መልእኽቲ ኣሕሊፉ

ኣብ ጀርመን ኣኼባ ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ሸውዓተ ሃብታማት ሃገራት ዓለም “ክንዲ ዝወሰደ እዋን ይውሰድ” ንዩክረይን ከምዝሕግዙ ገሊጾም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መበል ካልኣይ መዓልቲ ኣኼበኦም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እኽሊ ካብ ወደባት ዩክረይን ከይወጽእ ሩስያ እትገብሮ ዕግታ ደው ከተብል እውን ጸዊዖም።

ኣብቲ ኣኼባ ብቪድዮ ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ምዕራባውያን ፈተውቱ ተወሳኺ ሓገዝ ከበድቲ ኣጽዋር ክልእኹሉ ተማሕጺኑ።

መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓተ ኣንጻር ወራር ሩስያ ሓድነት ክህልዎም ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ።

እቶም መራሕቲ ትማሊ ሰኑይ “ክንዲ ዝወሰደ እዋን ይውሰድ ንዩክረይን ናይ ገንዘባዊ፣ ሰብኣዊ፣ ወታሃደራውን ዲፕሎማስያውን ሓገዝ ምግባር ክንቅጽል ኢና” ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።

ምስቶም ኣብ ባቫርያ ኣኼባ ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ጣልያን፣ ጃፓን፣ ዩናይትድ ኪንግደምን ኣመሪካን ክልተ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተረኺቦም ኣለዉ።

ብካልእ ዜና ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሮም ዝቐጸሉ ኮይኖም፡ ኣብ ከተማ ክረመንቹክ ኣብ ዝርከብ ሰብ ዝበዝሖ ዕዳጋ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሚሳይል ብውሑድ ዓሰርተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብመዚ ዩክረይን ተዛሪቦም።

ተወሳኺ ሓገዝ ከበድቲ ኣጽዋር ክግበረሉ ዝሓተተ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ እቲ ኲናት “ሓጋይ ከይኣተወ” ክውዳእ ተስፋ ከምዝገብር ገሊጹ።

ከቢድ ቀዝሒ ዘለዎ ኩነታት ኣየር ሓጋይ፡ እቲ ኲናት ንሓይልታት ዩክረይን ከቢድ ክገብሮ ከምዝኽእል ተሰጊኡ ኣሎ።

እቲ መራሒ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክግበር እውን ጸዊዑ ኣሎ።

መራሕቲ ጉጅለ ሸውዓተ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቭላድሚር ፑቲንን ፈታዊቱ ቤላሩስን እገዳታት ንምሕያል ቁርጸኛታት ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ ሰደድ ወርቅን ዘይትን ከምኡ እውን  ገበን ኲናት ኣብ ዝፈጸሙን እገዳታት ከምዘንብሩ  ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከቡ ወደባት ዩክረይን ብሓይልታት ሩስያ ብምዕጻዎም፡ ኣብ መኽዘናት እታ ሃገር ዝርከቡ ኣእኻል ከይበላⶄ ተሰጊኡ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ሕርሻን መጓዓዝያን ዩክረይን እትፍጽሞ መጥቃዕቲታት እውን ብቕልጡፍ ደው ክተብል እቶም መራሕቲ ጸዊዖም ኣለዉ።

ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ዝሓዝዎ ከባቢታት ዩክረይን እእኻልን ካልኦት ውጽኢታት ሕርሻን ካብ ሓረስቶት ከምዝሰርቁ መረዳእታ ረኺቡ እዩ።