ኣብ ዓለም እቶም ሓደገኛታት መስመር ስደት ኣየኖት’ዮም?

ብጐማ ዝተሰረሐት ጃልባ ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት 3 ሕዳር 2016

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ዶብ ክሰግሩ ዝሓሰቡ ስደተኛታት ዘሰንብድ ሞት ከጋጥሞም ርኢና።

ብዓርቢ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብሞሮኮ ኣቢሎም ሓጹር ሰጊሮም ናብ ስጳኛ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ብውሑዱ 23 ሰባት ሞይቶም።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ናይዚ ፍጻመ፡ ኣብ ኣሜሪካ ሳን ኣንቶንዮ ኣብ ዝተባህለት ከተማ’ውን ኣብ ሓንቲ መራሒኣ ገዲፍዋ ዝኸደ ዓባይ ዕሽግቲ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ብውሕዱ 46 ሰባት ሞይቶም ተረኺቦም።

ድሕሪ ክስተት ኮቪድ-19 መብዛሕትአን ሃገራት ካብን ናብን ሃገራት ዝግበር መገሻታት ስለ ዝኸልከላ፡ በቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ መስመራት ጕዕዞ ስደተኛታት ብዙሕ ሰብ ክንቀሳቐሰሎም ተራእዩ።

በዚ መንጽር ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ ዝሞቱ ስደተኛታት ቍጽሮም እናወሰኸ ከም ዝኸደ ይንገር።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት [ኣይ.ኦ.ኤም ]፡ ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካን ናብ ኣውሮጳን ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ ከም ዘሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአ ይሕብር።

ኣይ.ኦ.ኤም ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱን ሃለዋቶም ዝጠፍአን ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ኣዝዩ ክልዕል ከም ዝኽእል’ዩ ግምታት ዘለዎ።

ንምዃኑ ኣብ ዓለም እቶም ሓደገኛታት መስመር ስደተኛታት ኣየኖት’ዮም? ስለ ምንታይ?

ማእከላይ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመሰረት ጸብጻብ ኣይ.ኦ.ኤም፡ እዚ መስመር እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መስመር እዩ።

ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት ልዕሊ 19,500 ሰባት ሞይቶም።

እቶም ነዚ ባሕሪ ዝሰግሩ ሰባት፡ ብዕንጨቲ ወይ ብጐማ ዝተሰርሓ ጀላቡ ተጠቒሞም።

መበገሲ ናይዞም ብማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ሰባት ድማ ሊብያን ቱኒዝያን’ዩ።

ኣብ ቱኒዝያ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ እታ ሃገር ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝሞቱ መካነ መቓብር ኣሎ።

ቪኪ ዝተባህለ ኒጀራዊ ስደተኛ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ነዚ መቃብር ክርኢ እንከለኹ ኣዝዩ’ዩ ሕማቕ ዝስምዓኒ፤ ብሓቂ ነዚ ባሕሪ ክሰግሮ ድየ ኢለ ከኣ ይፈርሕ” ይብል።

ከም ኣይ.ኦ.ኤም ዝኣመሰሉ ትካላት ግን እዚ ንስደተኛታት ጉዕዝኦም በቲ ሓደገኛ መንገዲ ካብ ምቅጻል ከም ዘየጎናድቦም’ዮም ዝገልጹ።

ውሃቢት ቃል ኣይ ኦ ኤም ሳፋ ምሰህሊ “ናብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምምጻእ ኣየቋረጹን። እቲ ቀንዲ ዘሻቕል ከኣ ኣብቲ መስመር መጠን ሞት’ውን ይውስኽ ኣሎ። ሃገራት ዝጭበጥ ነገር ክሳብ ዘይገበራ ከኣ በዚ መስመር ዝግበር ሞትን ስደትን ደው ኣይክብልን’ዩ” ትብል።

ሓለዋ ዶብን ባሕርን ኣውሮጳ ብወገኑ ካብ 2015 ክሳብ ሕጂ በዚ መስመር እዚ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ካብ ሞት ከም ዘድሓነ ይሕብር።

ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዘሎ መስመር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንመብዛሕትኦም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝደልዩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እቲ ጉዕዞ ስደቶም ካብ ውሽጢ ሃገሮምን ኣህጉሮምን’ዮም ዝጅምርዎ።

ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ከኣ ንምድረበዳ ሰሃራ ከቋርጹ ይግደዱ።

እቲ ቀንዲ መሰናኽል እዚ መስመር ከኣ እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክሊማ እቲ ከባቢ እዩ።

ኣይ.ኦ.ኤም፡ ካብ 2014 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብዚ መስመር ኣስታት 5,400 ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብር።

ዓብደላህ ኢብራሂም በዚ መስመር ዝሓለፈ ስደተኛ ኮይኑ፡ ምስ ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣብቲ ምድረበዳ ሰባት ክሞቱ ብዓይንኻ ትርኢ፤ ገለ ብድኻም፡ ገለ ብጥሜትን ጽምኢ ማይን” ብምባል ምስክርነቱ ሂቡ።

እቲ ካልእ ጸገም፡ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱን ሰባት ዝጨውዩ ስደተኛታት ኣብ ሞንጎ ዝሞቱን’ውን ቁጽሪ ውሑድ ዘይምዃኑ’ዩ።

ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ኣብ ሞንጎ ኣሰጋገርትን ሓለዋ ዶብን ቀጻሊ ምልውዋጥ ናይ ቶኲሲ ኣሎ ኣብ ከምዚ ክስተት ዝሞቱ ስደተኛታት ከኣ ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮነን” ኢሉ። 

ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ደቡብን ሰሜንን ኣሜሪካ ዝግበር ናይ ስደት ጉዕዞ ኩሉ ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ጥራይ ዝዓለመ ኣይኮነን።

ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ግን እቲ ቀንዲ ብዝሒ ስደተኛታት ዝርኣይሉ ቦታ’ዩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ንምስጋር መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝርከብ ሓደገኛ ዝኾነ ፈለግ ሪዮ ግራንደ ክሰግሩ ግድን እዩ።

ኣብዚ ፈለግ እዚ ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 3000 ሰባት ከም ዝጠሓሉ ኣይ.ኦ.ኤም ይግምት።

እቶም በዚ ፈለግ እዚ ምስጋር ዝፈርሑ ከኣ ኣብ ዓበይቲ መካይን ተሓቢኦም ከሰግሩ’ዮም ዝፍትኑ፡ ብዙሕ ግዜ ከኣ ከምቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሳን ኣንቶንዮ ዘጋጠመ ሞት የጋጥሞም።

ወሃቢት ቃል ኣይ ኦ ኤም ሳፋ ምሰህሊ “ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ካብ ዝፍትኑ ሰባት ተደጋጋሚ ሞት’ዩ ዘጋጥም ዘሎ” ኢላ።

ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ችያፓስ ሜክሲኮ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና ብምግጫዋ 56 ሰባት ምማቶም ይዝከር።

ኣብ ውሽጢ ኤስያ ዝርከብ መስመር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ 2020 ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት እቶም 40 ሚኢታዊት መበቆሎም ካብ ኤስያ ምዃኑ ከረጋግጽ ክኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኤስያ ካብን ናብን ክስደዱ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣስታት 5000 ሰባት ከም ዝሞቱን ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ዝበዝሑ ካብቶም ዝሞቱ፡ ካብ ሮሆንሀግያን ባንግላድሽን ዝተበገሱ እዮም።

እቲ ጉዕዞ ቤንጋልን ባሕቲ ኣንዳማን ዘቋርጽ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ።

ወዲ 37 ዓመት ሙሓመድ ኢልያስ  ሮሂንጋዊ ስደተኛ በዚ መስመር እዚ እናሰገረ እንከሎ ብሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ካብ ሞት ዝደሓነ’ዩ።

“ኣዚና ጠሚና ነይርና፡ ማይ ዝብሃል ስለ ዘይነበረና ክቱር ጽምኢ ነይሩና። ብኸምዚ ከኣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ጸኒሕና” ኢሉ።

ኣብ ኤስያ እቲ ካልእ ሓደገኛ መስመር ኣብ ሞንጎ ኢራንን ቱርክን ዘሎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስ ተቆጻጸርዋ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ኣፍጋናውያን ነዚ መስመር እዚ ክጥቀምሉ ተራእዮም።

ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ኣብ ኢራንን ጎሮባብቲ ሃገራትን ስደተኛታት ኰይኖም ምህላዎም ይገልጽ።