ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዝተወስደ ወፍሪ 'ምኽባር ሕጊ' ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም

ከተማ ባህርዳር

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝተኻየደ ‘ወፍሪ ምኽባር ሕጊ’ ልዕሊ 12 ሽሕ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ፖሊስ ኣብ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ኢሉ ዝጠርጠሮም 12,400 ሰባት ኣሲሩ።

እዞም ጥርጡራት፡ “ብሽም ፋኖ ዝነግዱን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይስሩዕ ጕጅለታት ተወዲቦም ብገበናት ቅትለት፡ ዝምታን ጾታዊ ዓመጽን ከምኡ’ውን ተልእኾ ጕጅለታት ሽበራ ተቐቢሎም ነቲ ክልል ብምንዕዓብ” ዝተጠርጠሩ’ዮም ክብል ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ገሊጹ።

ካብ መንጐ እዚኦም "እቶም 3746 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን እቲ ክልል ኰይኖም፡ ልዕሊ 8700 ድማ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብቲ ክልል መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጕምቲ ካብ ዝተቐየዱ 3500 ሰባት፡ ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ድማ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ እዮም ኢሉ ነይሩ።

ኣቐዲሙ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ሕጊ ምኽባር ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ብምግላጽ፡ እቲ ተግባር ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ዝተፈጸመ’ዩ ብምባል ኮኒኑ ነይሩ።

ተሓለቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታት’ውን፡ እቶም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚዲያን ዝወረደ ትንኰያ ደው ክብልን ሓቲቶም፤ ተቓወምቲ ሰልፍታት’ውን እቲ ማእሰርቲ ብሕጋዊ መስርሕ ክካየድ ኣተሓሳሲቦም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ቑጽሪ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዝውዓሉ ጋዜጠኛታት ልዕሊ 16 በጺሑ ነይሩ፤ ካብዚኦም ዝተወሰኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለው። እንተዀነ ሕጂ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣለው።

ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማሕበር ኣምሓራ፡ እቲ ወፍሪ “ምምሕዳር ኣብዪ ዝቃወም ሓይሊ ናይ ምጥፋእ ምንቅስቓስ’ዩ” ክብል ተቓዊሙዎ’ዩ።

ማዕከን ዜና እቲ ክልል ኣሚኮ ንኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ካብቶም ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ልዕሊ 7350 ብዋሕስን ምጽራይን ከም ዝተፈትሑ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ “ናብ ህወሓት ዝሓልፍ ዝነበረ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ብር ኣብ ኬላ ብዝተገብረ ተፍትሽ” ከም ዝተትሓዘ ብምግላጽ በቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ዘይሕጋዊ ተዅሲ ሓዊሱ ካልኦት ገበናት ከም ዝነከዩ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ዝወሰዶ ስጕምቲ ብምቅዋም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ተላዒሎም ኣብ ዝነበሩ ተቓውሞታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰባት ከም ዝጠፍአ ይዝከር።